ጥምረት ሓይልታት ፌደራሊስት ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰላምን ድሕነት ሃገርን ክምስረት ጸዊዑ

ኢትዮጵያ ኣትያቶ ካብ ዘላ 'ፖለቲካዊ ቅልውላው' ክትወጽእ ባይቶ ሰላምን ድሕነት ሃገርን ክምስረት፡ ጥምረት ሓይልታት ፌደራሊስት ጸዊዑ።
ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ፍቓድ መንግስቲ ፌደራል ወጻኢ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝተዓወተ ህወሓት ሓዊሱ ካልኦት ውድባት ብኣባልነት ዝሓቖፈ እቲ ጥምረት፡ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ናብ ውልቀ መልኪ ይቕየር ከምዘሎን ተቓውሞ ዘስምዑ ዜጋታትን ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባትን ግዳይ ማእሰርቲ ይኾኑ ከምዘለዉን ጠቒሱ።
ቁጠባ እታ ሃገር ናብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዝወረደን ናይታ ሃገር ናይ ፖሊሲ ናጻነት ካብ ቁጽጽር ይወጽእ ከምዘሎን ዝሓበረ እቲ ጥምረት፡ ሽቅለት ኣልቦነትን ቁጠባዊ ዝቕባበን ነቲ ዝጸንሐ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸገማት የጋድዶ ከምዘሎ ሓቢሩ።
"እቲ ኩነታት እንተቐጺሉ እታ ሃገር ናብ ዘይተወጾ ቅልውላው" ከምእትኣቱ ብምሕባር "ናይ ምብትታትን" ሓደጋ ከጋጥማ ከምዝኽእል'ውን ኣብቲ ትማሊ ብቴሌቪዥን ትግራይ ዘሕለፎ መግለጺ ገሊጹ።
እቲ ጥምረት ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ፌደራል "ንሰላማዊ ስግግር" ክዳለውን ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታትን መራሕቲ ፖለቲካን ክፍትሑን ጸዊዑ።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ መረጻ ኢትዮጵያ ክናዋሕን ኣብያተ ምኽሪ ክልልላትን ፌደራልን ስረሖም ክቕጽሉን ከምዝወሰነ ይፍለጥ።
እቲ ውሳነ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ከብቅዕ ዘለዎ ስልጣን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘናውሕ'ዩ። መንግስታት ናይተን 9 ክልላት'ውን በቲ ውሳነ እብረ ስልጣኖም ተናዊሑ እዩ።
ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ኣለዉ ዝበሎም ሓይሊታት ወጻኢ ብፍላይ ድማ ኤርትራ ካብታ ሃገር ክወጹ፣ ኩሎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ተወከልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝባዊ ማሕበራትን ዝሓቖፈ ጉባኤ ሃገራዊ ድሕነት ክጣየስን ንፖለቲካዊ ጸገማት እታ ሃገር ዝፈትሑ ኣንፈታት ከቐምጥን ጠሊቡ ኣሎ።
እቲ ጥምረት ሓይልታት ፌደራሊስት፡ ኣብ ዘበነ ስልጣን ኢህወዴግን ድሕሪ መጋቢት 2010 (2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ) ዝተፈጸሙ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ብዘይሻራዊኛ ኣካል ክጻረዩን፡ እታ ሃገር ካብቲ ኣትያቶ ኣላ ዝበሎ ጸገም ክትወጽእ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ሓገዝ ክግበርን ጸዊዑ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







