እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መረፃ ትግራይ 2012: ህወሓት ብዓብላሊ ድምፂ ተዓዊቱ
ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ዝተካደ ክልላዊ ምርጫ ውድብ ህወሓት ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት
- 1ይ ውድብ ህወሓት - 2, 590, 620
- 2ይ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) - 20, 839
- 3ይ ውድብ ናፅነት ትግራይ - 18, 479
- 4ይ ውድብ ሳልሳይ ወያነ - 7, 136
- 5ይ ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባ: 774 ድምፂ ህዝቢ ከምዝረኸቡ ኮምሽን ኮምሽን መረፃ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ህወሓት: እቲ 80 ኢድ ሚኢታዊ ዝሕዝ 152 መንበር ረኺቡ።
እቲ ዝተረፈ 20 ምኢታዊት (38 መናብር ) ድማ እቶም ኣብቲ መረፃ ዝተነሓንሑ ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባት ብዝረኽብዎ ድምፂ ዝማቐልዎ እዩ።
እዚ ኣብ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መረጻ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 355/2012 "ዓንቀጽ 3 (1) (ሀ) ብመሰረት ሕገመንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ስርዓት መረጻ ተመዓዳዳዊ ሓንፈጽ ስርዓት መረጻ ይኸውን" ይብል።
ብተወሳኺ "ዓንቀጽ 3 (1) (ለ) ብሕጊ ካብ ዝተወሰነ ቁጽሪ ኣባላት ቤት ምኽሪ 80 ሚኢታዊት ተወዳደርቲ ብኣብዝሓ ድምጺ ሰዓርቲ ብዝኾኑሉ ስርዓት መረጻ ዝተሓዙ ኮይኖም ካብዚኣቶም ጠቕላላ ወናብር 20 ሚኢታዊት ድማ ተወዳደርቲ ውድባት ፖለቲካ ዝተዓሸገ ዝርዝር ሕጹያት ውድብ ብምቕራብ ንተመጣጣኒ መረጻ ዝተመደቡ ወናብር ኣብ ዝርዝር ክፍፍል መቐመጢ ብዝተቐመጠ መመዘኒ ይከፋፈሉ" ብምባል የነጽር።
ኣብ ከተማ ዓድዋ ንህወሓት ወኪሎም ዝቐረቡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል: 59,369:
ኣብ መቐለ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም: 154,226: ኣብ ኣላማጣ ኣይተ ጌታቸው ረዳ: 94,836
ኣብ መቐለ: ኣቦ መንበር ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ: 12,048
ኣብ ቦራ ሰለዋ: ኣቦ መንበር ውድብ ሳልሳይ ወያነ: ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ: 109
ኣብ ዓዲግራት: ኣቦ መንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ: ኣይተ ግርማይ በርሀ: 1,703
ኣብ ዓሊቴና: ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ውድብ ዓሲምባ ኣይተ ዶሪ ኣስገዶም: 156 ድምፂ ከምዝረኸቡ ካብ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ተገሊጹ ዘሎ ውጽኢት መባእታዊ ከምዝኾነ ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ኣዘኻኺሩ'ሎ።
ባይቶ ፈደረሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ: ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረፃ ካብ ብቐደሙ ክካየድ ዘይነበሮን ውድቂ እዩ ዝብል ውሳነ ከምዘሕለፈ ይፍለጥ።