ፕረዚደንት ጫድ ኣብ ኲናት ከም ዝሞተ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ጫድ እድሪስ ደብዒ ኣብ ውግእ ብዘጋጠሞ መጉዳእቲ ከም ዝሞተ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

"ፕረዚደንት እድሪስ ደብዒ ንልኡላውነት ሃገሩ እናተዋግአ ናይ መወዳእታ ትንፋሱ ሓሊፋ" ክብል ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት: ጀነራል ኣዜም በርማንዶና ኣጎና ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ሊብያ ምስ ዘለው ዕጡቓት ንዝዋግኡ ዘለው ሰራዊት እታ ሃገር ንክበጽሖም ከይዱ ነይሩ።

ዕጡቓት ተቓወምቲ'ታ ሃገር ኣብ ሊብያ ካብ ዝርከብ መዓስከራቶም ተበጊሶም ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ወተሃደራት መንግስቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም ኲናት ከምእተወለዐ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ደብዒ ብ11 ሚያዚያ 2021 ኣብ ዝተኻየደ ሻድሻይ ፕረዚደንታዊ መረጻ 80 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ ነይሩ።

ይኹን'ምበር፡ መንግስትን ባይቶን እታ ሃገር ፈሪሱ ነይሩ። ስለ ዝኾነ ድማ እታ ሃገር ንዝቕጽሉ 18 ኣዋርሕ ብወተሃደራዊ ቤትምኽሪ ክትመሓደር'ያ።

እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ በቲ ወዲ 37 ዓመት ዝኾነ ወዱ፡ ብዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራል መሃማት እድሪስ ደብዒ ኢትኖ ዝምራሕ ክኸውን'ዩ።

እቶም ዕጡቓት ኣባላት ሓደ ግንባር ለውጥን ስኒትን ዝተባህለ ጉጅለ ኮይኖም፡ ኣብ መዓልቲ ምርጫ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን፡ ናብታ ኣማኢት ኪሎሜትራት ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ርእሰከተማ ንጃመይና ይግስግሱ ምንባሮም ተፈሊጡ።

እቲ ወግእ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም'ዩ ጀሚሩ። ሓደ ወተሃደራዊ ጀነራል ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ኲናት 300 ክሞቱ እንከለዉ፡ 150 ተማሪኾም። ብወገን ሓይልታት መንግስቲ ድማ፡ 5 ወተሃደራት ሞይቶም፡ ካልኦት 36 ቆሲሎም ክብል እቲ ኣዛዚ ጠቒሱ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቁጽሪ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

እድሪስ ደብዒ መን እዩ?

ብ1990 ብወታሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝጨበጠ ፕረዚደንት እድሪስ ደብዒ፡ ንዝሓለፋ 31 ዓመታት ንጫድ ክመርሓ ጸኒሑ።

ንሱ፡ ብሓገዝ ኣሜሪካን ፈረንሳን ናብ ስልጣን ንዝደየበ ፕረዚደንት ሑሴን ሃብረ ብዕልዋ መንግስቲ ኣልዩ'ዩ ናብ ስልጣን ደዩቡ።

ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ድሕሪ ሽድሽተ ዓመታት ስርዓት ብዙሓዊ ሰልፊ ('መልቲ ፓርቲ ሲስተም') ብምምስራት ሃገራዊ ምርጫ ተዓዊቱ።

ፕረዚደንት ደብዒ፡ ንነዊሕ እዋን ምስ ፈረንሳን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ጥቡቕ ዝምድናን ሽርክነትን ዝጸንሖ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣንጻር ጂሃዳውያን ዕጡቓት ዝግበር ቃልሲ ኣገዳሲ ተራ ዝጸንሖን'ዩ። እንተኾነ ግና፡ ብጉዳይ ኣተሓሕዛ ጸጋታት ነዳዲ ዘይዕግበት ክብርኽ ምጽንሑ ይንገር።

ዝተሓተ ደገፍ ህዝቢ ከምዝነበሮ ዝገለጸሉ እቲ ፕረዚደንት፡ 'ንናቱ ዓሌት ቀዳምነት ይህብ'ዩ' ብዝብል ይንቀፍ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ሰላምን ጸጥታዊ ምርግጋእን ከምዘምጽእ'ዩ ዝጉስጉስ ነይሩ።