"ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ንህዝቢ ሶማል ከም ኢትዮጵያዊ ኣይርእዩዎን" - ፈጻሚ ስራሕ ኦብነግ

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበሩ ተቓወምቲ ሰልፍታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለው፡ ምንቅስቓስ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን [ኦብነግ] ሓደ ካብኣቶም'ዩ ነይሩ።

ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ውድብን ምስ መንግስቲ ፌደራል ርክብ ናይ ዝገብር ቢሮ ሓላፍን ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦትን መጀመርታ ወርሒ ሰነን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ 6ይ ሃገራዊ መረጻን ምንቅስቓስ እቲ ሰልፍን ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ገይሩ'ሎ።

ቢቢቢ፡ ኣመሰራርታ ኦብነግ ምስ ታሪኽ ወራር ዚያድ ባሬ ዝተኣሳሰር'ዩ። ኣብቲ ናይ ስግግር እዋን ተሳቲፍኩም ከኣ ነቲ ክልል ንክልተ ዓመት መሪሕኹም ኢኹም። ኦብነግ ካብ ሊግ መናእሰይ ግንባር ናጽነት ምዕራብ ሶማሊያ'ዩ ተፈጢሩ ይብሃል።

ኣቶ ኣሕመድ፡ ኦብነግ 15 ነሓሰ 1984 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ]'ዩ ተመስሪቱ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ግንባር ሓርነት ምዕራብ ሶማል ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረት ሶማሊያውያን ዝነብሩላ ሃገር ምስ ተዳኸመ መናእሰይ እቲ ግንባር ዝነበሩ ተኣኻኺቦም ዝመስረቱዎ'ዩ።

ግንባር ሓርነት ምዕራብ ሶማል፡ ብኢትዮጵያውያን ሶማል'ዩ ተመስሪቱ። ይኹን'ምበር ብመንግስቲ ሶማሊያ ይድገፍ ነይሩ።

እቶም መናእሰይ ቓልሶም ካብ መንግስቲ ሶማሊያ ናጻ ከም ዘይኮነን ኢድ ኣእታውነት ከም ዘለዎን ተገንዚቦም ከኣ ንኦብነግ መስሪቶምዎ።

ሽዑ ዓብዱራሕማን መህዲ ኣቦ መንበር ነይሩ፤ ድሕሪኡ መሓመድ ዓብዲ መገኒ ንክልተ ወርሒ ኣቦ መንበር ኮይኑ። ኣብ መወዳእታ ግን ሸኽ ኢብራሂም ዓብደላህ ንነዊሕ ዓመታት ቀዋሚ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኮይኑ ተመሪጹ።

ኦብነግ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሃገራዊ መረጻ 84 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ ከኣ ክልላዊ መንግስቲ መስሪቱ።

ይኹን'ምበር ኢህወደግ ዘለና ህዝባዊ ድጋፍ፣ ዓላማን መርገጽን ርእዩ ወሪሩና። በዚ ምኽንያት ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚርና።

ቢቢሲ፡ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ነቲ ክልል ኣመሓዲርኩም?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ሓጺር'ዩ፤ ንሓደ ዓመትን ዓሰርተ ወርሕን ኣመሓዲርና ኢና።

እቲ ሕጂ ዘሎ ባንዴራ እቲ ክልልን ብሶማልኛ ዝተጽሓፈ ስርዓተ ትምህርትን: ኦብነግ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ዝጀመሮም'ዮም።

ቢቢሲ፡ ንዝሓለፉ 36 ዓመታት፡ ንዓርሰ ምሕደራ ክቃለስ ዝጸንሐ ውድብ'ዩ። ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ለውጢ ተመሊስኩም ናብ ሃገር እንተመጻእኹም'ኳ ሕጂ'ውን ሽምኩም ግንባር ሓርነት ኦጋዴን'ዩ ዝብል። ኣብታ ሕጂ ዘላ ኢትዮጵያ እዚ ሽም ሒዝካ ምቕጻል ይከኣል'ዶ?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ለውጢ ስለ ዝመጽአ ሽምና ኣይልወጥን። እቲ ሽም ብድልየት ህዝቢ'ዩ ወጺኡ፤ መርገጺና'ውን ድልየት ህዝቢ'ዩ። ስቕ ኢልካ ብመራሕቲ . . . ኽልተ ወይ ሰለስተ . . . ሓምሳ ሰባት ኣኪብካ ዝውሰን ኣይኮነን።

ምግንጻል ኮነ ምስ ኢትዮጵያ ምቕጻል ህዝቢ'ዩ ዝውስኖ። እዚ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ሰልፊ ከም ዝደሊ'ውን ብድምጺ ህዝቢ'ዩ ዝውሰን። ንሕና ምስቶም ናይ ለውጢ ሰባት ስለ ዝተረዳዳእና ጥራሕ ዓላማናን መርገጺናን ክንልውጥ ኣይንኽእልን።

ንህዝባዊ ዕላማ ህዝቢ ዘጣየሾ ውድብ ስለ ዝኾነ ሽምና ኣይንቕይርን፤ መራሕቲ ኢትዮጵያ ከኣ ነዚ ህዝቢ ዝዕድሞ ነገር ዘርእዩ እንተዘይኮይኖም ስቕ ኢልካ ብቐሊሉ ዝልወጥ ነገር ኣይኮነን።

ቢቢሲ፡ ግንባር ሓርነት ዝብል ሽም ሒዝካ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ክግንጸል ዝሓስብ ውድብ ምስ ካልኦት ውድባት ፖለቲካ ከመይ ኢሉ ክሰርሕ ይኽእል?

ኣቶ ኣሕመድ፡ እዚ ሕቶኹም'ዩ ግር ዘብለኒ ዘሎ። ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኢኹም ትሓቱ። ጉዳይ ምግንጻል [self-determination] . . . ጸገምኹም እንታይ'ዩ? ስለምንታይ'ዩ ካብዛ ሕቶ እዚኣ ፍሒት ምባል ኣብዩኩም?

ዋእ! ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ኮ መሰል ምግንጻል ይፈቅድ'ዩ። ንምንታይ'ዩ ጋዜጠኛታት እዚ ሕማም ርእሲ ዝኾነኩም? ስለ ምንታይ'ዩ እቲ ሕገ መንግስቲ ዘይወሓጠልኩም?

ሕጋዊ ክሳዕ ዝኾነ ህዝቢ በቲ ዝደልዮ መገዲ ክኸይድ ኣለዎ። ኢትዮጵያ እንተጥዒማቶም ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ክቕጽሉ ይኽእሉ'ዮም፤ እንተዘይኾይናትሎም ከኣ ናይ ባዕሎም መንግስቲ ይፈጥሩ።

ጋዜጠኛታት ግን ካብዛ ሕቶ ወጻእ ካልእ ክትሓስቡ ኣይትኽእሉን!?

ቢቢሲ፡ ቅድም ኢሉ ዋና ጸሓፊ ውድብኩም ኣቶ ዓብዱራሕማን መህዲ "ሶማ ማእከላይ መንግስቲ ዝረስዖ ክልል'ዩ። ንሕና ኢትዮጵያውነት ኣይስምዓናን፤ ማእከላይ መንግስቲ'ዩ ዝገዝአና ዘሎ" ኢሉ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ እዚ ስምዒትኩም ተቐይሩ'ዶ?

ኣቶ ኣሕመድ፡ እዚ ስምዒት ህዝቢ'ዩ። ሓቁ ክነግረኩም እንተደሊኹም ህዝብና ህዝቢ ሶማል፣ ህዝቢ ኦጋዴን ሕጂ'ውን እቲ ዘሎ መንግስቲ ናተይ መንግስቲ'ዩ ዝብል ስምዒት የብሉን።

ምኽንያቱ መንግስቲ ብዛዕባኻ ክሓስብ እንከሎ'ዩ ናትኻ ዝኸውን። ካብ ሃጸይ ቴድሮስ ክሳብ ኣቶ መለስ ዝነበሩ መራሕቲ ንህዝቢ ሶማል እንታይ ገይሮምሉ? እንታይከ ይግበር ነይሩ? እዚ ህዝቢ ኣብቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ክንደይ ዝኣክል ተሳትፎ ተዋሂቡዎ ኣሎ?

ከመይከ ኢኹም ትርእዩዎ? ሕጂ'ኮ ንናይ ኢትዮጵያ ብርን መንግስትን ዘይፈልጡዎ ሰባት ኣብ ክልልና ኣለው። እዚ እንታይ'ዩ ዘመላኽት?

ቢቢሲ፡ ስለ ምንታይ? ብምንታይ ድኣ ይተዓዳደጉ?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ንምንታይ!? መንግስቲ ስለ ዘይበጽሓሎም'ዩ እምበር።

ህዝቢ ሶማል ወተሃዳር ተላኢኹ ብወተሃደር ክጭፍጨፍ እንከሎ ጥራሕ'ዩ ዝፈልጥ።

እዚ ንሕና ዘይኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕትን'ዮም ክቕይሩዎ ዝግባእ።

ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ዘዳለዎ ሓደ መድረኽ ተሳቲፈ ነይረ። እንታይ ኢሉ ጸዊዑኒ ይመስለኩም?

"እቲ ሶማሌ ሓወይ ከም ዝገለጾ" ኢሉ'ዩ ሓደ ኣብ ዘተ ኣልዒሉኒ።

ቢቢሲ፡ እንታይ ጸገም ኣለዎ?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ኣነ ብመንነተይ ስለ ዝሕበን ጸገም የብሉን። ግን ካልእ ተሳታፊ እቲ ኦሮሞ ሓወይ፣ ሃዲያ፣ ጉራጌ . . . ሓወይ እናተባህለ ብብሄሩ ተፈልዩ ሽሙ ምስ ብሄሩ ተዛሚዱ ኣይተላዕለን። ኣነ ንምንታይ ተፈልየ? እዚ እንታይ'ዩ ዘመላኽት?

እዚ ፖለቲከኛታት፣ ሙሁራትን መራሕትን ክቕይሩዎ ይግባእ። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ከም ካልኣይ ዜጋ ኢና ንቑጸር። ፖለቲከኛታት ንህዝቢ ሶማል ከም ኢትዮጵያዊ ዜጋ ኣይርእዩዎን።

እዚ ኣመለኻኽታ ንክልወጥ ብቐንዱ ሰበ ስልጣን ሶማል ዓብዪ እጃም ክጻወቱ ነይሩዎም። ንሕና ክንሓትት ከለና ከም ተቓዋሚ ኢና ንርአ።

ይኹን'ምበር ኣብዛ ሃገር ክሳብ ዝሃለና ብጽሒትና ክንረክብ ይግባእ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ፡ ዘቲና እንታይ ክንውስን ከም ዘለና ክንሰርሐሉ ኢና።

ቢቢሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ ብሄር'ዩ ኣነ ተገፊዐ፣ ተደፊአ፣ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቐጺረ ዝብል፤ ኹሉ ዝኹሪ እንተኾይኑ እዛ ሃገር ከመይ ኢላ'ያ ክትስጉም?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ጽቡቕ ሕቶ፤ ኣብ ዓለም ኣነ'የ ጉድኣት ኣብጺሐ፣ በዲለ'የ ዝብል የለን። ጉዱኡን ጎዳእን ክልቲኦም ብሓደ ተጎዲእና እዮም ዝብሉ።

ኣብ ሕሉፍ ስርዓታት ዝነበሩ ጸገማት ከም ዜጋታት እዛ ሃገር ብሓደ ዘቲና፣ ጌጋታትና ኣውጊዕና፣ ይቕሬታ ተሓታቲትና፣ ንቕድሚት እንታይ ይሕሸና? ክንብል ኣለና። ስለዚ ይቕሬታ ክንብሃሃል ኣለና።

በቲ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ተኸባቢርና፣ ሕቶታትና ብሕጋዊ መገዲ ክፍትሑ እናቕረብና ብሓባር ክንነብር ይግባእ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ኦጋዴን ብዛዕባ ዘሎ ሃፍቲ ነዳዲ ዝተፈለየ ድልየት ኣለኩም'ዶ?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ሓደ ምስላ ሶማል ኣሎ። "Dhariba ninkii u dhow baa dhuunigiisa leh"። እንታይ ማለት'ዩ "መግቢ ክስራሕ እንከሎ ንዝመጽአ ሰብ ቀዳምነት ክወሃብ ኣለዎ" ዝብል'ዩ።

ህዝቢ ሶማል'ውን እቲ ሃፍቲ ነዳድን ጋዝን ክርሕቖ የብሉን። ግን እቲ ዝተዋህቦ ብጽሒት እኹል'ዩ ኢልና ኣይንኣምንን።

ኣብ መንግስቲ ፌደራል ዘለዎ ብጽሒት'ውን እኹል ኣይኮነን ኢልና ኢና ንኣምን።

ቢቢሲ፡ ንስኻትኩም ኣብ በረኻ እናሃለኹም ኮነ ፕሬዝደንት እቲ ክልል ነበር ኣቶ ኣብዲ ኢሌ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እቲ ህዝቢ መከርኡ ተጽግብዎ ነይርኩም። ኣቶ ሙስጠፌ ምስ መጽአ ግን እቲ ክልል ተዛማዲ ሰላምን ርግኣት ዘለዎ ኮይኑ ኣሎ።

ኣቶ ኣሕመድ፡ ኣቶ ሙስጠፌ ምስ መጽአ ሰላም መጺኡ ካብ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ምስ መንግስቲ ሰላም ስለ ዘውረድኩም ሰላም መጺኡ እንተትብሉ ይሓይሽ። ምኽንያቱ ኣቶ ሙስጠፌ ንሕና ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናሃለናን ምስ መንግስቲ ስምምዕ ሰላም ምስ ፈረምናን'ዩ ተሸይሙ።

ሰላም ብኣቶ ሙስጠፌ ወይ'ውን ሰልፊ ብልጽግና ዘይኮነ፡ ብኣናን ብኢህወደግን'ዩ ተፈጺሙ።

ሰላም ብኦብነግን ውሳንኡን'ዩ መጺኡ። ንሕና ምስ መንግስቲ ንዋጋእ ስለ ዝነበርና፡ መንግስቲ ከኣ 'ህዝቢ ይድግፎም'ዩ' ብዝብል ነቲ ህዝቢ ይጭፍጭፎ ነይሩ።

ሕጂ ኣቶ ሙስጠፌ ኣብ ማእከል ስለ ዝኣተወ እምበር ንሱ ዘምጽኦ ሰላም የለን። ሕጂ'ውን ብሳላና እምበር ብሰላም ኣይምጸንሐን። ምኽንያቱ ተግባሮም፣ ጠባዮም፣ ኣዘራርብኦም፣ ኩሉ ነገሮም ናብ ሰላማዊ መገዲ ዝወስድ ኣይኮነን።

ስለዚ እቲ ሰላም ንሕና ኢና ኣምጺእናዮ።

ቢቢሲ፡ ውድብኩም ንብሕቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ተራኺቡ ይፈልጥ'ዶ? መዓዝ ተራኺብኩም፤ እንታይ ዘቲኹም?

ኣቶ ኣሕመድ፡ በዚ መዓልቲ ክብል ኣይክእልን ግን ቅድሚ ሽዱሽ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ኣቶ ዓብዱራሕማን ኣብ ቤተ መንግስቲ ከም ዝተዘራረቡ ይፈልጥ'የ።

ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳያት፣ መረጻ፣ ሰላም፣ ዴሞክራስን ካልእን ተዘራሪቦም።

ቢቢሲ፡ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ክካየድ'ዩ፤ ንስኻትኩም'ውን ክትሳተፉ ኢኹም። ኣብ ቀረባ ኣብ ዞባታት ቸረረ፣ ሸበሌን ቆታሄን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣሎ፤ ኣባላትና ተኣሲሮም ይከላበቱ ኣለው ኢልኩም ነይርኩም። እዚ ጸገም ካብቲ መረጻ ክተንሳሕቡ ክገብረኩም ድዩ?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ሕጂ ብእንሰምዖን እርእዮን ዘለና ነገራት ኣብቲ መረጻ ክንሳተፍ ኢና ኢለ ቃለይ ክህብ ዝገብሩኒ ኣይኮኑን። ነገራት ተደማሚሮም ኣብ ጫፍ ዝበጽሑ ይመስለኒ።

ሕጂ ምዝገባ መረጽቲ ዝካየደሉ ዘሎ ግዜ'ዩ። ግን ከኣ ተናዊሑ ኣሎ። ብቴክኒካዊ ጸገም ተናዊሑ ክኸውን ይኽእል፤ ኮነ ተባሂሉ'ውን ክኸውን ይኽእል። ንመረጽቲ ዝወሃብ ካርዲ ናብ ክልል ሶማል ክንደይ ዝኣክል ከም ዝልኣኽ ቦርድ መረጻ ንውድባት ከፍልጥ ይግባእ።

ተወዳደርቲ'ውን ናብ ነቑጣታት መረጻ ዝልኣኹ ብዝሒ ካርድታት መረጻ ክፈልጡ ኣለዎም። እንተኾነ ስቕ ኢልካ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሳንዱቓት መረጻ ይድርበዩ ኣለው። ክፉታት ከኣ'ዮም። ክሳብ ሕጂ ንዓና ዝተዋህበና ብዝሒ ካርዲ የለን።

ብዙሓት ምልክታት ከኣ ንርኢ ኣለና፤ ኣብ ቀጻሊ ውድብና ኣኼባ ገይሩ ክዝትየሎም'ዩ። ሰራሕተኛታት ክቑጸሩ እንከለው'ውን ብዘመድ ኮይኑ ኣብ ሶማል ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሙሉኦም ተኸፈልቲ ብልጽግና'ዮም። 99 ሚኢታዊት ተኸፈልቲ መንግስቲ'ዮም። እዚ ማለት ብቐሊሉ ንመንግስቲ'ዮም ዝግዝኡ።

ስለ ዝኾነ ዋላ ሓደ ሓበሬታ ከይሓዝና ክንቅጽል ኣይንኽአልን። ብተወሳኺ ብልጽግና ሃብትን ንብረትን መንግስቲ ከምኡ'ውን ስልጣን ይጥቀም'ዩ ዘሎ። ተወዳደርቲ ከነመዝግብ ኣይክኣልናን።

ተወዳደርትና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢና ነመዝግቦም ዘለና፤ ግን ምፍርራሕ ይበጽሖም ኣሎ።

በዚ ዝቕጽል እንተኾይኑ ኣብቲ መረጻ እንሳተፍ ኣይመስለንን።

ቢቢሲ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሕጹያት ኣበይ ኣመዝጊብኩም?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ኣብ ክልል ሶማልን ማሕበሰረብ ሶማል ኣብ ዝረከበሎም መዋስንቲ ክልላትን ከምኡ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንወዳደር ኢና ኢልና ሓሲብና ነይርና። እንተኾነ ሕጹያትና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክምዝገቡ ኣይክኣሉን።

ኣብ ድሬዳዋ ከይነመዝግብ ከኣ ብብልጽግና ተኸልኪልና።

ቢቢሲ፡ እንታይ መረዳእታ ኣለኩም?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ናትና ሕጹያት ከይምዝገቡ ተኸልኪሎም'ዮም። ሓለፍቲ ቢሮ መረጻ ኣይትምዝገቡን ኢሎምዎም።

ኣብ ገርባ ኢሴ፣ በፊቲ፣ ሃደጋላ ዘለው ሕጹያትና'ውን ኣፈራሪሖም ንሰለስተ መዓልቲ ኣሲሮም ሰጒጎምዎም።

ኣብ ሞያሌ፣ ካሱርቱ፣ ዞላኣጦ ምስ ሰራሕተኛታት ኮሚሽን መረጻ ተራኺብና ንምንታይ ዘይትምዝገቡና ኢልናዮም። መንግስቲ ንኦብነግ ከይንምዝግቦ መምርሒ ሂቡና'ዩ ኢሎምና። ቦርድ መረጻ እዞም ጸገማት ንክፈትሐልና ዝክኣለና ጽዒርና።

ቢቢሲ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ውድብኩም ነታ ሕጂ ዘላ ኢትዮጵያ ብኸመይ'ዩ ዝግምግማ?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀራና መገዲ'ያ ዘላ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ተራ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ዕዙዝ'ዩ ኢለ ይኣምን። ተሳትፎ ፖለቲካዊ ሰልፍታት'ውን ዓብዪ እጃም ኣለዎ።

ንሕና፡ ኣብ ክንዲ ናብ መረጻ ምጉያይ ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር'ዩ ዘድልያ ኢልና ኢና ንኣምን። ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብቲ መረጻ ኣይሳተፉን ተባሂሎም ኣለው። ንምንታይ?

ኣነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ'የ ዘለኹ። መረጻ ከኣ ሓጺር እዋን ተሪፉዎ ኣሎ። ግን ዋላ ሓደ ናይ መረጻ መወዓውዒ ምንቅስቓሳትን ስእልታትን ኣይርኣዩን።

እቲ ህዝቢ መረጻ ዘገደሶ ኣይመስልን። ንምንታይ ኢልና ክንሓትት ይግባእ። ኣብ ሞንጎ ሶማልን ዓፋርን ኲናት ኣሎ፤ ኣብ ሞንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ውጥጥ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ዝኸውን ዘሎ'ውን ንርእዮ ኣለና። እዚ ኹሉ ነገር እናሃለወ ሃገራዊ ምርድዳእ ከይተገብረ ናብ መረጻ ምጉያይ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት'ዩ ክወስደና።

እዛ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት'ያ ዘላ ኢለ እየ ዝኣምን።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ዕጫ እዛ ሃገር ርግጸኛ ኣይኮንካን?

ኣቶ ኣሕመድ፡ ኣይኮንኩን። ናብ ምንታይ ትኸይድ ከም ዘላ ኣይፈልጥን።