ኤርትራውያን ብዛዕባ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይቀያየር ኣሎ።

ንዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ዘወገደ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፤ ኣብ ፈቐዶ ገጠራት ኢትዮጵያ ተጓሃሃሩ፡ ፖለቲካዊ ለውጢ 2018 ክውን ዝገበረ ኣብያ መንእሰያት ኢትዮጵያ፤ ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈን ዘመዛበለን ዓሌታዊ ኩናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን ምርግግኡ፤ ብሼክ ሃንድስ (ሰላማዊ ምጭብባጥ) ዝፍለጥ ዕርቀ ሰላም ፖለተካዊ ውድባት ኬንያ፤ ኣብ ሓምለ 2018፡ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብዘይ ቅድመ ኩነት ብምቕባል ዝተፈትሐ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ብኣብነት ዝጥቀሱ ዞባዊ ፖለቲካዊ ተርእዮታት እዮም።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ምስ ተኸታተልቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል፡ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ፡ ዶ/ር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን የገድስ እዩ ኣብ ዝበሎ ጸጥታውን ፖለቲካውን ኩነታት ዘትዩ ኣሎ-እቲ ሓሳብ እነሆ።

እዚ ሕጂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ነቲ ኣብ ፈለማ ተስዓታት ዝነበረ፡ ምእላይ ነባራት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምምጻእ ሓደስቲ መራሕትን እዩ ዘዘኻኽረኒ ዝብል ዶር ኣዳነ ገብረመስቀል፡ እቶም ኣብ 90ታት ስልጣን ዝተረከቡን ብዙሕ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ትጽቢት ዝተገብረሎም ሓለፍቲ ንሓደስቲ ወለዶ ስልጣን ዘረክብሉ ዘለው እዋን እዩ ክብል ይገልጾ።

እዚ ሕጂ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሶማልያን ከባቢኣን ዝመጽአ ነጥበ መቐይሮ ንዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ንቁጠባውን ባህላውን ትንሳአ እዚ ዞባ ደራኺ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ይዛረብ።

ኣብ ግንቦት 1991 ንኣብነት፡ ስርዓት ደርጊ ድሕሪ 17 ዓመታት ምልካዊ ወተሃደራዊ ምሕደራ ብሓይልታት ለውጢ ተሳዒሩ።

ንመሰል ርእሰ ውሳነ - ንናጽነት ክቃለስ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኤርትራ ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ናብ ርእሰ ከተምኡ ኣትዪ ብዓመጽ ንዝተላሕቀት ሃገሩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ አእትዩ።

ኣንጻር ዓሌታዊን ደርባውን ጭቆና ክቃለሱ ዝጸንሑ ውድባት ኢትዮጵያ እውን ብመሪሕነት ኢሂወደግ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም። ዋላ እውን ኣብ መንጎ ናእሽቱ ሒቕታ እንተነበረ፡ እቶም ንስርዓት ደርግ ተሓባቢሮም ዝሰዓሩዎ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባርን ኢሂወደግን ብቐንዱ ግን ምስ ህወሓት ጽኑዕ ዝምድናን ፍቕርን ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ብልዑል ተስፋ ዝጀመረ ዝምድና ጎረባብቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መፋርቕ 1998 ብዶብ ብዝተሳበበ ኩናት ንኽልተ ዓመት ተዳምየን ብህልኽን ቅርሕንትን ን20 ዓመታት ኣብ ከቢድ ወጥሪ ጸኒሐን፡ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ምስተቐየረ ኣብ ሓምለ 2018 ንብይን ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብዘይ ቅድመ ኩነት ምስተቐበለ ዕርቀ ሰላም ተኣዊጁ።

እቲ ኣብ ሓምለ 2018 ዝተበጽሐ ዕርቀ ሰላም፡ ነቲ ፈለማ ቀንዲ መሻርኽቲ፡ ድሕሪ ዶባት ኩናት ግን ቀንዲ መተሃላልኽቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ፡ ካብ ኣራት ኪሎ ተደፊኡ ንመቐለ ዝኣተወ ህወሓት፡ ብመንፈስ ዕርቂ ስለዘይጸንበሮ፡ መስርሕን ትግባረን እቲ ዕርቂ ካብ ፈለምኡ እዩ ስክፍታ ኣሕዲሩ ይብል ዶር ዳንኤል ረዘነ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ እቲ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ብዘይ ቅድመ ኩነት ዝተቐበለ ዕርቀ ሰላም ክሳብ ሕጂ ዝጭበጥ ፍረ ከየመዝገበ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣብ ደውታ በጺሑ ይርከብ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ በቲ ወዲ ሰብ ዝፈጥሮ ፖለቲካ ወጥሪ ጥራሕ ዘይኮነ ተፈጥሮ ወይ ባህርይ ብዘስዓቦ ከም ኮቪድ-19፡ ምንጽልላው ደርቅን ወራር ኣንበጣን፡ ከምኡ እውን ንኣጠቓቕማ ፈለገ ኒል (ሩባ ኣባይ) ብዝምልከት ምስ ግብጺ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብን ተወጢሩ ምህላው ዶክተር ዓወት ተወልደ የብርህ።

እቲ ብተመዓደውቲ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ስዑዲ ዓረብን ኢሜሬትን ዝረአ ዘሎ ምትእትታው ከኣ ነቲ ወጥሪ ብዝያዳ ከምዘካብዶን፡ ብሸነኽ ኤርትራ፡ ነዚ ብደሆታት ንምግጣም ዝህሉ ዓቕምን ድልውነትን ከምዘሻቕሎ እውን ይሕብር።

ኢትዮጵያ፡ ብብዝሒ ህዝባን ዕቤት ቁጠበኣን፡ ብጂኦግራፊያዊ ስፍሓታን ፖለቲካዊ ጽልዋኣን ኣብቲ ከባቢ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዋ። መዲና ሕብረት ኣፍሪቃ ብምዃና እውን ዓውዲ ዲፕሎማሲ እያ። ምስ ኤርትራ ከኣ፡ ኲናት 30 ዓመት ንናጽነትን ዘስዓበ ናይ ገዛኢትን ተገዛእትን ዝምድናን ብዶብ ዝተሳበበ ኩናትን ወጥሪ 20 ዓመትን ዘስዓበ ግርጭት እዩ ጸኒሑ።

ሕጂ ምስ ምምጻእ ዶ/ር ኣቢይ ዝተፈተነ ዕርቀ ሰላም እውን ኣብቲ ፈለማ ተስፋ ሂቡ እኳ እንተነበረ ናብ ጸላኢ ጻላእተይ ዝዓይነቱ ናይ ሽርክነት ዝምድና ይኸይድ ምህላው ዘሰክፍ እዩ ክብል ዶ/ር ኣዳነ የረድእ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ኤርትራን ዘላቒ ሰላም ዝመጽእ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጥታት ናብ ዲሞክራስያዊ ምርግጋእን ምስ ዝኸይድ ጥራሕ እዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ዶ/ር ኣዳነ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኣቢይን ኢሳይያስን ዝግበር ዘሎ ርክባት ግን፡ ንኤርትራ፡ ከም ቀንዲ ተዋሳኢት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ገይሩ የቕርባ ስለዘሎ፡ እቲ ምትእትታው ንኤርትራ ኮነ ንኢትዮጵያ ስለዘየርብሕን ንፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ እውን ብኣሉታ ክጸልዎ ስለዝኽእል ብኣግኡ ክእረም ከምዘለዎ ይሕብር።

ዶ/ር ዳንኤል እውን ነቲ ዶ/ር ኣዳነ ዘቕረቦ ሓሳብ እዩ ዝድግፍ።

ፖለቲካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ሱር ዝሰደደ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ስለዘይጸንሖ ነዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዝኸፍአ ጥርዚ ከየብጽሖ ስግኣት ኣለዎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ዘበነ ህወሓት ዝተፈተነ ደሞክራሲያዊ ምርጫ ፈተነታት እምበር ንኹሉ ዘዕግብን ዘርድን ቅርዑይ ሰረት ስለዘይፈጠረ እዚ ሕጂ ዝካየድ ምርጫ እውን ስክፍታ ከምዝፈጥረሉ ይዛረብ ዶ/ር ዳንኤል።

ምኽንያቱ፡ ይብል ርእይትኡ ንምድራዕ፡ ሕጂ፡ እቲ ዝጸንሐ ልፍንቲ ኣርባዕተ ውድባት (ኢሂወደግ) ፈሪሱ፡ እቶም ሰለስተ ውድባት ብልጽግና ህወሓት ከኣ ሽሙ ሒዙ ስለዝተፈልየ፡ እቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምትፍናን ይዓርግ'ዩ ዘሎ።

ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን'ዚ ብሰንኪ ኮቪድ 'ናይ ምርጫ ግዜ ክናዋሕ እዩ - ኣይናዋሕን'ዩ' ዝብል ክትዕ ምስተላዕለ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ደኣ " ጸገምና ምስ ውሑዳት ኣባላት ህወሓት እምበር ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን" ብዝብል ፍኹስ ዝበለ ቃና ኣቢይ ኣሕመድ ተሰሚዑ እምበር እቲ ቅድሚኡ፡ ካብ ክትዕ ሓሊፉ በትሪ ከነወጣውጥ ኢና' ዝብል ዘረባ ስለዝጸንሐ፡ ህወሓት እውን 'ደሓን እንታይ ከምዝኸውን ክንጽበ ኢና' ዝዓይነቱ ምላሽ ስለዝሃበ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ጎንጺ ዘምርሕ ቅልውላው ከይፍጠር ስግኣት ጸኒሑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው እንተኣትያ፡ ብምሉኡ እቲ ዞባ ክልከም፡ ኤርትራ እውን ክትትንከፍ ግድን እዩ። ስለዝኾነ ኩናት ንማንም ስለዘየርብሕ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከኣ ልዕሊ ማንም ካልእ ሳዕቤን ኵናት ስለዝፈልጣ፡ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ሓድሕዳዊ ግጭትን ኩናት ስግረ ዶብን ክሐየባ ኣገዳሲ እዩ ይብል ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ።

እቲ ቅድሚ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ህወሓት ብዝዝውሮን ዝዕብልሎን መንግስቲ ተወጺዕና ተገሊልና ዝብል ቅሬታ ዘንቀሎ እዩ ነይሩ። እቲ ተቓውሞታት ንህወሓት ዝወቅስን ዝኸስስን እዩ ነይሩ። እቲ ናዕቢ ካብ ጎደናታት ናብቲ ፖለቲካዊ ውዳበ ናብ ኢሂወደግ ምስ ለሓመ ከኣ ለውጢ ንኺኽሰት ኣገዲዱ።

ዋላ እውን ህወሓት ኣካል እቶም ብልፍንቲ ዝቖመ ሓይልታት ኢሂወደግ እንተነበረ ቀያሲ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ስለዝነበረ እቲ ዳሕራይ ስልጣን ዝተረከበ ሓይሊ ንስምዒት ቄሮን ፋኖን ንምትህድዳእ ነቲ ኣብ መቓን ፖለቲካ እታ ሃገር ዝጸንሐ 'ሕወሓት እዩ ሓጥእ' ዝብል ዘረባ ስለዝቐጸሎን፡ 'ገይም ኦቨር' ምስ ዝበለ ኢሳይያስ ተሻሪኹ፡ ንመቐለ ረረጊጽካ ካብን ናብን ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ምብጽጻሕ መስተራእየ ህወሓት መንፈስ ከበባ ተሰሚዑዎ።

ዶክተር ኣቢይ፡ ንመቐለ ብምኻድ እቲ ህዝቢ ብዝርደኦ ቋንቋ ትግርኛ "ህዝቢ ትግራይ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ዝድነቕ ህዝቢ'ዩ" ክብል ምስተዛረበ ካብ ህዝቢ ትግራይን መሪሕነት ህወሓትን ኣድናቆት ረኺቡ'ዩ።

እንተኾነ እንተስ ብሙላቕ ዘረባ እንተስ ብመደብ፡ ካብ ኣፍ ኣቢይ 'ናይ ቀትሪ ኣዛብእ፡ 27 ዓመታት ናይ ጸላም ግዜ' ዝብል ዘረባ ምስሞለቐ እቲ ስክፍታ መሊሱ እዩ ዓብዩ - ናብዚ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ፡ ትንዕ -ትንዕ ገጹ ማዕቢሉ።

እቲ ናይ ዕርቂ መስርሕ ዋላ'ኳ ኣብ 2018 እንተተፈጸመ፡ ኣቐዲሙ ብፈጻሚት ሽማግለ ኢሂወደግ ተዘሪቡሉ፡ ጉዳይ ኤርትራ ብዕርቂ ክውዳእ እዩ ውሳነ ተበጺሑ። እንተኾነ ብሰንኪ ድኽመት ቀዳማይ ምኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝን፡ ብሕቡእ ዘጋጥሞ ዝነበረ ምትዕንቓፍ ነቲ ጉዕዞ ኣብ ምዕራፉ ኣየብጸሖን። እቲ ናይ ዕርቂ ጎደና በቲ ንሱ ዝደልዮ መገዲ እንተዘይኮይኑ በቲ ኮሚሽን ዶባት ዝበየኖ ፍርዲ ከይትግበር ክሕንግድ ዝጸንሐ ህወሓት ከኣ ኣቢይ ኣሕመድ " ንብይን ኮሚሽን ዶባት ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ ኣሎና!" ምስበለ፡ ነቲ መገዲ ዕርቂ ባዕሉ ዘይምፍጻሙን ነቲ ዝጸንሐ ቁስሊ ከሕውዮ ዘይምኽኣሉን ተሰሚዑዎ ክኸውን ከምዝኽእል የረድእ ዶክተር ዓወት።

ከምኡ ኮይኑ ከብቅዕ ከኣ ሽርክነት እቲ 'ወያነ ገይም ኦቨር' ዝበለን፡ ንመቐለ ንዝገዓዙ ሓያሎ ሰበስልጣን ህወሓት ብጉዳይ ብልሽውና ከሲሱ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከውዕሎም ምስዝደልን ኣቢይን ዘጋጠመ ህልኽን ምትፍናንን ርኡይ እዩ።

ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ኤርትራዊ ኬንካ ክረአ እንከሎ፡ እቲ መስርሕ ዕርቂ፡ ገና ነዊሕ መገዲ ምኻድ ከምዘድልዮ እዩ ይብል ዶክተር ዓወት።

ጽባሕ፡ እምበኣር " ስለምንታይ እያ ኤርትራ ብጸገም ጎረባብታ ትሻቐል?" ብዝብል ኣርእስቲ መቐጸልታ ናይዚ ዝቐረበ ጽሑፍ ክቕጽል እዩ - ምክትታልኩም ንዕድም!