እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማሊላንድ: ሞቓዲሹ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ጣልቃ ካብ ምእታው ክትቑጠብ ኣዘኻኺራ
ናይ ገዛእ ርእሳ ናጽነት ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ጣልቃ ካብ ምእታውን ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ካብ ምዕንቃፍን ክቑጠብን ኣዘኻኺራ።
እቲ ምትእትታው ኣብ ሞንጎአን ጽልኢ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ዘምጽኦ ሳዕቤን ከምዘየለ ካቢነ ሶማሊላንድ ኣፍሊጡ።
እቲ ካቢነ ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ሚኒስተር ትልሚ ሶማልያ ጀማል መሓመድ ሓሰን፡ ነቲ ንነጻነት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል እማመ ዘቕረበ ኣባል ፓርላማ ብሪጣንያ ጋቪን ዊልያምሰን ብትዊተር ተሪር ምላሽ ድሕሪ ምሃቡ እዩ።
ናይ ብሪጣንያ ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ ብወገና "እቲ ውሳነ ንሶማሊላንድን ንፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን ዝምልከት እዩ" ኢላ።
እታ ኣብ ገማግም ወሽመጥ ዓደን እትርከብ ሶማሊላንድ ኣብ 1991 እያ ካብ ካልእ ክፋል ሶማልያ ናጽነታ ኣዊጃ።
ክሳዕ ሕጂ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ እኳ እንተዘይረኸበት፡ ንጡፍ ፖለቲካዊ ስርዓት፣ መንግስታዊ ትካላት፣ ሓይሊ ፖሊስን ናታ ባጤራን ኣለዋ።