ኤቨር ጊቭን፡ መንግስቲ ግብጽን ዋና ንመትረብ ስዊጽ ዓጽያ ዝነበረት መርከብን ተሰማሚዖም

ኤቨር ግሪን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኤቨር ግሪን

ዋና ናይታ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንመትረብ ስዊጽ ዓጽያ ዝነበር ኤቨርጊቭን ዝተባህለት መርከብን ሰብ መዚ ግብጽን ኣብ ኣፈናዊ ናይ ካሕሳ ስምምዕ ከም ዝብጽሑ ተገሊጹ።

መርከብ ኤቨርጊቭን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ እትሰግረሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ማእከል መትረብ ስዊጽ ተሸኺላ ነቲ ንቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ዘራኽብ መስመር ንመዓልታት ከም ዝዓጸወቶ ዝዝከር እዩ።

እዛ ዓባይ ኮንቲነራት ትጽዕን መርከብ፡ ድሕሪ መዓልታት ዝወሰደ ግድል ካብቲ ተሸኺላቶ ዝነበረት ሑጻ ምስ ወጽአት መንግስቲ ግብጺ ብሰንኪ እታ መርከብ ንዝሰዓበ ክሳራታት ንክከሓስ ነታ መርከብ ንኣዋርሕ ደው'ዩ ኣቢልዋ ዘሎ።

ሰብ መዚ ግብጺ፡ ካብ መጀመርታ ዋና እታ መርከብ 900 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል'ዮም ጠለብ ኣቕሪቦም።

ጃፓናዊ ዋና እታ መርከብን ጠበቓታቱን ብወገኖም፡ እታ መርከብ ክሳብ ሕጂ ክትሰርሕ እንተትጸንሕ ብዙሕ ሚልዮናት መእተወት ነይራ ብምባል ንግብጺ ዝህብዋ ካሕሳ ናብ 550 ሚልዮን ዶላር ክወርደሎም ጠለብ ኣቕሪቦም።

ድሕሪ ተደጋጋሚ ዝርርባት፡ ትማሊ ሮቡዕ ወከልቲ ዋና መርከብ ኤቨርጊቭንን ሰብ መዚ መትረብ ስዊጽን ከም ዝተሰማማዑን ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝፈራረሙን ገሊጾም።

መርከብ ኤቨርጊቭን ልዕሊ 18 ሽሕ ኮንቲነራት ሒዛ ኣብ መትረብ ስዊጽ ንመዓልታት ድሕሪ ምሽካላ 29 መጋቢት 2021 ካብቲ ተሸኺላትሉ ዝነበረት ሑጻ ወጺኣ ክትንቀሳቐስ ምጅማራ ይዝከር።

ካብ 29 መጋቢት ጀሚራ ኸኣ መንግስቲ ግብጺ ካሕሳ ከይተኸፈልኩ ኣይፍንዋን'የ ስለ ዝበለ መልሕቃ ደርብያ ኣብ ግብጺ እያ ደው ኢላ ዘላ።

እታ መርከብ፡ ነቲ እንኮ ንቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ዘራኽብ ጸቢብ መስመር ምስ ዓገተቶ፡ ኣማኢት መራኽብ ነቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝግብር ዝነወሐ መስመር ክጥቐማ ከም ዝተገደዳ ይዝከር።

መንግስቲ ግብጺ፡ ብዘይካ ነታ መርከብ ካብቲ ተሸኺላቶ ዝነበረት ሒጻ ንምውጻእ ዘባኸኖ ገዚፍ ወጻኢታት እቲ መስመር ብምዕጻዉ መዓልታዊ ካብ መረኽብ ዝርኽቦ ዝነበረ ሚልዮናት ዶላር ከም ዝኸሰረ'ዩ ዝግለጽ።

መግለጺ ቪድዮ, ሚስጢር ጥንታውያን ግብጺ ተፈሊጡ