እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሕቲ ትግራይ ምስ መንጎኛታትን ሰብመዚ ኢትዮጵያን ክዘራረቡ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጾም
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን ክላዘብ ዝኽእል ወኪል ከምዝመዘዘ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ'ዩ እቲ መግለጺ ተዋሂቡ።
ፕረዚደንት ሞዛምቢክ ነበር ዮአኪም ቺሳኖ፣ ፕረዚደንት ላይቤሪያ ነበር ኤለን ሰርሊፍ ጆንሰንን ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኻሌማ ሞትላንቴን ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተራኺቦም ኣለዉ።
ኣማኻሪ ጉዳያት ፖለቲካ መራሒ ክልል ትግራይ ዝኾነ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዝዓበየ ሻቕሎትና ብዛዕባ ውሕስነት ናይቶም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለዉ ይኹኑ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዘለዉ ሲቪላውያን እዩ" ኢሉ።
እቲ ተመዚዙ ዘሎ ወኪል፡ ብዛዕባ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ውሕስነት ኩሎም ሲቪላውያንን፡ ምኽፋት መንገዲ ንሰብኣዊ ረዲኤትን ተላዚቡ ክውስን ስልጣን ከምዘለዎ'ውን ጠቒሱ።
"ብዛዕባ ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዒ፡ ገበናት ኲናትን ምግሃስ ዓለምለኻዊ ሕግን ብናይ ወጻኢ ወገናት ብናጻ ክምርመር" ከም ዝጠልቡ'ውን ኣቶ ጌታቸው ጸዊዑ።
እቲ ተመዚዙ ዘሎ ወኪል መን ምዃኑን ኣበይ ከምዘሎን ግን እቲ መግለጺ ኣይጠቐሰን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ብዛዕባ ምስቲ ጉጅለ ልኡኽ ዝገበሮ ዝርርብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንተገዳስነት ናይቲ ነቲ ልኡኽ ዝሰደደ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ብምምስጋን፡ ነቲ ጉዳይ ብወታሃደራዊ ኣገባብ ክወስዶ "ቅዋማዊ ግዴታ" ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ፡ ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ፈተነታት ከምዘካየደ ብምግላጽ፡ "እቲ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተወስደ መጥቃዕቲ፡ ብገበናዊ ሕጊ ኢትዮጵያ ክሕደት ሃገር ምዃኑ" ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝተገደደ ተዛሪቡ።
ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክበጽሕ ከምዘፍቅድን፡ ነቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ስደተኛታት ከምዝቕበልን ግን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ።