ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተነቢሩ ዝቐነየ እገዳ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ተላዒሉ

ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ተኸልኪሉ ዝቐነየ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ትማሊ ንጉሆ ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም መራሕቲ መኪናን ተጉዓዝትን ኣዝዮም ከም ዝተጸገሙ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝሓበሩ ኮይኖም ብሰንኪ እዚ እገዳ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ሓገዝ ንምብጻሕ ዝተዋፈራ መካይን ከይተረፈ ከም ዝተኣጓጎላ ሓላፊ መገድን መጓዓዝያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ኣሰፋ በቀለ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ሓላፊ ናይዚ እገዳ ምኽንያት ነቲ ዝመርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር'ውን ንጹር ከም ዘይኮነ ምዝራቡ ይዝከር።

ተገልገልግልትን መራሕቲ መኪናን ከም ዝገልጹዎ ግና እቲ ኽልከላ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ዝኣወጁዎ ጾም ሰለስተ መዓልታትን ገደብ ምንቅስቓስን ዝተበገሰ እዩ።

ትማሊ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ከም ዝተፈቕደን ካብቲ ንልዕሊ ወርሒ ተኸልኪሉ ዝርከብ መገዲ ደንጎላት -ሳምረ ወጻእ እቲ ኻልእ መስመራት ናብ ንቡር ከም ዝተመልሰን ኣተሓባባሪ ምውፋር ህዝባዊ መጓዓዝያ መቐለ ኣቶ ኪዳነ ባይራይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ሎሚ መዓልቲ ከፊቶምዎ ኣለዉ፤ ካብ መቐለ ዝወጽእን ዝኣቱን ተኸፊቱ ኣሎ፤ እቲ ናይ ደንጎላ መገዲ ግን ሓደ ወርሒ ኮይኑዎ ኣሎ ምሕላፍ ኣይፍቀድን። ሰብ መንበ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ክበጽሕ እንከሎ ወሪዱ ብእግሩ'ዩ ዝኸይድ። ካልእ ለውጢ የለን" ኢሉ።

ካብ ማይጨው ናብ መቐለ ዝተጉዓዘ መራሒ መኪናን ሓንቲ ነባሪት ከተማ ዓዲ ግራትን'ውን እቶም መገዲታት ከም ዝተኸፈቱን ተሽከርከርቲ ናብ ስሩዕ ስርሐን ይምለሳ ከም ዘለዋን ኣረጋጊጾም።

እቲ መራሒ መኪና "መቐለ ኣቲና፤ እቲ ተዓጽዩ ዝነበረ ቦታታት'ውን ተኸፊቱ ኣሎ" ክብል እንከሎ፡ "እቲ ምንቅስቓስ ሎሚ መዓልቲ'ዩ ተጀሚሩ፤ ናብ ስራሕ ክኸዱ ዝደልዩ ሰብ ባጃጅ ከይተረፈ ኣበይ ቀኒኹም ተባሂሎም ተሃሪሞም'ዮም" ክትብል እታ ነባሪት ዓዲ ግራት ተዛሪባ።

ኣብ ትግራይ ስለምንታይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ተኸልኪሉ ነይሩ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ካብን ናብን ከም ዝተኸልከለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም መራሕቲ መካይንን ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤትን ገሊጾም።

በዚ ምኽንያት ተገልገልቲ መዓልታዊ ስርሖም ከሳልጡ ኮነ ሰራሕተኛታት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤ ሓገዝ ንከብጽሑን ብድሆ ከም ዝኾኖም ሓቢሮም።

ካብ ከተማ ዓዲ ጉዶም ናብ መቐለ ዝተፈላለዩ ሸቐጣ ሸቐጣት ሒዙ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ኣቶ ሳሙኤል ናብታ ከተማ ኣብ ዘእቱ ኣሸጎዳ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ምስ በጽሐ ከም ዝተኸልከለ ይገልጽ።

"ብዙሕ ለሚንናዮም፤ ንመቐለ ክንኣቱ ደሊና'ኳ እንተነበርና ምሕላፍ ኣይፍቀድን ኢሎምና። ኣብቲ ኣሸጎዳ መፈተሺ ቦታ ስለ ዘሎ ካብ መቐለ ዝወጽኣ፣ ካብ ዓፋር ወይ ዓዲ ጉደም ዝኣቱ ንድሕሪት ይምልሱዎ ነይሮም። ደዊልና ክንሓትት እንከለና ብሱሩ መገዲ ክሳብ ውቕሮ ተዓጺዩ እዩ ዘሎ ተመለሱ ኢሎምና" ብምባል የረድእ።

እዚ ውልቀሰብ፡ እቲ ምእታውን ምውጻእን ተሽከርከርቲ ኣብ ኩሉ ተግባራዊ ምዃኑ እዩ ተነጊሩና ክብል እንከሎ፡ ናይዚ ምኽንያት ምስቲ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ትግራይ ንሰለስተ መዓልታት ተኣዊጁ ዝነበረን ህዝቢ ካብ ገዛ ብዘይምውጻእ፣ ኣገልግሎት ዝወሃቦም ቦታታት ብምዕጻውን ዘተግበሮ ጾም ዝተኣሳሰር ምዃኑ ገሊጹ።

ኣተሓባባሪ ምውፋር ህዝባዊ መጓዓዝያ ከተማ መቐለ ኣይተ ኪዳነ ባይራይ ብወገኑ፡ ትማሊ ተሽከርከርቲ ካብን ናብን ከተማ መቐለ ምእታውን ምውፃእን ከም ዝተኸልከለን ንዝምልከቶም ኣካላት ሓቲቶም ፍታሕ ከም ዝሰኣኑን ሓቢሩ።

"ካብ መቐለ ናብ ካልእ ከተማ እቲ ክልል ምንቅስቓስ ኣይተኽኣለን፤ ካብ ካልእ ቦታ ዝመጽኣ'ውን ክኣትዋ ኣይተፈቐደለንን። እዚ ኣጋምሸት ሰዓት 12፡00 እዩ ጀሚሩ፤ ሰለስተ መዓልቲ ኣድማ ስለ ዝገበርኩም እዮም ዝብሉ። ሰብ ካብ መኪና ወሪዱ ብእግሩ ይምለስ ኣሎ" ኢሉ።

ሸቐጣ ሸቐጣት እና ኣመላለሰ ዝነባበር ኣቶ ሳሙኤል፡ ብሰንኪ እቲ ምክልኻል መጓዓዝያ ''ሓሸዋ፣ ኮሚደረን ካልእን ጽዒነን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኣ ጠቕላላ 50 ዝኾና መካይን ሪጋ ሒዝና ኢና ተመሊስና" ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ትማሊ እገዳ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ከም ዝውዓለ ዝተኣመነ ሓላፊ መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ ዶክተር ኣሰፋ በቀለ ብወገኑ፡ ምኽንያት እቲ ምዕጻው ነቲ ዝመርሖ ምምሕዳር'ውን ንጹር ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ።

"መብርሂ ንግዝያዊ ምምሕዳር ሓቲትና ዝኾነ ዓይነት ምላሽ የለን፤ ንዘይተፈልጠ እዋን ከም ዝተዓጸወ ጥራሕ'ዮም ነጊሮምና። ናብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ቅርታ ኣቕሪብና'ውን ተጸበዩ ክኽፈት'ዩ ካብ ምባል ወጻኢ በዚ ምኽንያት ኢና ዓጺናዮ ኣይነበሉናን" ዝብል ሓጺር ምላሽ ሂቡ።

ይኹን'ምበር እዚ እገዳ ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ነቶም ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዘለው ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት'ውን ዕንቅፋት ከም ዝኾኖም ይግለጽ።

ሓንቲ ንድሕነታ ብዝብል ሽማ ክጥቀስ ዘየፍቀደት ሰራሕተኛ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት፡ ብሰንኪ እቲ እገዳ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ነቲ ረድኤት ዝጽበ ህዝቢ ሓገዝ ከነብጽሓሉ ብድሆ ኮይኑና'ዩ ኢላ።

"ካብ መቐለ ናብ ዓዲግራት ዝግበር ምንቅስቓስ የለን፤ ኣብ ዓዲግራት'ውን ንጉሆ መዋፈሪ መካይን እታ ከተማ ተዓጽዩ ነይሩ። ኣገልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት ክትህብ እንከለኻ ከኣ ይኽልኹሉኻ። ብዙሕ ምንግልታዕ'ዩ ዘሎ" ትብል።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ድማ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ክስደዱ እንከለው፡ ካልኦት ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉ ይግለጽ።

መንግስቲ ነዞም ተመዛበልቲ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ የብጽሕ ምህላው'ኳ እንተገለጸ፡ መንግስታትን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ግን ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ግን ዓጸቦ ከጋጥም ከም ዝኽእል ስግኣቶም ይገልጹ።

እቲ ከጋጥም ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው ብምስጋእ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ክፍጠርን ብዘይገደብ ምንቅስቓስ ክህሉን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጠልቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ እዚ እገዳ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ግን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ሓገዝ ንምብጻሕ ዝተዋፈራ መካይን ከይተረፈ ከም ዝተኣጓጎላ ድማ ሓላፊ መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ ዶክተር ኣሰፋ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ናብ ውቕሮ፣ ዓዲ ግራት ዝወስድ መገዲ ተዓጽዩ ኣሎ፤ ብዙሓት ናይ ጽዕነትን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርባ መጓዓዝያን ደው ኢለን ኣለዋ" ኢሉ ዶክተር ኣሰፋ።

ኣብዚ ጉዳይ ይምልከቶ ናብ ዝተባህለ ምክትል ግዝያዊ ምምሕዳር ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ደዊልና፤ ከዛርበና ግና ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ብተወሳኺ ካብ ሓላፊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፕረስ ሴክሬታርያት ትግራይን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ'ውን ኣይሰመረን።