እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኡጋንዳ 2021፡ 'ፕረዚደንት ድኻታት' ቦቢ ዋይን መን'ዩ?
ኣብ ኡጋንዳ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ተኻይዱ ኣይፈልጥን።
እቲ ካብ ኢንዳስትሪ ስነ ጥበብ ናብ ፖለቲካ ዝተጸምበረ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ሬጌ ፖፕ ቦቢ ዋይን ግን ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ክዕወት ሓያል ትጽቢት ኣሎ።
ቦቢ ዋይን ኣብቲ መረጻ ዝዕወት እንተኾይኑ ስልጣን እቲ ን35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ከብቅዕ እዩ።
ወዲ 38 ዓመት ሙዚቀኛ ኣባል ባይቶ ቦቢ ዋይን ትኽክለኛ ሽሙ ሮበርት ኪጉላኒ እዩ።
ኣብ ማእከላይ ኡጋንዳ ካኖኒ ኣብ እትብሃል ናይ ገጠር ከተማ ሰፍ ዘይብል ድጋፍ ኣለዎ። ትውልዲ ዓዱ እውን እያ።
ብኣብዝሓ ቀይሕ ክዳን ዝተኸደኑ (ብብዝሒ ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ) መናእሰይ ንዕኡ ዘለዎም ድጋፍ ንምርኣይ ብተደጋጋሚ ከቢቦምዎ ይርኣዩ።
ቦቢ ዋይን: ምስ ደገፍቱ ክራኸብ እንከሎ 'ፕሬዝደንት ድኻታት' ኢሎም እዮም ዝጽውዑዎ።
ኣብ ፕሬዝደንታዊ ውድድር ክሳተፍ ምስ ጀመረ: ቦቢ ጥይት ዝከላኸል ክዳንን ቆቢዕን ክገብር ጀሚሩ።
ብታሕሳስ መኪንኡ ብጥይት ተሃሪማ ንሕንጢጥ ተሳሒቱ።
በዚ ምኽንያት 'ህይወተይ ኣብ ሓደጋ እዩ' ኢሉ ክሓስብ ከም ዝጀመረ ይዛረብ።
ኣብ ካኖኒ ጎስጓስ መረጻ ኣብ ዘካየደሎም እዋናት ብዙሕ ግዜ ፖሊስ ጥይት ይትኩስን መንብዒ ትኪ ይጥቀምን ስለ ዝነበረ ቦቢ ዋይን ቅርትኡ ክገልጽ ጸኒሑ።
ናይዚ ምኽንያት ተሳተፍቲ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንዘየኽብሩ ሰባት ንምብታን ከም ዝኾነ ሰብ መዚ ይገልጹ።
ቦቢ ዋይን ግን እዚ ካልእ መገዲ ምጉልእላእ እዩ ኢሉ ይኣምን። እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ማዕበል ህዝቢ ስለ ዘሎ ክዕወት ኣይኽእልን ይብል።
"ሰባት ስቕ ኢሎም ኣይኮኑን ዝስዕቡኒ። ነቲ ኣነ ዝኽተሎ ሓሳብ እዮም ዝስዕቡ" ክብል ብ2019 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ ነይሩ።
"ኣነ ዝጀመርኩዎ ስለ ዘየለ ኣነ ኣይውድኦን። ኣነ ሓደ ካብቶም ዝሓሸ ነገር ዝደልዩ ሚሊዮናት ኡጋንዳውያን እየ" ።
ተበጻሕነት ኣገልግሎት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይን ፍትሕን ምዕባይ ዝብሉ ዕላማታት ኣብ ማኒፌስቶ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ሃገራዊ ሓድነት (ኤንዩፒ) ሰፊሩ ኣሎ።
እዚኦም ኩሎም ክፍጸሙ ዝኽእሉ ድማ ፕሬዝደንት ሙሴቬኒ ካብ ስልጣን ብምእላይ ጥራሕ እዩ ይብል።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታትን ልዕሊኡን ስራሕቲ ሙዚቃ ቦቢ ዋይን ነዞም ማሕበራዊ ጉዳያት ጠመተ ዝገበሩ ኮይኖም መጺኦም፤ ንብዙሓት ድማ ኣለዓዒሎም።
ገለ ሓቅታት መረጻ ኡጋንዳ
- 18.1 ሚልዮን ሰባት ድምጺ ንምሃብ ተመዝጊቦም ኣለው
- እቲ ሃገራዊ መረጻ 14 ጥሪ 2021 ክካየድ'ዩ
- 11 ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንት ንምዃን ክወዳደሩ'ዮም
- ሓንቲ ካብቶም ሕጹያት ተወዳደርቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና፤ ናንሲ ካሌምቤ ትብሃል
- ዩዌሪ ሙሴቬኒ ንሓሙሽተ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ መረጻታት ተወዳዲሩ ተዓዊቱ
- ሓደ ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣብቲ መረጻ ንክዕወት 51+1 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ ኣለዎ
- 529 ኣባላት ባይቶ ድማ ክምረጹ'ዮም
ምንጪ፡ ሓበሬታ ኮሚሽን መረጻ ኡጋንዳ
'ይርድኣና እዩ'
ጓል 23 ዓመት ተመሃሪት ሕጊ ማሪኖ ኪራቦ ሓንቲ ካብ ደገፍቱ ኮይና ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንምዃን ትንቀሳቐስ ኣላ።
"ናብ ፖለቲካ ቅድሚ ምእታው ጀሚሩ ንመናእሰይ ዝውክል ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ብሙዚቃታቱ ኣቢልካ መናእሰይ ዘጋጥሞም ዘሎ ማሕበራዊ ጉዳያት ክርዳእ ዝኽእል ሰብ ምዃኑ ትፈልጦ፤ ብፍላይ ከኣ ናይ ድኻታት መናእሰይ ጸገም" ትብል።
ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ብ1986 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ቦቢ ዋይን ኣብ ገጠር ካኖኒ ዝነብር ወዲ 4 ዓመት ህጻን እዩ ነይሩ።
ማእከላይ ኡጋንዳ ዕርዲ እቲ ንፕሬዝደንት ሙሴቬኒ ናብ ስልጣን ዘምጽአ ሃገራዊ ሰራዊት ተቓውሞ [ኛሽናል ዚዝተንስ ኣርሚ] ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ክንፊ ተቓውሞ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ኣቦ ሓጉኡ ንቦቢ ዋይን ዮዜፉ ዋላኪራ ኣባል ዝተፈላዩ ዓመጻት'ኳ እንተነበረ ኣብቲ ግጭት ዝነበረሉ እዋን ንሙሴቬኒ ኣብ ገዝኡ የዕቑቦ ነይሩ።
ዋላኪራ ኣብ ግዜ እቲ ኵናት ሓድሕድ ቖሲሉ ክመውት እንከሎ: መንበሪ ገዝኡ'ውን ብቦንባ ተሃሪሙ ሰለስተ ኣባላት ስድርኡ ተቐቲሎም'ዮም።
ድሕሪኡ ስድራ ቦቢ ዋይን ናብ ካምፓላ መጺኦም። ኣዲኡ ማርጋሬት ናሉንኩማ ነርስ ኮይና ፍልጥቲ ጾማቍት ዋይን እውን እያ።
ኣብ ሻውል ካምዎክያ መሬት ዓዲጋ፤ ቦቢ'ውን ሕጂ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ሙዚቃ ስቱድይኡ ኣብኡ ከፊቱ።
መባእታውን ካልኣይ ብርክን ትምህርቱ ካብቲ ዝዓበየሉ ሻውል ብዙሕ ዝርሕቁ ኣይነበሩን።
ቖልዓ ኮይኑ ፍቕሪ ጥበብ ዝሓደሮ ቦቢ: ናብ ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ኣትዩ ማሕበራዊ ሳይንስ ቐዳማይ ዲግሪ ከጽንዕ ጀሚሩ ነይሩ።
ድሕሪ ሓደ ሰሚስተር ግን ናብ ሙዚቃ፣ ተልሂትን ድራማን ብምቕያር ብ2003 ብዲፕሎማ ተመሪቑ።
ህቡብ ሙዚቀኛ ሬጌ ቦቢ ዋይን ብ2019 ዓ.ም'ዩ ናብ ፖለቲካ ተጸምቢሩ።
"ኩሉ ብናይ ሙዚቃ ስርሐይ ኣቢልኩም ትፈልጡዎ ኢኹም፤ ሰባት ብዛዕባ ዝሓልፉዎም ዘለው ጸገማት እየ ክደርፍ ጸኒሐ። እዚ ማለት ብሙዚቃዊ ስረሓት ኣቢለ ይጉስጉስ ነይረ ማለት'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ'ዩ።
'ቱሊያምባላላ ኢንጉሌ' (ዘውዲ ዓወት ክንደፍእ ኣለና) ዝተሰምየት ሙዚቃ ቦቢ ዋይን ሓንቲ ካብተን ብወግዒ ዘይተኣወጃ መዝሙራት ጎስጓስ ኮይና እያ።
ቦቢ፡ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ብ2019 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕትት "ሓደ ክቡር ወያናይ፡ ስለምንታይ ኣብ ዓለም ካብ ሞንጎ ዝነዓቑ ውልቀ መለኽቲ ክኸውን ወሲኑ?" ክብል ንመነሓንሕቱ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ነቒፉ ነይሩ።
"ይኹን'ምበር እዚ ሕጂ ኩላትና እንብሎ ዘለና ሙሴቬኒ'ውን ኣብ ናትና ዕድመ እንከሎ ዝብሎ ዝነበረ ስለ ዝኸነ ንኹላትና ትምህርቲ'ዩ። ስለ ዝኾነ እዚ ንርእስና ጥራሕ ከድሕኑና ዝኽእሉ ትካላት ናይ ምህናጽ ሓሳብ ጥራሕ ዘይምዃኑ ክንዝግዖ የብልናን"።
ኣብ ሞንጎ እቲ መንእሰይ ሰሓቢ፣ ጠንካራን መለዓዓልን ዩዌሪ ሙሴቬንን ናይ ሎሚ ቦቢ ዋይንን ዘሎ ንጽጽር ብቐሊሉ ክትሰግሮ ዝክኣል ኣይኮነን።
እቲ ብ41 ዓመቱ ኮማንደር ዓመጽ ኮይኑ ስልጣን ዝጨበ ፕሬዝደንት፡ ንኡጋንዳውያን ዝሓሸ ድሕነት፣ ጠንካራ ቑጠባን ብሉጽ መጻኢን ከም ዘረጋግጽ ቃል ይኣቱ ነይሩ።
ሕጂ ድማ፡ እቲ ሎሚ ተነሓናሒኡ ኮይኑ መጺኡ ዘሎ መንእሰይ ህዝባውነት ዘጥቅዖን ተመሳሳሊ ስሕተት ከይፍጽምን ዝሰግኡ ኣለው።
ኣብ ኬንያ እትርከብ ሕጂ 'ናይ ፖለቲካ ስደተኛ' ከም ዝኾነት እትዛረብ፡ ነጣፊት ጓል 24 ዓመት ሲፔሪያ ሞሊ ኣብ ቦቢ ዋይን ተስፋ ኣይትገብርን።
ብ2019፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ይካየዱ ኣብ ዝነበሩ ተቓውሞታት ተመሃሮ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት እያ።
በዚ ምኽንያት ብወተሃደራት ተጨውያ ተወሲዳ ነብሳ ክሳብ እትስሕት ከቢድ ማህረምቲ ከም ዝበጽሓ ትዛረብ።
'ስነ ሓሳብ ይሓጽሮ'ዩ'
ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ኣባል ሰልፊ ቦቢ ዋይን ኮይና ነይራ፤ እንተኾነ "ናይ ስነ ሓሳብ ሕጽረት ኣለዎ እዩ" ኢላ ስለ ዝኣመነት ወጺኣ።
"ፕሬዝደት ምስ ኾነ ብዛዕባ ዝህልዎ ፖሊሲ ቑጠባ ተሓቲቱ" ትብል ብሓምለ 2020 ንሓደ ሬድዮ እታ ሃገር ዝሃቦ ቃለ መሕትት ብምዝኽኻር።
"ኣብ የማን ወይ ጸጋም ዋልታ ስነ ሓሳብ ዲኻ ዘለኻ ተባሂሉ ተሓቲቱ'ዩ፤ ግን ድማ ሓደን ሓደን ኣይበለን። ውጽኢት ዘምጽአልና ሒዝና ክንቅጽል ኢና ኢሉ። እዚ ኸኣ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን" ኢላ።
ኣብ ካኖኒ ካብ ዝረኽቦ ደገፍ ሰዓብቱ ወጻእ፡ ተቐባልነት ቦቢ ዋይን ክሳብ ክንደይ'ዩ፣ እቲ ዝርኣይ ናይ መናእሰይ ደገፍከ ኣብ እዋን መረጻ ናብ ድምጺ ክቕየር ድዩ ዝብል ርግጸኛ ምዃን ኣይክኣልን።
ቑጽሪ ንክመርጹ ዝተመዝገቡን ዝህቡዎ ድምጽን ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።
ኣብ ኡጋንዳ ተሓጋጋዚ ዳህሳስ ኣፍሮባሮሜትር ፍራንሲስ ኪቢሪጌ ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ ኡጋንዳ ዝካየዱ መረጻታት ከጽንዕ ጸኒሑ።
ቦቢ ዋይን ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬንን ሰልፊ ኤንኣርኤምን ቅድሚ ኢሎም ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ዝረኸቡዎ ዓብላሊ ድምጺ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣለዎ'ዶ ዝብል ሕጂ'ውን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ'ዩ ይብል።
ደገፍቲ ሰልፊ ኤንኣርኤም፡ ነቲ ውድብ ኮነ ነቲ ፕሬዝደንት ከም "መውሓስቲ ሰላም" ገይሮም ስለዝርእዩዎ ሰልፊ ቦቢ ዋይን ኤንዩፒ ከኣ ነዚ ኣሰኒፉ ንምውጻእ እኹል ስራሕቲ ኣይሰርሐን ኢሉ።
ካብ ሕሉፍ ሓሙሽተ መረጻታት ብዝተፈለየ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ፣ ሚዲያን ተሓለቕቲ ሲቪክ ማሕበረሰብን ብዝበጽሑ መጥቃዕታት ክሲ ክቐርበሉ ተራእዩ።
ብሕዳር 2020፡ ብምኽንያት ማእሰርቲ ቦቢ ዋይን ኣብ ዝተኻየደ ዓመጽ ደገፍቱ ፖሊስን ወተሃደራትን 54 ሰባት ቐቲሎም'ዮም።
ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ልዕሊ ፍትሓውነት እቲ መረጻ ሕቶ ዘልዕሉ ብዙሓት ኣለው።
ቦቢ ዋይን ግን፡ ዝኾነ ይኹን ሰባት ድምጾም ብምሃብ ኣብቲ መረጻ ክሳተፉ የተባብዕ።
"ህዝቢ ኡጋንዳ ኣብ ጎንና ስለ ዝኾነ ሰብ ርእሰ ተኣማንነት ኢና። ታሪኽ'ውን ኣብ ጎንና ስለ ዝኾነት ሙሴቬኒ ክስዓር'ዩ" ክብል ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ተዛሪቡ ነይሩ።