ሜላኒያ ትራምፕ ኣብ ትውልዲ ሃገራ ሓወልቲ ተተኺሉላ

ቀዳመይቲ እመቤት ሜላኒያ ትራምፕ ኣብ ትውልድ ሃገራ ስሎቬኒያ ሓወልቲ ተተኺሉላ።

ቅድሚ ሕጂ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ተተኺሉላ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሓደ ብተግባራት በዓል ቤታ ትራምፕ ዝተበሳጨወ ክኸውን ዝኽእል ሰብ ሓዊ ስለዘእተወሉ፡ ዓሚ ተቓጺሉ።

እዚ ሕጂ ብነሓስ ተሰሪሑ ዝበሃል ዘሎ ሓወልቲ ከኣ መተካእትኡ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሓወልቲ ምስሊ እታ እመቤት ከምዘይነበሮን እዚ ዳሕረዋይ ግን ዝሓሸ ምዃኑን ይዛረቡ።

በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሜላኒያ ትራምፕ፡ ብ1970 ሰቭኒካ ኣብ ዝተባህለ ከተማ ስሎቬኒያ እያ ተወሊዳ። ኣብቲ እዋን እቲ ስሎቬኒያ ኣካል ግዝኣት ዩጎዝላቪያ እያ ነይራ።

እቲ ስሎቬኒያዊ ቀራጺ ሓወልቲ እቲ ሓወልቲ ኣብ ዝተተኽለሉ እዋን "ሎሚ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተቓጸለ ሓወልቲ ንምትካእ ኢና ኣብዚ ተራኺብና ዘሎና" ክብል ንአሶሲየትድ ፕሬስ ሓቢሩ።

ዶናልድ ትራምፕ ብ2016 ፕረዚደንት ኣመሪካ ድሕሪ ምዃኑ፡ ብዙሓት ቱሪስት ሓወልቲ እታ ቀዳማዊት እመቤት ክርእዩ ናብታ ከተማ ክውሕዙ ጀሚሮም ነይሮም።

ኣብ እዋን እቲ ምረቓ እቶም ነበርቲ ዶናልድ ትራምፕ ዝፈትውዎ ዓይነት በርገርን ምስሊ ሜላንያ ዘለዎ ካናቴራን ተኸዲኖም ነይሮም።

ሜላኒያ ብ1996 እያ ናይ ፋሺን ሞዴል ኮይና ንኣመሪካ ኣትያ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ከኣ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሓደ ናይ ምዝንጋዕ ፓርቲ ተራኺቦም ተላልዮም ኣብ 2005 ከኣ ተመርዕዮም።

ኣብ ዓመቱ ባሮን ዝሰመዩዎ ቖልዓ ወሊዶም። ሜላኒያ ትራምፕ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ተወለዲን ቀዳማዊት እመቤት ኣመሪካ ካብ ዝኾና ካልአይቲ እያ።