እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጫድ፡ 100 ሚልዮን ዶላር ዕዳኣ ብከብቲ እትኽፍል ዘላ ሃገር
ሃገረ ጫድ፡ ካብ ኣንጎላ ዝተለቃሓቶ 100 ሚልዮን ዶላር ብከብቲ ክትመልስ ከምዝጀመረት መግስታዊ ጋዜጣ ኣንጎላ ሓቢሩ።
እዚ ዘይንቡር ኣከፋፍላ ዕዳ፡ ነታ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ ዘለዋ ጫድ ዘርብሕ ክኸውን እንከሎ፡ ነታ ሕጽረት ከብቲ ዘለዋ ሃገረ ኣንጎላ'ውን ብማዕረ ዘርብሕ'ዩ።
ከም ናይ መጀመርታ ክፍሊት ልዕሊ 1,000 ከብቲ ብመርከብ ናብ ርእሰ ከተማ ሉዋንዳ ከም ዝኣተዋ ጆርና ዲ ኣንጎላ ጸብጺቡ።
ኣንጎላ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ብድምር 75,000 ከብቲ ክትቅበል ትጽቢት ይግበር። ንሓንቲ ላምር/ብዕራይ ብሕሳብ 1,333 ዶላር ማለት'ዩ።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ድማ 3500 ከብቲ ካብ ቻድ ናብ ኣንጎላ ክስደዳ ምዃነን ተፈሊጡ።
ኣብ 2017፡ ቻድ ነቲ ብጥረ ገንዘብ ክትከፍሎ ዘይካለት ልቓሕ፡ ብመልክዕ እንስሳ ክትከፍል ምስ ሓተተት፡ ኣንጎላ ተቐቢላቶ።
ምኽንያቱ፡ እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ነቲ ዘለዋ ሃብቲ እንስሳ (ኣሓ) ንምስሳን ድሌት ስለዘለዋ'ዩ ክብል እቲ መንግስታዊ ጋዜጣ ጠቒሱ።
ኣንጎላ፡ ደርቂ እናተመላለሰ ስለዘጥቕዓ፡ ከም ሳዕቤኑ ዘለዋ እንስሳታት ብጥሜትን ጽምእን ይሞቱን፡ ድኽነት የስዕብን።
ዋላ'ኳ ኣንጎላ፡ ብነዳዲ ሃብታም ሃገር እንተኾነት ካብቲ ሓሚሱዋ ዝነበረ፡ ን27 ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ርእሳ ኣብ ምሕዋይ ትርከብ።
ጫድ ብወገና፡ ማዕከን ሃብቲ እንስሳ ተባሂሉ እትጥቀስ ሃገር'ያ። ውድብ ጥዕና እንስሳ ዓለም (OIE) "መወዳድርቲ ዘይብላ ሃገረ ሕርሻ እንስሳ" ክብል ገሊጽዋ'ዩ።
ኣስታት 94 ሚልዮን እኹላት ከብቲ ከምዘለዋ ይግለጽ።
ዓለማዊ ባንክ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብዛዕባ ጫድ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ፈጢሮም ዘለዉ እስላማውያን ዕጡቓት፡ ቁጠባኣ "ተኣፋፊን ኣብ ሓደጋ ዘሎን" ምዃኑ ይጠቅስ።