ላቲን ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ፔሩ ዝኾነ መምህር መባእታዊ ቤት ትምህርቲ

ፔድሮ ካስቲሎ፡ ድሕሪ ነዊሕን ተተፋናንን መረጻ'ዩ ፕረዚደንት ፔሩ ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ዓወት እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ዓᎁቕ ምክፍፋል ዘለዋ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐት ሃገር ንፖለቲከኛታትን ናይ ንግድን ሊሂቃን ኣነቓኒቑ።

ንሱ፡ ኣብ ንኡሽቶ ገጠር ካብተን ድኻታት ዓድታት ፔሩ እዩ ተወሊዱ።

ፔድሮ ካስቲሎ ንሓረስታይ ኣቡኡ እናሓገዘ፣ ከም ተመሃራይ ከኣ ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ብእግሪ እናተጉዓዘ ተማሂሩ።

ድሓር መምህር ኮይኑ፤ ን25 ዓመታት ከኣ ኣምሂሩን መራሒ ማሕበር መምሃራን ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ካብ ባዶ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተላዒሉ ከኣ ኣብዚ ዓመት ፕረዚደንት ሃገረ ፔሩ ኮይኑ ተመሪጹ ኣሎ።

ነበርቲ እታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ዓዲ ድምጾም ሂቦምዎ'ዮም።

ንሱ ኣብ ዘካይዶም ዝነበሩ ጎስጓሳት መረጻ ነቶም ኣብታ ሃገር ብቑጠባዊ ጸገማት ዝሓልፉ ዘለው ዜጋታት ፔሩ ጠሚቱ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ "ቤት ትምህርቲ ምጽራግ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ'የ" ብምባል፡ "ፈጺምና ኣብ ሃብታም ሃገር ኣይንደክን!" ዝብል መሪሕ ቃል ይጥቀም ነይሩ።

እታ ሃገር ከምቲ ህዝቢ ዝጠልቦ ብዝግባእ ኣይተመሓደረትን ኢሉ ይኣምን።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ድኽነትን ዘይፍትሓውነትን ከምኡ'ውን ሓድሽ ቅዋም ንምርቃቕ "ወሳኒ ለውጢ" ከድሊ'ዩ ኢሉ።

ተቓወምቱ፡ ምስ ጉጅለታት ደባይ ተዋጋእቲ ኮሚኒስት ርክብ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ጸጋማዊ ኣኽራሪ'ዩ ኢሎም ይነቕፉዎ።

ንሱ ግን እዞም ነቐፌታታት ኣይቕበሎምን።

ነቐፍቱ ግን ሕጂ'ውን ገለ እቲ ፕረዚደንት ዝሓዞም መደባት ነታ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ዝሓሸ ምርግጋእ ዘለዋ ሃገር ናብ ሓደጋ ከየእትዋ ስግኣት ኣለና ይብሉ።

'ግዝኡ ሕጂ'ዩ'

ካስቲሎ፡ ንስድራኡ መበል ሳልሳይ ኮይኑ ሸሞንተ ኣሕዋት ኣለውዎ።

ንሱ ብ19 ጥቅምቲ 1969 ኣብ ገጠር ዓዲ ፔሩ ክውለድ እንከሎ፡ ካብ 1995 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ መምህር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ብ2002 ከንቲባ ከተማ እታ ሃገር ንምዃን ብምውድዳር ፖለቲካ ኣሃዱ ኢሉ ጀሚሩ፤ ብ2017 መምሃራን ሕቶ ደሞዝን ኣፈጻጽማ ስራሕን ብምልዓል ኣብ ዘካየዱዎ ተቓውሞ ዚያዳ ተፈላጢ ኮይኑ።

ኣብ ከተማታት ግን ብዙሕ ኣይፍለጥን ነይሩ፤ እንተኾነ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ኮይኑ ቐሪቡ።

ሃንደበት ከኣ ምስ ካልኦት 17 ሕጹያት ተወዳዲሩ ክዕወት ክኢሉ።

ጓል ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ኣልቤርቶ ፉጂሞሪ ኪኮ ፉጂሞሪ ቐንዲ መወዳድርቲ ካስቲሎ'ያ ነይራ።

ኣብቲ መረጻ 44 ሽሕ ድምጺ ብምርካብ ክዕወት እንከሎ፡ ንሰሙናት ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕ ቖጸራ ድምጺ፡ ከም ዝተዓወተ ተገሊጹ።

ኣብዚ ግዜ፡ "ሕብረተሰብ ኣብ ኩለመዳያዊ ህንጸት ሃገር ክሳተፍ ግዝኡ ሕጂ'ዩ። ሓቛፊት፣ ፍትሓዊትን ናጻን ፔሩ ንህነጽ" ኢሉ።

ንዓመታት ፖለቲካ እታ ሃገር ዝተቖጻጸረ ብብልሽውና ዕጉባት ዘይኮኑ ብዙሓት ዜጋታት፡ ኣብ ልዕሊ ካስቲሎ እወንታዊ ግምት ኣለዎም።

ግን ድማ ሓደ ኣዝዩ ዝኸበደ ዕዮ ገዛ ኣሎ።

ፔሩ፡ ብኮሮናቫይረስ ብዝስዓበ ሞት ዘመስገበቶ ኣዝዩ ልዑል'ዩ፤ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቑጠባዊ ቅልውላው ከኣ ንብዙሓት ኣብ ድኽነት ሸሚሙዎም'ዩ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሓደ ሚልዮን ሓድሽ ዕድል ስራሕ ክፈጥርን፣ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ንዝተሃሰዩ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ንምምሕያሽ ኣብ ዓውዲ ዕደና ግብሪ ክውስኽ ክገብርን መደብ ኣለዎ።

ከም ዕደና፣ ነዳዲ፣ ጽዓትን ጋዝን ዝበሉ ገዘፍቲ ቑጠባዊ ጽላታት ብመንግስቲ ክውነኑ ክገብር'የ ዝብል መብጽዓታቱ ክፎኽሱ ክገብር እንከሎ ዋንነት ብሕቲ ከም ዘኽብር ይዛረብ።

ሓደ ካብ መብጽዓታቱ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣልቤርቶ ፉጂሞሪ ካብ 1993 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዓለ ቅዋም ዝትክእ ሓድሽ ቅዋም ክጸድቕ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ከካይድ'የ ዝብል ነይሩ።

እዚ "ሕብሪ፣ ጨናን ጣዕምን ህዝቢ ዘለዎ ቅዋም" ክብል'ዩ ዝገልጾ።

እንተኾነ ካብቲ ኣዝዩ ዝተኸፋፈለ ኮንግረንስ ሓያል ተቓውሞ ክገጥሞ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ካስቲሎ፡ ተኸታሊ እምነት ካቶሊክ ኮይኑ ተቓዋሚ መርዓ ሕደ ጾታውያንን ምንጻል ጥንስን እዩ።

መምህር ሊላ ፓሬዴስ በዓልቲ ቤቱ ኮይና ኣቦ ክልተ ቖልዑት'ዩ።

እዚ ስድራ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ርእሰ ከተማ ሊማ ክዛወር እንከሎ፡ እዚ ምስ መበል 200 ዓመት መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር ዝገጠመ ክስተት ነይሩ።

ኣብ ግዜ መሪሕነቱ፡ ንርእሱ ንምብልጻግ ከም ዘይሰርሕ ቃል ኣትዩ ኣሎ።