እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ጄፍሪ ፌልትማን ብዛዕባ እታ ሃገር እንታይ ኢሉ?
ፍሉይ ልኡኽ ቐርኒ ኣፍሪቃ መንግስቲ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ህጹጽ ፍታሕ ንክግበረሉ ንምዝርራብ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ ይፍለጥ።
ፌልትማን፡ ትማሊ ምስ ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተራኸበ ኮይኑ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክዘራረብ'ውን ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ኲናት ትግራይ፡ ሕጂ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ሰላማውያን ሰባት ይኸውን ከም ዘሎ ይግለጽ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምብጻሕ ምጅማሩ ብዛዕባ እዚ ኲናትን ኢትዮጵያን ዘለዎ ኣረኣእያ ብጽሑፍ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ኣብዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ዘሎ መርገጺ ኣመሪካ ኣንጸባሪቑ ኣሎ።
ብዛዕባ ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?
ጄፍሪ ፌልትማን፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ከገልግል እንከሎ፡ ፖለቲካውን ቑጠባውን ኩነታት ምብራቕ ኣፍሪቃን ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ብቐረባ ይከታተሎ ነይሩ።
ብ2015 ዓ.ም፡ 'ኣብ 2021 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘስግኣካ ጉዳይ እንታይ'ዩ? ተባሂለ ክሕተት እንከለኹ፡ ሶማሊያ ብቐዳምነት ዘልዕላ ሃገር ነይራ ይብል።
ኣብዚ ዞባ ዓቃቢ ሰላም ብምልኣኽ ኣብ ርግኣት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓብዪ ተራ ዝነበራ ኢትዮጵያ ግን ኣብዚ ዓመት ኣብ ዋይት ሃውስ ቐንዲ መዘራረቢት ኣጀንዳ ክትኸውን'ያ ዝብል ትጽቢት ከም ዘይነበሮ ሓቢሩ።
ይኹን'ምበር፡ ፌልትማን ኣብ ዝህቦም ርኢይቶታት 'ንህወሓት ዝወገኑ'ዮም' ዝብል ነቐፌታ ክቐርበሉ ይርኣይ።
ንሱ፡ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቐብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪሉ ዘስምዖ ዘረባ ደጋፊ ህወሓት ከም ዘበሎ ይዛረብ።
ኣብቲ ግዜ ኣቶ መለስ "ዘገርም መራሒ፣ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ልምዓትን ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዙሕ ዝሓገዘ" ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ምምሕያሻትን ቑጠባዊ ዕረያን ከም ዝገበረ ብምዝኽኻር ብህወሓት ዝምእዘን ዝነበረ መንግስቲ ኢህወደግ ንዓመታት ድጋፍ ዴሞክራስን ምምሕዳርን ክነጽጎ ዝጸንሐ ሓገዝ ምንቃሕ ስቪል ማሕበራት ከም ዝተቐበሎ ጠቒሱ።
ርክብ ክልቲአን ሃገራት'ውን ከም ዝተጠናኸረ ብምሕባር፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝበጽሐቶ ስምምዕ ሰላም ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ንምምሕያሽ ዕድል ክፈጥር'ዩ ዝብል ተስፋ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
"ድልየትና እዚ'ዩ ነይሩ፤ ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽፋት ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ንክለዓል ኣመሪካ ሓገዝ ገይራ። እንተኾነ ኤርትራ እወንታዊ ምላሽ ኣይሃበትን፤ ኣብቲ ዞባ ኣዕናዊ ተራ ትጻወት ኣላ" ኢሉ።
ድሕሪ 2020 ድማ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝነበረ ዝምድና ንፋስ ክኣትዎ ከም ዝጀመረ ገሊጹ።
ኲናት ትግራይ
እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ስግኣት ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ከም ዝኾነ ይኣምን።
ምምሕዳር ባይደን፡ ተሳተፍቲ እቲ ጎንጺ ዝኾኑ ሓይልታት ኲናት ጠጠው ኣቢሎም ኣፈላላዮም ብዘተ ንክፈትሑ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዘዘኻኸረ ፌልትማን፡ ድሕሪ ወርሒ ሰነ ሓይሊ ሚዛን ኲናት ትግራይ ከም ዝተቐየረ ተዛሪቡ።
"ሓይልታት ህወሓት ርእሰ ከተማ ትግራይ ክቆጻጸሩ እንከለው ርኡይ ናይ ሓይሊ ሚዛን ለውጢ ተፈጢሩ" ኢሉ።
መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስፍሑ ከም ዘተሓሳሰቦ ብምሕባር ምምሕዳር ባይደን -ሃሪስ ንህወሓት የዳሉ'ዩ ዝብል ግምት ግን ካብ ሓቂ ዝርሓቐ'ዩ ኢሉ።
"ብተደጋጋሚ ንተግባራት ህወሓት ኮኒንና ኢና፤ ህወሓት ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽእ እነቕርቦ ጻውዒት'ውን ቀጻሊ'ዩ" ይብል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ብምኽንያት እቲ ኲናት ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ኣይተኽኣለን ክብል ከሲሱ።
መንግስቲ ሶርያ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ኲናት ዓመታት ዘይገበሮ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰጒጉ ክብል እንከሎ "መግቢ፣ ነዳድን ተሽከርከርትን ንህወሓት ክውዕሉ'ዮም ዝብል መካትዒ ይቃወሞ። ኣነ ብዘለኒ ተሞኩሮ ንኸምዚ ዓይነት ስግኣት ዘዕግብ ምላሽ ምሃብ ይክኣል'ዩ" ኢሉ።
ነዚ፡ ተሞኩሮ እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ከልዕል እንከሎ፡ እስራኤላውያን ኣብ ጋዛ ከምኡ'ውን ካብ የመን ዝተላዕሉ ስግኣታት ጸጥታ እናሃለዎም ንሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ቐረባት ብኸመይ ክበጽሑ ከም ዝኽኣሉ መርኣያ'ዮም ክብል ተዛሪቡ።
ኣመሪካ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብኣመሪካ ዝድገፉ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ፡ ቐረባት ረድኤት ናብ ዘይድለ ኣካል ዘይምብጽሖም ዘረጋግጹሉ ቐያዲ ስርዓት ከም ዝኽተሉ ሓቢሩ።
"ርክብና ከምቲ ልሙድ ኣይቕጽልን"
ፌልትማን፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቅጽል ዘሎ ኲናት እናተስፋሕፍሐ እናኸደ ርክብ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ከምቲ ልሙድ ኣይቕጽልን ኢሉ።
"ኣብታ ዝለዓለ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኲናት እናሰፍሐ፣ ድሕነትን ሓድነትን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እናሃለወ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ እቲ ዝተለምደ ዓይነት ርክብ ክህልዋ ኣይኽእልን" ይብል።
ነዚ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ረድኤትን ቑጠባዊ ሓገዝን ከም ዝነከየን ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝበሎም ኣካላት ዝተመሓላለፈ ውሳነ እገዳን ከም ኣብነት ኣልዒሉ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ግልጺ ዘተ ንምክያድ ብተደጋጋሚ ጻዕሪ ከም ዝገበረ ዝገልጽ ፌልትማን፡ ብኣንጻሩ ኣመሪካ ንእተልዕሎም ሕቶታት ምላሽ ካብ ምሃብ ብዙሓት ሰብ መዚ እታ ሃገር ብሓሶት ኣመሪካ ህወሓት ዳግም ንምምጻእን ኣብዪ ንምትካእን ድልየት ኣለዋ ኢሎም ጽሒፎም ኢሉ።
"እዚ ሓቂ ኣይኮነን፤ ከምቲ ናይ መለስ ዜናዊ ዓይነት ምምሕዳር ተመሊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ንከይመጽእ ድልየት መብዛሕትኡ ኢትዮጵያዊ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና" ኢሉ።
ንሱ፡ ዋላ'ውን እቲ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ብዙሓት መራሕቲ ፖለቲካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሃለው እንተኾነ በቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ ሰልፊ ግን ብኢትዮጵያውያን ድጋፍ ከም ዘለዎ ተራእዩ'ዩ ኢሉ።
እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ግን ሰላም ንከምጽእ ዕድል እንተሃለዎ'ውን ክኸውን ግን ኣይክኣለን ብምባል "ብዙሓት ነገራት ይጉሃሃሩ ከም ዘለው ንዕዘብ ኣለና" ብምባል "ንልምዓት ክውዕል ዝግብኦ ንኣጽዋርን 'ሎቢ' ንዝገብሩን ይውዕል ኣሎ። ህወሓት ድማ ምስ ተገንጻሊ ሓይሊ ውህደት ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ ዝነበረ ንላዕሊ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣሎ" ክብል ገሊጹ።
መጽናዕታት ኲናት ሓድሕድ ብማእኸላይ ገምጋም ን20 ዓመታት ክቕጽል ከም ዝኽእል የመልክቱ ክብል ዝገለጸ ፌልትማን፡ እዚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዕድል ክህብ፣ ህወሓት'ውን ዝርርብ ክመርጽ ኣለዎ ክብል ተዛሪቡ።
ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ኣተሓሳሲቡ።