ቀዳማይ ሚኒስትር ኢስዋቲኒ፡ "ንጉስና ንተቓውሞታት ፈሪሑ ኣይሃደመን" ኢሉ

ቀዳማይ ሚኒስትር ናይታ ስዋዚላንድ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ኢስዋቲኒ፡ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ ካብታ ሃገር ወጺኡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሰዲዱ ዝብል ጸብጻባት ነጺጉ።

ትማሊ ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታን ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ዝጠልቡ ሰልፈኛታትን ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት እቲ ንጉስ ሃዲሙ ከም ዝወጽአ ክግለጽ ጸኒሑ።

እቶም ደገፍቲ ዴሞክራሲ ዝኾኑ ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ህንጻታት መንግስቲ፣ ድኳናትን ዓበይቲ መካይንን ኮይኖም ተቓውምኦም ክገልጹ ቐጺሎም።

እዚ ብኣዋጅ ዝመርሕ ወዲ 53 ዓመት ንጉስ ቅድሚ 35 ዓመት'ዩ ንግስና ተቐቢሉ።

ነቐፍቱን 15 ኣንስቱን ንተቓወምቱ ብምፍርራሕን ኣዝዩ ዝተመቸወ ህይወት ብምንባርን ይነቕፉዎ።

ብሰኑይ ምሸት ካብታ ካብ ኒውጀርሲ'ውን ዝነኣሰት ባሕሪ በሪ ዘይብላ ንኡሽቶ ሃገር ብናይ ውልቁ ነፋሪት ከም ዝወጽአ ይግለጽ።

ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ቴምባ ማሱኩ፡ ግን እዞም ጸብጻባት ሓሶት'ዮም ኢሉ።

"ኣብ ሚዲያ ዝዛውር ዘሎ ናይ ሐሶት ጸብጻብ እዩ፤ ንህዝቢ ኢስዋቲኒን ማሕበሰረብ ዓለምን፡ ግርማዊ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ፡ ኣብ ሃገሩ ከም ዘሎን ሸቶታት እቲ ንግስነት ንምዕዋት ምስ መንግስቲ ልሙድ ስርሑ ይሰርሕ ከም ዘሎን ከረጋግጸልኩም ይፈቱ" ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ዝሕተም ናይ ውልቂ ጋዜጣ ስዋዚ ግን ኣብታ ዝለዓለ ተቓውሞ ዘአንገደት ኢንዳስትሪያላዊት ከተማ ማትሳፓ ብዝተላዕለ ዘይምርግጋእ ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉ ዘርእዩ ቪድዮን ምስልን ይጥቅዕ ነይሩ።

ምኽንያት እቲ ተቓውሞ እንታይ'ዩ?

እቲ ጸገም ኣብ ወርሒ ግንቦት'ዩ ዝጅምር።

ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ናይ ሓደ ተመሃራይ ሕጊ ኣስክሬን ተረኺቡ።

ፖሊስ እቲ ግዳይ ብሓደጋ መኪና'ዩ ሞይቱ ክብል እንከሎ፡ ተመሃሮ ግን ፖሊስ ኣብ ሞት እቲ ውልቀሰብ ኢድ ኣለዎ ብምባል ይኸሱ።

በዚ ምኽንያት ተቓውሞ ተወሊዑ።

እዚ #ፍትሒንትሃባኒ ብዝብል ጎስጓስ ዝጀመረ ተቓውሞ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጭካነ ፖሊስ ከብቅዕን ፖለቲካዊ ዕረያታት ክግበሩን ክጽውዕ ጀሚሩ።

መንግስቲ ነዞም ተቓወምቲ ምስ ኸልከሎም ግን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ነገራት ካልእ መልክዕ ክትሕዙ ጀሚሮም።

እቶም ሰልፈኛታት ንጉስ ምስዋቲ ዴሞክራሲያዊ ዕረያ ንክገብር ዝሓቱ ባነራት ሒዞም ተቓውምኦም ከስምዑ ቐጺሎም።

እቲ ዝድለ ለውጢ እንታይ'ዩ?

መራሒ ሰልፊ ተቓውሞ ምሉንጊሲ ማክሃንያ መናእሰይ ፖለቲካዊ ናጽነትን ዕድላት ስራሕን እዮም ዝደልዩ ይብል።

ካልእ ቑልፊ ጠለቦም ድማ፡ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኻድ ሰሪሖም ናብ ዓዲ ብዝልእኹዎ ገዘንብ እቲ ንጉሳዊ ስድራ ዝገብሮ ልዑል ወጻኢታት ጠጠው ከብል ይጠልቡ ኣለዉ።

"ዝበዝሕ ሃገራዊ ወጻኢታት ንሓደ ስድራቤት ጥራሕ ካብ ምቕላብ ንክናገፍ ልዕልነት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ከብቅዕ'ዮም ዝደልዩ። ኣብ ዓለም ሙሉእ ስልጣን ሓንቲ ሃገር ኣብ ኢድ ሓደ ስድራ ጥራሕ ክጽንሕ'ውን ጥዕና ኣይኮነን" ኢሉ እቲ መራሒ ተቓውሞ።

ትሕተ ቕርጽን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን እታ ሃገር ይዓንው ከም ዘለው ዝዛረብ ማክሃንያ፡ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ነቲ ኣብታ ሃገረ ዘሎ ልዑል መጠን ዝርግሐ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዝጻወር ከም ዘይኮነ ኣብሪሁ።

ወሲኹ "ህዝብና ኣምቡላንስ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ጥራሕ ንበለል ይመውት ኣሎ፤ ናይዚ ምኽንያት ከኣ ጽቡቕ ጽርጊያ ስለ ዘይብልና'ዩ" ኢሉ።

ሐዚ ዘሎ ምዕባለታት

ኤኤፍፒ ሎሚ ለይቲ ወተሃደራት ናብ ከተማ ማትሳፓ ተዋፊሮም ኢሉ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ምባባኔ ከቢድ ወጥሪ ከም ዘሎን ነበርቲ ካብታ ከተማ ከም ዝሃደሙ፣ ጻዕቒ ትራፊክን ነዋሕቲ ሪጋታት ኣለሻ ነዳድን ከም ዝተራእየ ሓደ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ካልእ ንሮይተርስ ርአይቶ ዝሃበ ነባሪ ድማ "ተኩሲ ይሰምዕን መንብዒ ትኪ ይጨንወንን ኣሎ፤ ከመይ ኢለ ናብ ገዛይ ከም ዝበጽሕ ኣይፈልጥን። ኣገልግሎት መጓዓዝያ የለን፤ ብዙሓት ወተሃደራትን ፖሊስን ከኣ ኣለው" ኢሉ።

ብተወሳኺ ትካላት ንግድን ኣብያተ ትምህርትን ከም ዝተዓጸው ጸብጻባት ገሊጾም።

ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ከኣ ኣገልግሎት ስልኪ እታ ሃገር ከም ዝተዓጽወ ጽሒፎም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጎኒ እቶም ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ዝሓቱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክእሰሩ ትእዛዝ ወጺኡ ኣሎ።