እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንምንታይ እየን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብኻራ ዝቕተላ ዘለዋ?
ኣብዚ ሰሙን እዚ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣደ ቖልዑ ሰብ ሓዳር ኣሓት፡ ሓንቲ ኣብ ዴንማርክ፡ እታ ካልአይቲ ኣብ ጀርመንን ሳልሰይቲ ኣብ ኖርወይ ብኻራ ከምዝተቐትላ ኣብ ማዕከናት ዜና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ጉህዩን ሰንቢዱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘኑ ይገልጽ ኣሎ።
ብዛዕባ'ቲ ቅትለት እንታይ ዝፍለጥ ነገር ኣሎ?
ዴንማርክ
ፖሊስ ደንማርክ ሓንቲ ጓል 28 ዓመት ኣደ ክልተ ቖልዑ ጓለንስተይቲ ኣብ ከተማ ኦሩስ: ቪቢይ፡ ኣብ ቅድሚ ደቃ ከምዝተቐትለት ኣብ ቦታ ፍጻሜ ብዝረኸቦ መረዳእታ ከምዘረጋገጸ ሓቢሩ።
እታ መንእሰይ ብረብዕ 16 ታሕሳስ ብወዲ 38 ዓመት በዓል ቤታ ብካራ ከምዝተቐትለት ከምዝጥርጥር ዝገለጸ ፖሊስ ካብቶም ክልተ ደቃ እታ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ሕጻን ኣብ ኢዳ ብካራ ተወጊኣ ከምዝጸንሐት ኣብ ጸብጻቡ ኣረዲኡ።
ጀርመን
ኣብ ከተማ ሬገንስቡርግ ጀርመን እውን ሓንቲ ጓል 31 ዓመት ኤርትራዊት ነብሰ ጾር ኣደ ኣብ ገዝኣ ተቐቲላ ተረኺባ። ፖሊስ እታ ከተማ ወዲ ሰለስተን ሓደ ዓመትን ደቃ ኣብ ጎድኒ ሬሳኣ ከምዝጸንሑ ሓቢሮም።
እቲ ከምዝቐተላ ዝተጠርጠረ ወዲ 38 ዓመት ኤርትራዊ በዓል ቤታ ኣብ ሓዲድ መገዲ ባቡር ሞይቱ ከምዝተረኽበን ብዛዕባ እቲ ገበን ንምጽራይ ተወሳኺ መርመራ ይገብሩ ምህላዎም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሓን።
ኖርወይ
ኣብ ኖርወይ እውን ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ ከምእተቐትለትን ጉዳያ ብፖሊስ ይረአ ከምዘሎን ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም።
ዓሚ ሚያዝያ እውን ብ (07-04-2020) ኣብ ከተማ ቶሮንደሃይም ትርሓስ ተኽለ ክፍላይ እተባህለት ጓል 33 ዓመት ኣደ ኣርባዕተ ቖልዑ ከምእተቐትለት ፖሊስን ጋዜጣታትን እታ ሃገር ከምዝሓበራ ይዝከር። በዓል ቤታ ከኣ ከም ቀዳማይ ጥርጡር ብፖሊስ ተታሒዙ ጉዳዩ ይረአ ከምዘሎ ተሓቢሩ ነይሩ።
ስዊዘርላንድ
ብ22 ሚያዝያ 2021 እውን ኣደ ሰለስተ ቖልዑ፡ ጓል 34 ዓመት ኤርትራዊት ፌቨን ኣፍወርቂ ኣብ ከተማ ኑሻቴል ስዊዘርላንድ ብኻራ ተሃሪማ ኣብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈት ምሕባሩ ኣብ እዋኑ ብዙሕ ከምዘዛረበ ዝዝከር እዩ።
እቲ ብቕትለት ዝተጠርጠረ በዓል ቤታ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን ጉዳይ ብሕጊ ይረአ ምህላውን እውን ተነጊሩ ነይሩ።
እዚ ወረ ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ማዕከናት ዜናን ምስተቓልሐ ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን "እንታይ ኢና ንኸውን ዘሎና!" ብዝብል ናይ ስምባደን ሻቕሎትን ቃናን ቴማን ሓባራዊ ዘተን ምምኽኻርን የካይዱ ኣለው።
በቲ ክስተት ኣዝያ ዝጓሃየት ተቐማጢት ኖርወይ ወይዘሮ ሪም ናስር እቲ ተርእዮ ኣዝዩ ከምዘሻቕላ ብምግላጽ፡ ነዚ ዘሰምብድ ኩነታት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ከተማታትን ዝርከብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተገዲሱ ፍታሕ ከናድየሉ ከምዝግባእ ንቢቢሲ ሓቢራ።
"እቲ ፍጻሜ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እትረፍ ንዓይ ንጓለንስተይቲ፡ "ኣደን ጓልን" ንማንም ሰብ ዘሕዝን እዩ። ስለዝኾነ እዚ ኣብ ሓንቲ ሰሙን ዝተሰምዐ ቅትለት ኣደ ቘልዑን ነብሰ ጾራትን ሰለስተ አሕዋት ኣዴታት ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ትብል።
ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ዝነብሩሉ ሃገረ ስደት እናነበረ፡ ኣብ ሚድያታት "ኤርትራውያን ነንስቶምን ኣደ ደቆምን ብኻራ ቐቲሎመን" ዝብል ወረ ክውረ እንከሎ ልባ ከምዝስበር ትዛረብ። "ብካራን ስሕለትን እንድሕር ምቅትታል ሃልዩ ደኣ ከመይ ኢልካ እዩ ዝንበር" ብማለት ከኣ እቲ ፍጻሜ ኣዝዩ ከምዘሻቐላ ትሕብር።
ኣብ ኖርወይ ኣብ ሓደ ስደተኛታት ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ዝምህር ኣቶ ሙሴ ዳኘው ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝነበረ ዘኹርዕ ባህልን ኣካይዳን ይብሕጎግ ብምህላው እዞም ንኤውሮጳ ዝኣተው መንእሰያት ግዳይ ዘቤታዊ ጎንጽን ሓድሕዳዊ ምቅትታልን ከም ዝኾኑ የረድእ።
"ልምድን ክብርታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለዝፈረሰ፤ ኣብ ርእሲኡ ኣብ ሳዋን ሃገራዊ ኣገልገሎትን ዝተጠርየ ጭካነ ስለዘሎ፤ እቲ ንኤውሮጳ ክመጽኡ እንከለዉ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ስቓይን ስነ ኣእምርኣዊ በሰላን ተደሚሩ ነዞም መንእሰያት የናውጾም ኣሎ" ብማለት ምኽንያት እዚ ናብ ቅትለትን ነብሰ ቅትለትን ዘብጽሕ ዘሎ ነገር እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህሉው ኩነታት ዘንቀሎ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ርእሲኡ እቶም መንእሰያት ኣብቲ ብስደት ዝኣተውዎ ሃገር ዝጸንሑ፡ ኣቐዲሞም ካብ ሃገር ሃዲሞም ዝተሰዱ ደቂ ሃገሮም፡ ንባዕላቶም ኣብ ጥጡሕ ዓዲ እናነበሩ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ "ዓዲ ገዲፍኩም፡ ሃገርን ህዝብን ክሒድኩም መጺእኩም" ብማለት ጸቕጢ ስለዝፈጥሩሎም ስነ አእሙራዊ ኩነታት እቶም መንእሰያት ከምዝህሰ ይዛረብ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ፡ ሃይማኖትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ብዘየገድስ ንኹሉ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዝጥርንፍ ናይ ሓባር ኮሚዩኒቲ ስለዘየለ ነቶም ተሰዲዶም ዝመጽኡ መንእሰያት ዝሕብሕብን መገዲ ዝሕብርን ናይ አሕዋት ምትእኽኻብ ዘይምህላው ካልእ ተወሳኺ ጸገም ምዃኑ ኣቶ ሙሴ ዳኘው ይሕብር።
"ክሳብ ሕጂ ኣብዛ ዝነብረላ ሃገረ ኖርወይ ንኣብነት ንኹሉ እትሓቁፍ ካብ ሃይማኖትን ፖለቲካን ነጻ ዝኾነት ማሕበረ ኮም ክንፈጥር ተቓሊስና ግን ብሰንኪ ምትእትታው ናይ ስርዓት ህግደፍ ኣይሰለጠናን።
"ምኽንያቱ ህግደፍ ምስኡን ኣብ ትሕቲኡን ክትጥርነፍ እምበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ነጻ ምትእኽኻብ ኣይፈቅድን እዩ" ክብል እቲ ዘጋጠሞ ጸገም ብምብራህ እቶም ናብ ኣውሮጳ ተሰዲዶም ዝመጽኡ መንእሰያት በቲ ቕድሚኦም ዝኣተወ ሰብ እኹል ምሕብሓብ ስለዘይግበረሎም ናብ ከምዚ ዓይንት ጎነጻዊ ስጉምትታተ ከምዝኣትው ርእይትኡ የቐምጥ።
እዞም መንእሰያት ካብ ኤርትራ ጀሚሮም ንኹሉ ጉዕዞ ስደቶም ሰሃራን ባሕርን ብኸቢድ ስቓይን መከራን ስለዝሓለፉዎ፡ ስነ-አእምሮኣዊ ጸገማት ክህልዎም ግድን'ዩ ዝብል ምሁር ሳይኮሎጂ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ ድራር፡ " መራሕቲ ሃይማኖት ኮነ ኣቦታትን ኣዴታትን ምኽርን ምጽንናዕን ክህቡ ይግባእ" ድሕሪ ምባል ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብ ንእሽቲኡን ዓብን ብዛዕባ ዘቤታዊ ዓመጽ ብቕሉዕ ክዘራረብ ይግባእ ክብል ምኽሩ ይልግስ።
ብፍላይ ኣብዚ ብለበዳ ኮቪድ ዘጋጠመ ናይ ዕጽዋ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ጾታዊ ዓመጽ ኣዝዩ ከምዝወሰኸን፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ ማህረምትን ቅትለትን ከምዝኾና ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ።
ይኹን እምበር ኣብ ሓደ ሰሙን እሞ ከኣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰለስተ ኣደ ቖልዑ መንእሰያት ብመጻምድተን ተቐቲለን ዝብል ወረ ዘየሰምብድ ኣይኮነን ዝበለት፡ ወይዘሮ ሪም ናስር እቲ ጸገም ኣብ መን ምህላው ዝያዳ ምምርማር ከምዝድሊ ብምሕባር እቲ ዝረኣ ዘሎ ጭካነ ግን ኣብ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ክፈጥር ከምዝኽእል ዘለዋ ስግኣት ትገልጽ።
ብተወሳኺ ኣብ ብዙሓት ደቀንስትዮ ሰብ ሓዳር፡ ምስ ሰብኡትና ክንደይ ሽግርን ጸበባን ሓሊፍና መጺእና፡ ተኣማሚንና ብቃል ኪዳን ክንነብር ጸኒሕናስ ሕጂ ብካራን ስሕለትን ክንተሓራረድ ናይ ጥዕና ኣይኮነን ዝብል ስምባደ ከምዝፈጠረ ተረድእ።
ኣብ መንእሰያት እኹል ወፊሪ ኣይተገበረን ዝብል እምነት ዘለዎ ኣቶ ሙሴ ዳኘው፡ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ብፖሎቲካ ክሰሓሓብ ዝውዕል " ከመይ ገይርና ንመንእሰያትና ግቡእ ኣንፈት ነትሐዞምን ኣብነት ንኾኖምን" ኣብ ዝብል ጉዳይ ክዛተ ከምዘለዎ ይመክር።
"ነዞም መንእሰያት ንምድሓን እንታይ ክንገብር ኣሎና ኢልና ንመኻኸር። ንሳቶም እንተድሒኖም ንዓና'ውን ድሕነት እዩ" ብምባል ነዚ ዘሻቕል ኩነታት ንምምሕያሽ ነብሲ ወከፍ ሰብ ብውልቅን ከም እኩብ ብኮምን ዓቲቡ ክሓስበሉ ከምዝግባእ ተላብዩ።
ምሁር ስነ-አእምሮን ልቦናን ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ እውን "ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ብዛዕባ ድሕነት እዞም ብስነ-አእምሮኣዊ ነውጺ ተጠቒዖም ዘለው መንእሰያት ደቅና ክንሓስብን ክንሰርሕን ግዴታ ኣሎና" ክብል ሓሳቡ ይህብ።
ኣብ ርእሲኡ እዞም ኣብ ምዕራብ ዓለም ኣትዮም ዘለው መንእሰያት ኣኣብ ዝነብርሉ ከተማ፡ ንዝተፈላለየ ጸገማት ሓገዝን ምኽርን ዝህባ ብትምህርትን ፍልጠትን ስነ ምግባርን ዝሰልጠኑ ብቑዓት ክኢላታት ዘለውወን ዓበይቲ ትካላት ስለዘለዋ ክጥቀሙለን ነብሶምን ስድረኦምን ከድሕኑ መገዲ ክንሕብር ይግባእ ክብል ዮውሃንስ ለበዋኡ የቕርብ።