ኣብ ትግራይ 'ዘይሕጋዊ ሰልፊ ከካይዱ ተታሒዞም' ዝተባህሉ መንእሰያት ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም

ፖሊስ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ፡ ኣብ ከተማ መቐለ 'ዘይሕጋዊ ሰልፊ' ከካይዱ ሒዘዮም ዝበሎም 9 መንእሰያት ብሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም።

ጉዳዮም ኣብ ዕጽው ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ወያነ ዝተራእየ ኮይኑ፡ ፖሊስ ኣጻርዩ ተወሳኺ መረዳእታ ንምቕራብ ብመሰረት ዝሓተቶ ግዜ፡ ን 17 ሓምለ 2012 ዓ.ም ተወሳኺ ቖጸራ ተዋሂብዎም።

ፖሊስ፡ ነዞም ተጠርጠርቲ ዘይሕጋዊ ሰልፊ ከካይዱ ሒዘዮም ይብል።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ መቐለ 9 መናእሰይ፡ ዘይሕጋዊ ምልዕዓል ከተካይዱ ወጢንኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ይዝከር።

ፖሊስ ከተማ መቐለ ከም ዝበሎ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ “ዘይሕጋዊ ሰልፊ” ከካይዱ ፈቲኖም ተባሂሎም’ዮም ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም።

ህዝቢ ትግራይ ሓራ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ፡ ህወሓት “ካብ ስሩ ክንቀል ኣለዎ” ዝብል ጭርሖታት ከዳልዉ ከም ዝተረኽቡ ፖሊስ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቶም መንእሰያት ምስ ሓደ “ፈንቅል” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣንጻር ህወሓት ከም ዝንቀሳቐስ ዝገልጽ ጉጅለ ርክብ ኣለዎም ንዝብል ጸብጻብ ግን፡ ኣባላቱ ከምዘይኮኑ ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለው ሰባት ዝተረኽ ሓበሬታ የለን።