ብዛዕባ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኡጋንዳ እንታይ ትፈልጡ?

ኡጋንዳውያን ጥሪ 14 ፕረዚደንቶም ክመርጹ ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ። ቀንዲ ተነሓናሕቲ እቲ መረጻ ኮይኖም ቀሪቦም ዘለዉ ድማ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዩዌሪ ሙሰቨኒን ቦቢ ዋይንን እዮም።