ኮኾብ ተዋሳኣይ ብላክ ፓንተር፡ ቻድዊክ ቦዝማን ኣብ 43 ዓመቱ ብሕማም መንሽሮ ዓሪፉ

ኣብ ፊልም ብላክ ፓነተር ብዝነበሮ ተሳትፎ ተፈላጥነት ዝረኸበ ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይ ቻድዊክ ቦዝማን ኣብ 43 ዓመቱ ብሕማም መንሽሮ ዓሪፉ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተዘርግሐት ብላክ ፓንተር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣድናቖት ዝረኸበት ብፍላይ ድማ ንኣፍሪቃውያንን ጸለምትን ክብሪ ዘጎናጸፈት ፊልም እያ ክበሃል ይከኣል።

ቦዝማን ኣብ ሎስኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ በዓልቲቤቱን ኣባላት ስድርኡን ኣብ ጎድኑ ኣብ ዝነበርሉ ከም ዝዓረፈ ተገሊጹ።

እቲ ተዋሳኣይ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ጀሚሩ ብመንሽሮ መዓናጡ ክሳቐ እኳ እንተጸንሐ ኣብ ሚድያ ተዛሪብሉ ኣይፈልጥን።

እቲ ዜና ንኣፍቀርቲ ፊልም ኣደንጽዩ እዩ። ዳይሬክተር 'ጌት ኣውት' ጆርዳን ፔሊ "ተስፋ ዘቑርጽ" ክብል ገሊጺዎ።

ኣባላት ስድራቤቱ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ፡ "ተስፋ ዘይቆርጽ እዩ ኔሩ፤ ኣብ ዝሓለፎም ኣሸገርቲ ኩነታት ተጸሚሙ ብዙሓት እትፈትውዎም ፊልምታት ናባኹም ኣቕሪቡ" ኢሎም።

ቦዝማን፡ "ፍሮም ማርሻል ቱ ዳ 5 ብላድሰ፡ ኦገስት ዊለሶንስ ማ ሬኒይስ ብላክ ቦቶምን፡ ኣብ ካልእ ፊልምታትን ክዋሳእ ከሎ፡ ኣብ መንጎ መጥባሕነን ኬሞተራፒን" ይገብር ምንባሩ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ኣብ 'ብላክ ፓንተር' "ንንጉስ ቺታላ ክውን ምግባሩ ዓብዪ ክብሪ እዩ" ኢሉ።

ቦዝማን ሓቀኛ ሰባት'ውን ወኪሉ ብምውሳእ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ተጻዋቲ ቤዝቦል ጃኬ ፎቢንሰን ከምኡውን ደራፊ ሙዚቃ ሶል ጀምስ ብራውን ወኪሉ ተዋሲኡ'ዩ።

ብዙሓት ግና በቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝዘርግሖ ፊልም ብላክ ፓንተር ዝያዳ ይዝክርዎ።

ቦዝማን ኣብቲ ፊልም፡ መራሒ ዋካንዳ፡ ብዝተራቐቀ ቴክኖሎጂ ዝማዕረገት ፈጠራዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይኑ እዩ ዝዋሳእ።

ኣብታ ፊልም ናይ ብናይ ምውሳእ ክእለቱ ኮኾብ ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ እታ ፊልም፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ሲነማ ተዓዋቲት ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ዶላር ክትከውን በቒዓ።

እታ ፊልም ብጸሊም ዳይሬክተር ርያን ኩግለር፡ ተኣልያ ብብዝሒ ጸለምቲ ዝተዋስኡላ ብምዃና ከም ባህላዊ እምነ-ምዕራፍ ኮይና ትጥቀስ።

ፊልም ብላክ ፓንተር ብዓውዲ ምሩጽ ምስሊ ንሽልማት ኦስካር ዝተሓጸየት ናይ ፈለማ 'ሱፐርሂሮ' ፊልም እያ።