መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሶማልያ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ተሰማሚዖም

መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሶማልያ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዝወሰደ ቅልውላውን ዕግርግርን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከካይዱ ከም ዝተሰማምዑ ካብ መቃድሾ ዝወጸኣ ጸብጻባት ሓቢሮም።

በዚ መሰረት ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ መሓመድ ሑሴን ሮብለን ዞባዊ ኣመሓደርትን፡ ነቲ መስርሕ ምርጫ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ከጅምርዎ ከም ዝተፈራመሩ ተገሊጹ።

ኣብ ሶማልያ፡ መራሕቲ ቀቢላታት ባይቶ እታ ሃገር ክመርጹ እከለው፡ እቶም ባይቶ ድማ ሓድሽ ፕረዚደንት ይመርጹ።

ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ፋርማጆ፡ ዕድመ ስልጣኑ ኣብቂዑ ብዘይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዕድመ ስልጣኑ ንክልተ ዓመት ከናውሕ ምስ ወሰነ፡ እታ ሃገር ኣብ ፖለቲካውያን ማሕበራውያን ቅልውላው ተሸሚማ ምንባራ ይፍለጥ።

ብሰንኪ እዚ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ተቓወምትን ጎንጺ ተወሊዑ ነይሩ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝቐጸለ ጎንጺ ዝዓነወት ሶማልያ ኣብ 2012 ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝተደገፈ መንግስቲ ድሕሪ ምትካሉ ናብ ምርግጋእ ክተምርሕ ጸኒሓ እያ።

እንተኾነ፡ ብምኽንያት ምንዋሕ መዓልቲ ምርጫ ዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ ምብቅዑ ነታ ሃገር ናብ ሓድሽ ዕግርግር ሸሚምዋ ነይሩ።

ገለ ዓለምለኻውያን ሓገዝቲ'ውን እቲ ዝህብዎ ሓገዝ ብምቁራጾም፡ መንግስቲ ሕጽረት ገንዘብ ገጢምዎ ምንባሩ ይፍለጥ።

እታ ሃገር ኣብ ታሕሳስ 2020 ባይቶኣዊ ምርጫ ክተካይድ ነይሩዋ።

እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ዞባዊ ኣማሓደርትን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክካየድ ኣይተኻእለን።