እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵናት ትግራይን ንተደራራቢ ጸገማት ዝተቓልዑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን
ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ዓመቱ ዝገብር ዘሎ፡ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኵናት ንልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ኣመዛቢሉ፣ ስደት ዓሰርተታታ ኣሸሓት፣ ሞትን ቅዝፈትን ኣሽሓት ኣኸቲሉ።
ኣስታት 100-ሽሕ ዝኾኑ፡ ካብ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ሃዲሞም ዝመጽኡ መንእሰያት፣ ቖልዑን ሽማግለን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት [ዓዲ ሓሩሽ፣ ማይ ዓይኒ፣ ሽመልባን ሕጻጽን] ይነብሩ ነይሮም።
እቲ ግጭት ምስ ተጀመረ ከኣ እቶም ብዩኤንኤችሲኣር ውሕስነት ዝተዋህቦም ስደተኛታት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ከለላን ውሕስነትን ኣብ ቃልዕ ስለ ዝተረፉ፡ ብዳርባ መዳፍዕን ብኹሎም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኣደዳ ሞትን መቑሰልትን ዝምታን ኮይኖም።
ብሰራዊት ኤርትራ ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ከም ዘለው'ውን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይጠቕሱ።
ሽረ- ኣዲስ ኣበባ- ናይሮቢ
ነባሪ መዓስከር መለስ ሙሉጌታ፡ ካብ ጀርመን ዝመጽአ ወዲ ሓወብኡ ዝብጽሖ ዘመድ ኣብ መዓስከር ሽመልባ ንዝነበሩ ስድርኡ ጠርኒፉ ንወጻኢ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ድሮ እቲ ኵናት ዝተጀመረሉ ዕለት ብ02 ሕዳር ደቂ ሸውዓተን ዓሰርተ ሓደን ናእሽቱ ደቁ ምስ ኣንስቲ ጎረቤት ሓዲጉ፡ ዘመዱ ኣፋንዩ ንጽባሒቱ ንክምለስ ንሽረ ከደ።
"መርዓቱ ደዊላ ንብገስ ኣለና'ሞ ንዓ ንወዲ ሓወቦኻ'ውን እውን ጽቡቕ ገይርካ ትላለዮ ስለ ዝበለትኒ፡ ኣንጊሀ ከይደ ንኣዲስ ኣበባ ኣፋንየዮም። በተን ዝሃበኒ ሰልዲ ንደቀይ ዝኸውን ነገራት ሸማሚተ ንጽባሒቱ ኣንጊሀ ንኽብገስ ናብ መሕደርየይ ኣምሪሐ" ይብል።
ናብ ኣርባዕተ ሕዳር ዘውገሐት ለይቲ ግን፡ ሞትን ጥፍኣትን፣ ተዅስን ጭራሕ ምራሕን ኣኸቲላ ደበኽ ኢላ።
ከተማ ሸረ ብኸቢድን ፎኵስን ቶኵሲ ተረቢሻ ከም ዝሓደረት የዘንቱ።
"ኣብ መጀመርታ ኣይተረድኣንን፤ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዋግኡ ዘለዉ መሲሉኒ።ኣንጊሀ ናብ ቦታይን ደቐይን ንኽምለስ ናብ መናሃርያ [መዋፈሪ ኣውቶቡሳት] ምስ ከድኩ ግን ኩሉ ምንቅስቓስ መካይን ደው ኢሉ እታ ኸተማ ደበና ስግኣት'ዩ ጎልቢቡዋ ነይሩ" ይብል መለስ።
ደሃይ ደቁ ክገብር ቴሌፎን እንተደወለ ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።
ብሃለዋት ደቆምን ስደረኦምን ዝተሻቐሉ፡ በብዋኒኖም ገይሾም ዝጸንሑ ስደተኛታት ኣፈርክቡ ከም ዝተባህሉ ብእግሮም ሓሙሽተ ሰዓት ወሲዱሎም።
"ካብ ርሑቕ ዕጡቓት እናኽንርኢ እናተሓባእና ከም ዘይብጻሕ የለን ናብ ደቀይ በጺሐ፤ መዓስከር ብፍርሒ ተሓቝኒ ጸኒሒኒ። ኣነ'ኳ ብዓይነይ ኣይርኣኹን ብዙሕ ግፍዕታት ከም ዝበጽሖም'ውን ተነጊረ" ድሕሪ ምባል "ኩነታት ድሓን ከም ዘየሎ ስለ ዝተረድኣኒ ወዲ ሓወቦይ ብዝሃበንን ምሳይ ዝነበረን ገንዘብ ገይረ ምስ ደቀይ ንጎንደር ኣቲና" ይብል።
መለስ ምስታ ኣብ ካናዳ ዝኣተወት በዓልቲ ቤቱ ንምጥርናፍ እዩ ኣብ 2016 ካብ ኤርትራ ተሰዲዱ ናብ ትግራይ ኣትዩ።
"ጉዳይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኬይንና ከነሳልጥ ኢና ሓስብና፡ ኣብ ናይሮቢ እምበር ኣብኡ ኣይሰልጥን እዩ ምስ ተባህለ ከኣ ምስ ደቀይ 5000 ዶላር ከፊልና ንኬንያ መጺእና" ኢሉ።
ሕጂ ኣብ ናይሮቢ እስሊ ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓንቲ ክፍሊ ተኻርዩ፡ ፕሮሰሱ ይጽበ ምህላው ይዛረብ።
ሑመራ፡ ገዳርፍ፡ ካርቱም ሊብያ
ፍጹም መብራህቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ኣብ ከተማታት ክሰርሑ ምስ ፈቐደሎም ናብታ ቅድሚ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ካብ ጎልጅ ዝመላለሳ ዝነበረ ከተማ ሑመራ ከይዱ ክሰርሕ'ዩ ወሲኑ።
ሓንቲ ንእሽተይ ገዛ ተኻርዩ ኸኣ 'ዝልሓም ዘለዋ' እንበለ ድስቲ በራድ፡ ፋርኔሎ እናልሓመ ድራር እለቱ ይምእርር ነይሩ።
ወዲ 41 ዓመት ፍጹም መብራህቱ፡ ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ዝጸንሓለን ሰለስተ ዓመታት ምስቲ ሕብረተሰብ ተመሓዝዩ፡ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ከምጽእን ሓንቲ መልሓሚት ማሽንን ክገብር ከም ዝኽኣለ ይገልጽ።
"ካብቲ ገዛ ገዛ እናኸድኹ ዝልሓም ዘለዋ ዝብሎ ዝነበርኩ ቅድሚ ካብ ሑመራ ምውጽአይ ኣብ ዝነበራ ዓመትን መንፈቅን ኣብ ቀዋሚ ቦታ ኮይነ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ዝተሰበረ ማዕጾ፣ መስኮትን ሓጹር ናይ ገዛን ኸኣ ይልሕም ነይረ" ይብል።
"ኣብቲ ኵናት ብወገን ሰሜን [ኤርትራ] ብዘሎ ጎቦታት ደብዳብ ምስ ጀመረ እግረይ ኣውጽእኒ ኢለ ዋላ ሓንቲ ከይሓዝኩ ናብ ሱዳን ሃዲመ። እንተኾነ ኣብቲ ግዝያዊ መጽለሊ ሱዳን ምስ ተዓቚብና፡ ገለ መንእሰያት ብሰንኪ ኣሕዋትካ ኢና'ኮ ኣብ ሽግር ኣቲና። ዋላ እውን ትስልል ኔርካ ትኸውን እናበሉ ሕኒን ምስ በሉን ንህይወተይ ሰጊአ። ንሱዳናውያን ዝኽፈል ከፊለ ብገዳርፍ ገይረ ናብ ካርቱም ኣትየ" ይብል።
ፍጹም ኣብ ካርቱም ንሰለስተ ሳምንታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ስዊድን ትነብር ጓል ሓፍቱን ካልእ ዓጽመ ስጋን ብዝሰደድሉ ሰልዲ ናብ ሊብያ ኣምሪሑ።
"ካብ ካርቱም ውጽእ ኢልና ኣብ ጫፍ ከተማ እንዱርማን ኣብ እትብሃል ከተማ ምስ በጻሕና'ዩ ግፍዕታት ናይቶም ኣስገርቲ ጀሚሩና፡ ክሳብ ንተኣኻኸብ ብምባል ንሸሞንተ መዓልታት እንትፎ መዓልታዊ ሓሓንቲ ባኮ ብሽኮትን ማይን ዝኾነ ነገር ከይሃቡ ኣድሪቖሙና ቀንዮም" ይበል ፍጹም።
ድሕሪ 13 መዓልታት ናይ መኪና ጉዕዞ፡ ንኸተማታት ኣልጃውፍን ታጅሪቡን ብጎነን ሓሊፎም ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከተማ ቤንጋዚ በጺሖም።
"እታ ከተማ ንምዕራብና ካብ ርሑቕ ብለይቲ ብባና እያ ትርአ'ምበር እቲ ንሕና ዝተኣከብናሉን 'መኻዚኖ' ካብታ ከተማ ርሑቕ እዩ" ብምባል እቲ ካብ ሱዳን ክብገሱ እንከለዉ መርከብ ትጽበየኩም ኣላ ዝተባሃልዎ ተረሲዑ፡ ክጋፍዑ ከምዝጀመሩ ይዝክር።
ፍጹም፡ ናብ ሊብያ ካብ ዝኣቱ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣሕሊፉ ኣሎ።
እንተኾነ ህይወት ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝኸፈአ እናተናጠረት ሰለስተ ግዜ ብፖሊስ ሊብያ ተኣሲሩ ኣብታ ቀዳማይትን ሳልሰይተን ሰሰለስተ ሚእቲ ዶላር ከፊሉ ኣብታ ካልኣይቲ ኸኣ ሃዲሙ ከም ዝወጽአ ይሕብር።
"ክሳብ ሕጂ ኣስታት 50 ስደተኛታት ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ"
ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ እዚ ኵናት ምጅማሩ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ከም ዝነበሩ እዩ ዝግለጽ።
እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ኩናት ምጅማሩ ኣብ ዝነበረ ሓያለ ኣዋርሕ ካብ ኤርትራ ዝምጽኡ ስደተኛታት ምምዝጋብ ስለ ዘቋረጾ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዩኤንኤችሲኣር ከይተመዝገቡ ኣብ ከተማታት ትግራይ ይነብሩ ስለዝነበሩ እቲ ቁጽሪ ካብቲ ዝግለጽ ኣዝዩ ክዛይድ ከም ዝኽእል ብዙሓት ተጣበቕቲ ስደተኛታት ይገልጹ።
"መጀመርታ መዓስከራት ሸመልባን ሕጻጽን ምሉእ ንምሉእ ስለዝዓነዋ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብተን መዓስከራት ማይ ዓይን ዓዲ ሓርሽን ክኸዱ እንከለዉ ብዙሓት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ኸኣ ኣለዉ" ይብል ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ ተጣባቂ ሰባኣዊ መሰላት ጆርጆ ገብረስላሰ።
ጆርጆ ብምስዓብ፡ ኣብተን መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን'ውን ካብ ጥሪ 2021 ክሳብ 25 ሓምለ 2021 ክሳብ 13 ዝኸውን ናይ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ማህረምትን ዘረፋን ዝርከቦም ናይ ሓደጋታት ጸብጻብ ከም ዝበጽሖ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ኣብ ክልቲኤን ህልዋት መዓስከራት ዝኾነ ቀረብ ናይ ረድኤትን ሕክምናን ስለ ዘየሎ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ስደተኛ ንኹቱር ጥምየት ከም ዝተቃለዐን ህጻናት ይሞቱ ምህላዎምን ጸብጻባት ይበጽሓና ኣሎ" ይብል ጆርጆ።
ጆርጆ ብምስዓብ ኣብ ኩለን መዓስከራት ካብ ዝነበረ ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛ "23 ሽሕ ጥራይ እዩ ኣብተን ክልተ መዓሰከራት ዘሎ፡ እቲ ዝተረፈ ኣበይ እዩ ዘሎ እንተይልካ ዘሻቕል እዩ" ይብል።
ድሕሪ ምጅማር ኵናት ብዙሓት ምዝጉባትን ዘይምዝጉባትን ስደተኛትተ ድሃዮም ክጠፍእ ምስ ጀመረ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበረን ማሕበር ሱርባናን ጋንታ ኣመሪካ ዝተመዛበሉ ኤርትራውያንን ተበግሶ ብምውሳድ ድሃዮም ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ክምዝግባ ከም ዝጀመራ ጆርጆ ይሕብር።
ጆርጆ "ክሳብ ሕጂ ኣስማት ናይ ኣስታት ሓምሳ ዝኾኑ ድሃዮም ዘጥፍኡ ኤርትራውያን መዝጊብና ኣለና፡ እዚኦም ኣብ ከተማታት ሽረ፣ ዓድዋ፣ ኣኽሱም፣ ፈረስ ማይ፣ ዓዲግራትን ሓውዜንን ነይሮም ዝተባህሉን ድሃዮም ናይ ዘይተረኸበ ሰባት ዘጠቃለለ እዩ" ይብል።
ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ድሃዮም ጠፊእና ዝተባህሉ ሰባት ናብ ቀይሕ መስቀል፤ ኣይኦኤም፣ ዩኤንኤችሲኣርን ካልእ ዝምልከቶም ኣካላትን ከም ዘረከብዎ'ውን ጆርጆ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ጆርጆ ነዚ መጽናዕቲ እዚ እናካየዱ እንከለዉ ንእግረ መንገዶም ኣብ ሽረን መቐለን ዝተኣስሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ሓበሬታ ምርካቦም'ውን ጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ሓይልታት ትግራይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማታት መቐለን ሽረን ከምዝኣሰሩ ብምጥቃስ፡ ካብ ሰብመዚ ትግራይ መብርሂ ክወሃቦም ከምዝሓተቱ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ተወለዐ ኣብ መዓስከራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም።
ብፍላይ እተን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ስለ ዝዓነዋ ልዕሊ 21,000 ነበርተን ግዳይ ቅትለት፣ ጭውያ፣ ምብትታንን ኮይኖም ምህላዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ኣስታት 9,000 ካብኦም ናብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከም ዝገዓዙ መግለጺ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ይጠቅስ።
ካልኦት ልዕሊ 5,200 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቦም ከም ዘለዉ'ውን ተሓቢሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 50,000 ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቚብሉ መዓስከር ከም ዘሎን ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከኣ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ከም ዘለው ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጸብጻባት እቲ ትካል የረድኡ።