እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጽኑዕ ዝሓመመ ሰብኣይ፡ ዛጊት ዘይተዘርግሐ 'ስታር ዋርስ' ፊልም ክርኢ ተፈቒዱሉ
ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከብ ብሪጣንያዊ፡ ምስ ቤተሰቡ ናብ ህዝቢ ዘይተርገሐ ፊልም 'ስታር ዋርስ' ክርእዩ ከምዝተፈቐደሎም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ 'ዲዝኒ' ቦብ ኢገር ገሊጹ።
ኣብ ብሪጣንያ፡ ከተማ ሃምፕሻየር ዝርከብ 'ሮዋንስ' ዝተብሃለ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ዝዓርፉሉ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ፊልም፡ ሓደ ኣብቲ መዕረፊ ዝርከብ ሰብኣይ ኣቐዲሙ ክርእዮ ክፍቀደሉ ብትዊተር ኣቢሉ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ነይሩ።
እቲ ትካል ''እዚኣ እታ ዝኸፍአት ሰዓት'ያ ንዓና፤ እቲ ዘሕዝን ከኣ ግዜ ኣብ ጎንና ኣይኮነን፡ ክሳብ 20 ታሕሳስ ክጸንሕ ኣይክእልን'ዩ'' ክብል ጽሒፉ።
ወናኒ ናይቲ ፊልም እወታዊ መልሲ ድሕሪ ምሃቡ ግን፡ እቲ ትካል ''ንዲዝኒ ንምምስጋን ቃላት የብልናን'' ክብል ጽሒፉ።
እቲ ትካል ብሰሉስ፡ እቲ ሕሙም ነቲ ፊልም ክርእይ ዕድል ከወሃቦ ኣብ ትዊተር ንዝዘርገሖ ጽሑፍ ብዙሓት ሰባት ኣባጺሖምዎ እዮም።
ተዋሳኢ ማርክ ሃሚል እቲ ትካል ዝሓሰቦ ክሰምረሉ ሰናይ ትምኒቱ ዝገለጸ ኮይኑ፤ ቦብ ኢገር ድማ '' ብርግጽ ክንፍትን ኢና'' ክብል መሊሱ ነይሩ።
ሎሚ ድማ እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ስራሕ፡ ኣብዚ መዓልቲ ምስጋና፡ ዲዝኒ እቲ 'ዘ ራይዝ ኦፍ ስካይ ዎከር' ዝብል ፊልሚ፡ ነቲ ሕሙም ኣብቲ ትካል ምስዝርከቡ ቤተሰቡ ከርእዮም ምዃኑ ብታሕጓስ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ሰራሕተኛ ጥዕና ዝኾነት ሊሳ ዳቪስ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝተሰመዖም ሓጎስ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣፍራያይ ፊልም፣ ተዋሳእትን ሚድያታትን ኣመስጊና።
መንነት እቲ ሕሙም፡ ብምስጢር ተታሒዙ'ሎ።