ዓብዪ ፒራሚድ፡ ንዓመታት ጠፊኡ ዝነበረ ቕርሲ ግብጺ ኣብ ናይ ሽጋራ ባኮ ተረኺቡ

ፍንጫል ዕንጸይቲ ሓድጊ ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, IMAGE COPYRIGHTUNIVERSITY OF ABERDEEN

ንዓመታት ጠፊኡ ዝጸንሐ ሓድጊ (ውርሻ) ግብጺ፡ ኣብ ስኮትላንድ ከተማ ኣበርዴን ኣብ ናይ ሽጋራ ካርቶን ተረኺቡ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣፈርዴን ዘለው ሓድግታት ንምግምጋም ኣብ ዝነበረ ምትእኽኻብ'ዩ ብሓንቲ ኣባል እቲ ዩኒቨርሲቲ ክርከብ ክኢሉ።

ሓደ ንኡሽቶ ፍንጫል ናይዚ ሓድጊ 5 ሽሕ ዓመት ዝገበረ ዕንጸይቲ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ብርክት ዝበሉ ክፋላት ተበታቲኑ ክርከብ እንከሎ "ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ተባሂሉ።

እዚ ዕንጸይቲ ብ1872፡ ኢንጅነር ዋይንማን ዲክሰን ኣብ ውሽጢ ፒራሚድ ንግስታት ቻምበር ካብ ሞንጎ ዝረኸቦም ሓድግታት ሓደ'ዩ።

እዚ ቑራጽ ተኽሊ ሲዳር፡ ኣብ እዋን ህንጸት ፒራሚዳታት ግብጺ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ ይእመነሉ። ብ1946 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ነቲ ዩኒቨርሲቲ ብልግሲ'ኳ ተዋሂቡ እንተጸንሐ ኣበይ ከም ዘሎ ግን ክፍለጥ ኣይተኽኣለን ጸኒሑ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተኣከቡ ሓድግታት ገምጋም እንትካየድ፡ ሰራሕተኛ ቤተመዘክር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝኾነት ኣቤር ኡልዳኒ ረኺባቶ።

ኣቤር ግብጻዊት ኮይና፡ ን10 ዓመታት ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ግብጺ ሰሪሓ።

"ቑጽሪ ኣብ መዝገብ ግብጺ ዘለው ሓድግታት ምስረኣኹ፡ ሽዑ ንሽዑ እንታይ ከም ዝነበረን ኣብ ዝተጋገየ ቦታ ከም ዝተሓብአን ፈሊጠ። በዓልቲ ሞያ ስነ ኳዕቲ'የ፤ ግን ድማ ሓደ ኣዝዩ ጠቓሚ ውርሻ ሃገረይ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ስኮትላንድ ክህሉ እዩ ኢለ ገሚተ ኣይፈልጥን" ትብል።

ኣቤር ኡልዳኒ

ምንጪ ስእሊ, UNIVERSITY OF ABERDEEN

መግለጺ ስእሊ, ኣቤር ኡልዳኒ

ወሲኻ፡ "ንኡሽቶ ፍንጫል ዕንጸይቲ ክመስል ይኽአል'ዩ፤ ግን ድማ ንዓብዪ ፒራሚድ ግብጺ ብዝምልከት ካብ ዘለው ሰለስተ ናውታት እቲ ሓደን ኣዝዩ ኣገዳስን'ዩ" ኢላ።

እቶም ካልኦት ክልተ ዓረርን መንጠልጠልን ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤተ መዘክር ብሪጣኒያ ይርከቡ።

እቲ ዕንጸይቲ፡ ኣብ 3341 ክሳብ 3094 ቢሲ ዝነበረ'ዩ ተባሂሉ ይእመን። ንዓመታት ዝጠፍአ ሓድጊ ግብጺ ኣብ ኣበርዴን ኣብ ናይ ሲጋራ ካርቱን ተረኸኢቡ