ንኣማሓዳሪት ክፍለሃገር አመሪካ ክጨውዩ ዝወጠኑ ምልሻ ተታሒዞም

ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ መርመራ ኣመሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ)፡ ንኣማሓዳሪት ግዝአት ሚሽጋን ግሪንዊች ዊትመር ክጨውዩ ሓሲቦም ዝነበሩ ምሊሻ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እዛ ኣባል ሰልፊ ደሞክራት ኣማሓዳሪት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ጸኑዕ ስጉምቲ ብምወሳዳ ኣብ ዒላማ እዞም ምሊሻ ከምዝኣተወት ይግለጽ።

ሰበ ስልጣን እታ ክፍለሃገር ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ናይ ምጭዋይ ትልሚ ብ6 ሰብኡት ከምዝተዳለወን፡ ነታ ኣማሓዳሪት ሒዞም ድማ ኣብ ናይ ክሕደት ፍርዲ ከቕርብዋ ድልየት ከምዝነበሮምን ገሊጾም።

ንሳ፡ ኣብ ሚሺጋን "ጽልኢ፡ ድርቅና ከምኡ'ውን ዓመጽ" ቦታ ከምዘይብሉ ድሕሪ ምሕባር፡ ነቶም ተኸሲሶም ዘለው ሰብኡት "ክፉኣት" ክትብል ገሊጻቶም።

እቲ ውጥን ከመይ ነይሩ?

ካብ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ኣብ ሚሺጋን ዝመደበሩ ምሊሻ ኣብ ኦሃዮ ኣኼባ ከምዝገበረን፡ ንቕዋም ኣመሪካ ዝጥሕሱ ኣመሓደርቲ ካብ ስልጣን ክኣልይዎም ከምዝወጠኑን ይግለጽ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳፈ ሰላዪ ኣባል ኤፍ.ቢ.ኣይ "ዝበዝሑ ኣባላት እቶም ምሊሻ ውልቀ መለኽቲ ንዝበሎዎም ክቕትሉ ከምዝተሰማምዑ" ተዛሪቦም ይብል።

እቶም ሰብኡት ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ገዛ ከምዝተራኸቡ እቶም መርመርቲ ሓቢሮም። ንሶም፡ ዝተዛረብዎ ዘረባ ንደገ ከይወጽእ ንሞባይሎም ኣብ ካልእ ገዛ ኣቐሚጦም ክኣትው እንከለው፡ እቲ ኣባል ኤፍ.ቢ.ኣይ ግን ምስጢራዊ መቕድሒ መሳርሒ ሒዙ ኣትዩ።

በዚ መሰረት ክሳብ ሕጂ 13 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።

ካብዚኦም እቶም 6 ሰብኡት ካብ ሚሺጋን ክኾኑ እንከው፡ እቲ ሓደ ድማ ካብ ከተማ ደለዌር እዩ።

እዞም ሰብኡት፡ ናይ ጭውያ መደብ ከምኡ'ውን ኣንጻር እታ ኣማሓዳሪት ናይ ክሕደት ፍርዲ ወጢንኩም ብዝብል እዮም ተኸሲሶም ዘለው።

ዝተረፉ 7 ሰባት ድማ፡ ብግበረሽበራን ምስ ጉጅለ ገበነኛታት ርክብ ነይሩኩም ብዝብል ተኺሲሶም።

እቶም ምሊሻ፡ ከባቢ 200 ሰብኡት ኣኪቦም ነቲ ምምሕዳር ክፍለሃገር ክወሩን፡ ነታ ኣማሓዳሪት ሓዊስካ ጅሆ ክሕዝዎምን ሓሳብ ነይርዎም።

እቲ ውጥን፡ ቅድሚ'ዚ ናይ ሕጂ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክኸውን ተሓሲቡ ነይሩ። እዚ እንተዘይሰሚሩ ድማ፡ ነታ ኣማሓዳሪት ክቐትሉዋ መደብ ሒዞም ከምዝነበሩ እቶም ሰብ-መዚ ሓቢሮም።