ኲናት ዩክረይን፡ "ናፅነት ኣብ ልዕሊ ምልኪ ክዕወት እዩ" ፕረዝደንት ጆ ባይደን

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ቭላድሚር ፑቲን ንዩክረይን እንተድኣወሪሩ፡ ምዕራባውያን ክወስድኦ ኣብ ዝኽእላ ስጉምቲ ግጉይ ገምጋም ከምዝነበሮ ገሊፁ።

እቲ ፕረዝደንት ንኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ናፅነት ወትሩ ኣብ ልዕሊ ምልኪ ክዕወት ምዃኑ" ዘየጠራጥር እዩ ኢሉ።

ደሞክራትስን ሪፐብሊካንን ድማ፡ ኣሜሪካ ንዩክረይን ከምእትድግፍ ንዝገልፅ መደረ ባይደን ብምድጋፍ ብሕብረት ናእድኦም ገሊፆም።

እቲ ትማሊ ሰሉስ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ንኣርቀቕቲ ሕጊ መደረ ዘስምዐ ፕረዝደንት ዲሞክራትስ ጆ ባይደን፡ "እዚ ናይ ፑቲን ኵናት ኣቐዲሙ ዝተወጠነን ትንኮያን'ዩ። ንፃዕርታት ዲፕሎማሲ ብተደጋጋሚ ነፂግዎ'ዩ"

"ንሱ፡ ምዕራባውያንን ኔቶን ግብረ መልሲ ዘይህቡ'ዩ መሲልዎ ኔሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ንዓና ዝኸፋፍለና'ዩ መሲልዎ ኔሩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣሜሪካ ትፅቢት ብዘይተገበሮ ኩነታት፡ ካብ ኣፍጋኒስታን ምውፅኣ፡ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካውያን ንዝነበረ ህቡብነት ጆ ባይደን ሃስይዎ'ዩ።

"ፑቲን ተጋግዩ'ዩ። ተዳሊና ኢና ኔርና" ዝበለ ፕረዝደንት ባይደን፡ ነፈርቲ ሩስያ ክሊ ኣየር ኣሜሪካ ከይጥቀማ ከምዝኽልክል'ውን ወግዓዊ ጌይሩ።

ሰብመዚ ካናዳን ኣውሮጳን'ውን ነፈርቲ ሩስያ ክሊ ኣየረን ከይጥቀማ ምኽልካለን ይፍለጥ።

ኣሜሪካን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ቁጠባን ፋይናንሳውን ስርዓት ሩስያ ኢሉ'ውን ኣብ ልዕሊ ፑቲን ቀፃሊ ማዕቐብ የንብራ ኣለዋ።

እቲ ፕረዝደንት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ፑቲን፡ እንታይ ይስዕብ ከምዘሎ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ የለን" ብምባል፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ሩስያ ተወሳኺ ማዕቐባት ከምእተንብር ገሊፁ።

ባይደን፡ ንኣምባሳደር ዩክረይን ኦክሳና ማርካሮቫ'ውን እንኳዕ ደሓን መፃእኺ ዝበለ እንትኾን፡ ኣባላት እቲ ባይቶ'ውን ንኣምባሳደር ኦክሳና ብድሙቕ ጣቕዒት ተቐቢሎማ።

ባይደን ቅድሚ እቲ ናይ ኮንግረስ መደርኡ፡ ኣሜሪካ ንዩክረይን እንታይ ክትሕግዛ ከምትኽእል ምስ ፕረዝደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተዘራሪቡ።

ኣባላት ዲሞክራትስን ሪፓብሊካንን ብሓባር ክቖሙን ኣብ ጎኒ ዩክረይን ምዃኖም ብሓጎስ ክገልፁን ምርኣይ ካብ ውሑዳት ፍፃመታት እዩ። መብዛሕትኦም ኣባላት ንባንዴራ ዩክሬይን ሒዞም ከንበልብሉ ተራእዮም።