እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደ ኣባል ኣልሸባብ ኣብ ኣመሪካ ከምቲ ናይ ‘9/11’ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካየድ ወጥን ነይርዎ ተባሂሉ
ኣብ ፊሊፒንስ በረራ ነፋሪት ዝተማህረ ኬንያዊ ዜጋ፡ ነፋሪት ጨውዩ ምስ ሓደ ነዊሕ ህንጻ ኣመሪካ ከጋጭዋ ውጥን ነይርዎ ብዝብል ተኺሲሱ።
እዚ ቾሎ ኣብዲ ዓብደላ ዝተባህለ ሰብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ብረት ዝተሓሐዝ ክሲ ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ሰብ ነታ ነፋሪት ኣበነይቲ ከተማ ኣመሪካ ከምዘዕለባ ሓበሬታ ኣይሃቡን።
ብመሰረት ትካለ መርመራ ገበን ኣመሪካ: ኤፍቢኣይ፡ እቲ ሰብ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልሸባብ መምርሒታት ይወሃቦ ከምዝነበረ ገሊጾም።
ቾሎ ኣብዲ ዓብደላ፡ ነቲ ዝተመስረተሉ ክሲ ከምዝተቐበሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ጉዳይ ዓብደላ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ከምዝስማዕን፡ ክሳብ ሽዑ ኣብ ቀይዲ ከምዝጸንሕን ጠበቕኡ ኣፍሊጡ።
ዓብደላ ወዲ 30 ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ'ዩ ካብ ፊሊፒንስ ናብ ኣመሪካ ተሰጋጊሩ። ንሱ፡ ብሽበራን ዜጋታት ኣመሪካ ክትቐትል ሓሲቡን ዝብሉ ክሲታት ተመስሪትዎ'ሎ።
ሰብመዚ ከምዝሓበርዎ፡ ዓብደላ፡ ኣብ 2016 ኣብ ፍሊፒንስ ኣብ ዝርከብ ቤት-ትምርቲ በረራ ነፋሪት ክምሃር ከምዝተመዝገበን፡ ነፋሪት ከብርር ፍቓድ ዘውህብ እኹል ነጥቢ ከምዘምጸአን ሓቢሮም።
''ቀንዲ ዕላማ እቲ ስልጠና ከምቲ ኣብ 2001 ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ድልየት ስለዝነበሮ ጥራይ'ዩ'' ክብሊ ገሊጾም።
ኣብ መስከረም 2001፡ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ግበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ነይሩ። እቶም ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ናይ መጓዕዝያ ነፈርቲ ተጠቒሞም ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከባ ዝነውሐ መናቱ ሕንጻታት ኣጋጭዮመን። በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 3000 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።
ሶማላዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓያለ መጥቃዕትታት ኣካይዱ'ዩ።