እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ኣብ እተማዕብሎ ኒኩሌሳዊ ጸዓት፡ ንተቖጻጸርቲ ሕቡራት ሃገራት ከምዘይተፍቅድ ኣፍሊጣ
ኢራን፡ ናብ መደበር ኒኩሌር ሃገራ ተቖጻጸርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይኣትው ጠጠው ንምባልን ምምዕባል ዩራኒየም ዝፈቅድን ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ።
እዚ ሕጊ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተደንገጉ ማዕቀባት ክፎኹሱ እንተዘይተገይሩ፡ 3.6 ሚእታዊት ዝነበረ ምምዕባል ዩራኒየም ናብ 20 ሚእታዊት ሓፍ ከተብሎ ዘፍቅድ'ዩ።
ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሮሓኒ ንተግባራውነት እቲ ሕጊ ከም ዝተቓወሞ ገሊጹ።
ኢራን፡ ላዕለዋይ ተመራማሪ ኒኩሌር ሃገራ ሞህሰን ፋክህሪዛዴክ ሚስጢራዊ ብዝኾነ መገዲ ድሕሪ ምቕታሉ'ያ ነዚ ሕጊ ተተኣታቱ ዘላ።
ንሱ፡ ብእስራኤልን ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዝርከብ ተቓዋሚ ሰልፍን ብርሕቀት ብእትቆጻጸሮ ኣጽዋር'ዩ ተቐቲሉ ኢላ ትኣምን።
ፋክህሪዛዴክ፡ ኣብ ምምዕባል ፕሮግራም ኒኩሌር ኢራን ዓብዪ ተራ ዝነበሮ ኮይኑ፡ መንግስቲ እታ ሃገር እዚ መደብ ሰላማዊ እዩ ይብል።
ይኹን'ምበር፡ ኢራን ብምኽንያት ፕሮግራም ኒኩሌር ግዳይ ማዕቀባት ሃገራት ምዕራብ ኮይና እያ።
በዚ ባይቶ ኢራን ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ እምበኣር፡ ኣብ 2015 ኣብ ጉዳይ ኒኩሌር ኢራን ስምምዕ ዝፈረማ ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ኣብ ነዳድን ፋይናንሳዊ ትካላትን ኢራን ዝተደንገገ ማዕቀባት ከፍኩሳ ይጠልብ። ግዜ ገደብ ክልተ ወርሒ ድማ ሂባ ኣላ።
ኣመሪካ፡ ብ2018 ነዚ ስምምዕ ነጺጋቶ'ያ፤ ኣብ ልዕሊ አራን'ውን ቁጠባዊ ማዕቀባት ደንጊጋ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተባህለ ግዜ እቶም ማዕቀባት ክፎኽሱ እንተዘይክኢሎም ግን፡ መንግስቲ እቲ ምምዕባል ዩራኒየም ናብ 20 ሚኢታዊት ከዕብዮን ተቖጻጸርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይኣትው ክእግድን'ዩ።
ዝተሓተ መጠን ምምዕባል ዩራኒየም ካብ 3 ክሳብ 5 ሚኢታዊት ኮይኑ፡ ሓይሊ መመንጨዪ ነዳዲ ንምፍራይ ይጠቅም።
ኣጽዋር ንምስራሕ እንተኾይኑ ድማ፡ ዓቐን እቲ ዩራኒየም ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ክኸውን ኣለዎ።
ፕሬዝደንት ሮውሃኒ ግን፡ እዚ ሕጊ "ንዲፕሎማሲ ዝሃሲ'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።
ኢራን፡ እቲ ፕሮግራም ኒኩሌር ቦንባ ኒኩሌር ንምስራሕ ሽፋን ትጥቀመሉ ኣላ ኢለን ዝጥርጥርኣ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብ2010 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ማዕቀብ ኣንቢረናላ እየን።