እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስድራ-ቤት፡ ሓዳሮም ዘፍረሱ ሓሙሽተ ቢልዮነራት ዓለምና
ኣሜሪካዊ ቢልዮነር ቢል ጌትስ፡ ምስ ሚሊንዳ ጌትስ መስሪትዎ ዝነበረ ሓዳር ድሕሪ 27 ዓመታት ንክፋትሑ ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብ 1980፡ ሚሊንዳ ናብቲ ናይ ቢልጌትስ ትካል ማይክሮሶፍት ኣብ ዝተፀንበረትሉ እዋን እዩ፡ ክልቲኦም መፃምዲ ተራኺቦም።
ቢልዮነር ቢል ጌት ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ድሕሪ ብዙሕ ምሕሳብን ርክብና ንምምሕያሽ ምስራሕን፡ ሓዳርና ምፍራስ ዝሐሽ ኣማራፂ ገይርና ወሲድናዮ" ኢሉ።
እዞም ቢልየነራት መፃምዲ ኣብ ናይ 27 ዓመት ሓዳሮም ሰለስተ ቆልዑ ዝወለዱ እንትኾኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ሓገዝ ዝገብር 'ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን' ኣጣይሾም እዮም።
'ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን'፡ ዝተፈላለዩ ሕማማት ንምምካትን፡ ክታበት ንህፃናት ንምብፃሕን ብቢልየናት ዝቑፀር ዶላር ሰሊዑ እዩ።
ብመሰረት መፅሄት ፎርብስ፡ ቢል ጌትስ ናይ ዓለምና ራብዓይ ቢልየነር እንትኾን፡ 124 ቢልየን ዝተፃረየ ሃብቲ ከምዘለዎ ይግለፅ።
ዋላ'ኳ ምፍራስ ሓዳር እዞም መፃምዲ ንዓለም ዘዘራረበ ዓብይ ዜና እንተኾነ፡ ዘይተለመደ ነገር ግና ኣይኮነን።
ቅድሚ ሕዚ'ውን ብዙሓት ቢልየነራት ሓዳሮም ብምፍራስ ሃፍቶም ተኻፊሎም እዮም። እስኪ ነቶም ውሑዳት ንርኣይ።
1 ፡ ጄፍ ቤዞስን ማክኬንዚ ቤዞስን
ቀንዲ ሃፋትም ዓለምና ዝኾነ ጄፍ ቤዞስን በዓልቲ እንድኡ ማክኬንዚን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2019 እዮም፡ ሓዳሮም ከፍርሱ ተሰማሚዖም።
ጄፍ ቤዞስ፡ ምስ በዓልቲ እንድኡ ማክኬንዚ ከምዝተፋትሑን ጉዳዮም ብስምምዕ ከምዝተዛዘመን፡ ብመገዲ ትዊተር እዩ ወግዓዊ ገይሩ።
በዓልቲ ቤቱ ድማ፡ ብፅሒታ'ዩ ዝተብሃለ 35 ቢልየን ዳላር ተዋሂብዋ።
ነዚ 35 ቢልየን ትቕበል ማክኬንዚ ከኣ፡ ኣብ ዝርዝር ሃፋትም ደቂኣንስትዮ ዓለም ክትስራዕ ዝገብር እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ማክኬንዚ፡ ካብቲ በዓል እንድኣ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝመስረቶን ኣብ ዓለም ቁፅሪ ሓደ ዝኾነን ናይ ኢንተርኔት መተዓዳደጊ ትካል ኣማዞን፡ ኣርባዕተ ሚእታዊት ብፅሒት ክህልዋ እዩ።
ቢልየነር ማክኬንዚ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ደቃ ኣብ ዝመሃርሉ ቤት-ትምህርቲ ሳይንስ ምስ ዘምህር ውልቀሰብ ሓዳር ገይራ እያ።
'ጊቪንግ ፕሌጅ' ዝተብሃለ ናይ ረድኤት ድሕረ ገፅ እዩ፡ ቢልየነር ማክኬንዚ፡ ንመምህር ሳይንስ ዳን ጄዌት ከምዘእተወት ወግዓዊ ገይርዎ።
2፡ ኣሌክ ዊልደንስቲንን ጆሰሊን ዊልደንስቲንን
እዞም መፃምዲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1999 ሓዳሮም ንምፍራስ እንትሰማምዑ፡ ዓለም ጉድ ኢሉ ኔሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ፍትሕ ክልቲኦም፡ ድሕሪ ሓዳር ልዑል ወፃእታት ዘስዓበ ሓዳር ኮይኑ ነይሩ።
ብስራሕቲ ንግድን ስራሕቲ ጥበብ ብምእካብን ዝፍለጥ ኣሜሪካዊ-ፈረንሳዊ ኣሌክ ዊልደንስቲን፡ ድሕሪ 21 ዓመታት ሓዳሮም ከምዘፍርሱ ገሊፁ ነይሩ።
በዓልቲ እንድኡ ጆሰሊን ዊልደርስቲን ድማ፡ ድሕሪ ምፍትሖም፡ ኣብ ፈለማ 2 ነጥቢ 5 ቢልየን ዳላር ከምትረክብ ተገሊፁ ነይሩ።
ሻቡ፡ በብዓመቱ ንዝቕፅሉ 13 ዓመታት ተወሳኺ፡ 100 ሚልየን ዳላር ከምዝወሃባ ተገሊፁ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ብሓፈሻ ዝረኸበቶ ገንዘብ 3 ነጥቢ 8 ቢልየን ዳላር ይበፅሕ።
3፡ ቢልን ሱ ግሮስን
ቢል ግሮስን ሱ ግሮስን፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ሓዳሮም እንተፍርሱ፡ ድሕሪ ፍትሖም ብዙሓት ትፅቢት ዘይተገበረሎም ነገራት ተኸሲቶም ነይሮም።
ኣብ ዓለምና ስሙይ ኣሜሪካዊ ቢልየነር ዝኾነ ቢል፡ ናይ መንግስቲ ቦንድ ብምዕዳግ ልዑል ከስቢ ብምኽሳብ እዩ ዝፍለጥ።
ከይዲ ፍትሕ እዞም መፃምዲ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ነይሩ።
ፍትሖም ኣብ ዕልባት ቅድሚ ምብፅሑ፡ ቢል ግሮስ፡ ነቲ 31 ሚልየን ዘውፅእ ናይ በዓልቲ እንድኡ መንበሪ ገዛ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝገበሮን ንዝነበሩ ተኽልታት'ውን 'ቀቲሉ' ከምዝኸደን፡ በዓልቲ እንድኡ ሱ ግሮስ ንቤት-ፍርዲ ተዛሪባ ኔራ።
ቤት-ፍርዲ ድሕሪ እቲ ፍትሕ፡ ሱ ግሮስ 1 ነጥቢ 3 ቢልየንን 31 ሚልየን ዘውፅእ መንበሪ ገዛ ክህባን በይኑ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቶም መፃምዲ ዝዓደግዎም ሚልየናት ዘውፅኡ ስራሕቲ ጥበብ ብመዓረ ክካፈሉ ተበይኑ።
4: ሩፐርት መርዶክን ኣና ቶርቭን
ብናይ ሚድያ ቢዝነስ ዝፍለጥ ቢልየነር ሩፐርት መርዶክን ኣና ቶርቭን፡ ን31 ዓመታት ዝፀንሐ ሓዳር ዝነበሮም እንትኾን፡ ሰለስተ ቆልዑ ወሊዶም እዮም።
እንተኾነ ቢልየነር ሩፐርት መርዶክ፡ ካብ ኩሉ ነገር ንርእሱ ከግልል እንትትልም፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1998 ሓዳሮም ከፍርሱ ብሓባር ተሰማሚዖም።
ነዚ ስዒቡ ኣና ቶርቭ ክሳብ 1 ነጥቢ 7 ቢልየን ዳላር ዝበፅሕ ገንዘብ ከምዝተውሃባ ተገሊፁ እዩ።
እዞም መፃምዲ ድሕሪ ፍትሖም፡ ናብ ካልእ ሓዳር ንምኻድ ብዙሕ ግዘ ኣይወሰደሎምን።
ሩፐርት መርዶክ ሓዳሩ ምስ ኣፍረሰ ኣብ መበል 17 መዓልቱ፡ ዌንዲ ዴንግ ምስ ዝተብሃለት ውልቀሰብ ሓድሽ ሓዳር መስሪቱ።
ኣና ቶርቭ ድማ፡ ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ዊሊያም ማን ንዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣእትያ።
5፡ ሃሮልድ ሃምን ሱ ኣን ኣርኖልን
ኣብ ንግዲ ነዳድን ጋዝን ዝተዋፈረ ኣሜሪካዊ ቢልየነር ሃሮልድ ሃም፡ ክሳብ 14 ቢልየን ዶላር ዝበፅሕ ሃፍቲ ከምዘለዎ ይግለፅ ነይሩ።
ምስ በዓልቲ እንድኡ ኣን ኣርኖል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2015 ሓዳሮም ንምፍራስ እንትሰማምዑ፡ ቤት-ፍርዲ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ሓደ ቢልየን ዶላር ክህባ በይኑ።
ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ሃሮልድ ሃም 9 ቢልየን ዝተፃረየ ሃፍቲ ከምዘለዎ ተገሊፁ እዩ።