እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ቀደምን ሎምን
ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ፡ በብግዚኡ እዋኑ ዝጠልቦም ፖለቲካዊ ሕቶታት ሒዙ ዝተቐልቀለሎም ግዜያት ውሑዳት ኣይኮኑን።
1960ታት ድማ፡ ተምሃሮ ውዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ጎስጓስን ዘካየድሉ ጥራይ ዘይኮነስ ለውጢ ስርዓት ዝሃንደስሉ እዋን እውን እዩ።
ኣብቲ እዋን ብተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተመርሐ ምንቅስቓስ፡ ለውጢ ስርዓትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ክመጽእ ዝደፍአ'ዩ ተባሂሉ እዩ ዝጥቀስ።
እተን ሎሚ ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ዝመጹ ተምሃሮ ዝተኣኻኸቡለን ብምዃነን፡ ተምሃሮ ባህላውን ማሕበራውን ርክባቶም ዘጠናኽሩለን ማእከላት ክኾና እዩ ትጽቢት ዝግበረለን።
እንተኾነ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ፡ ኣብ ገለ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተምሃሮ፡ ጠንቂ ብሄር ተኮር መጥቃዕትን ዕንወትን ኮይኑ'ዩ ተባሂሉ ይንቀፍ።
ኣብ 2015፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ህዝባዊ ዓመጽ ካብ ዝተልዓለሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዘለው ዓመታት፡ ብርክት ዝበላ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ንፖለቲካዊ ጽልዋ ተቓሊዐን እየን።
ኣብዞም እዋናት፡ ምድርባይ ኣእማን፣ ምቅጻል መምሀሪ ናውትታት፣ ምትእጉጓል ሰዓታት ትምህርትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ዓሌት ዝፈለየ መጥቃዕቲ ክፍጸሞም'ውን ተራእዩ።
ዶክተር የራስወርቅ ኣድማሴ፡ እቲ ቐደም ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ ጥቕዓት ክትፍጽም ፈጺምካ ዝሕሰብ ኣይነበረን ይብሉ።
ኣብቲ ናይ 60ታት ምንቅስቓስ ተምሃሮ ንጡፍ ዝነበሩን ሕዚ ድማ መምህር ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑን ዶክተር የራስ ወርቅ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ዩንቨርሲቲታት ዝረአ ኩነታት፡ ዓሌታዊ ምክፍፋል ዝፈጠሮ እዩ እዮም ዝብሉ።
ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ 1960ታት
ክልቲኡ ወለዶ ንምንጽጻር ፍጹም ከም ዝኸብዶም'ዮም ዝዛረቡ። ምሁር ታሪክን ተመራማሪ ጎንጽን ፕሮፌሰር ገብሩ ታረቀኝ፡ ናይቲ እዋን ተሳታፊ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ'ዮም።
ክልቲኡ ወለዶ ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ቀደምን ሎምን ምንጽጻር ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ይብሉ።
በዝሒ ህዝብን ቁጽሪ እተን ትካላት ትምህርትን ብቐዳምነት ዝረቑሑ ፕሮፌሰር ገብሩ፡ ብመዳይ ህንጸት ኣረኣእያ ዘሎ ክፍተት'ውን ይነቕፉ።
"በቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ በዝሒ ህዝቢ ካብ 30 ሚሊዮን ኣይበልጽን፤ ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ'ውን ናይ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ ዩኒቨርሲቲ'ያ ነይራ። በቲ ናተይ ግዜ ዝነበረ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ካብ 8 ሽሕ ኣይበዝሕን። ምክፍፋል ብሄርን ዓሌትን'ውን ኣይነበረን" ይብሉ
ዶክተር የራስወርቅ ብወገኖም፡ ስርዓትን ህዝብን ዝፈለየ ምንቅስቓስ ብምንባሩ፡ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ክተነጻጽሮ ከም ዝኸብድ ይገልጹ።
"ኣብ ሕሉፍ፡ ተምሃራይ ብሓባር ኮይኑ ኣንጻር ስርዓት'ዩ ዝዕምጽ ነይሩ። ሕዚ ግን ኣብ ገለ ከባቢታት ብብሄርን ዓሌትን ተኸፋፊሉ'ዩ ዝንቀሳቐስ። መልክዕ እቲ ቓልሲ ድማ፡ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ ጥቕዓት ክትፍጽም ፈጺምካ ኣይሕሰብን። ኣድላዪ እንተኾይኑ ኣብ ደገ ወጺእኻ ኢኻ ምስ ፖሊስ ትገጥም" ብምባል ይዝክሩ።
ዶክተር የራስወርቅ፡ ኮፍ ኢልካ ኣብ ቤተ ንባብ ክተጽንዕ እንተዘይኽኢልካ፣ ደቂሰ እንታይ ክፍጠር ይኸውን ኢልካ ትጭነቕ እንተድኣ ኾይንካ፡ እቲ ቃልሲ ድኣ እንታይ'ዩ ትርጉሙ? ክብሉ ይሓቱ።
ምንቅስቓስ ተምሃሮ እናጠንከረ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ፡ ንነዊሕ እዋን ብጽንዓት ዝሟገትን ዝቃለስን ሓይሊ ምፍጣር ከም ዝኽእል ዘቐምጡ እዞም ምሁራት፡ ምትእትታው ሰልፊታት ፖለቲካ፡ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ ሓበራዊ ኣጀንዳ ከየሰጉሙ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ ይብሉ።
"ኣርባዕቲአን ኣሓት ውድባት ኢህወደግ ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ ናይ ባዕለን ካድረታት ምምልማለን፡ ነቲ ተምሃራይ ዝኸፋፍል መገዲ ገይረ'የ ዝወስዶ" ዝበሉ ፕሮፌሰር ገብሩ፡ ጥቕማ ጥቕሚ እናሃባ ብሓደ ሃገራዊ ስርዓት ከይሓስቡ ተገይሮም ዝብል እምነት ኣለዎም።
ፖለቲከኛን መምህርን ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ድማ፡ እቲ ናይ ሽዑ ወለዶ ካብቲ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ጠለባትን ዝተፈላለየ ብምንባሩ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈለየ ትርጉምን ዕላማን ዘለዎ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ክፍጠር ምኽንያት ኾይኑ'ዩ።
"ኣብቲ ግዜ፡ መብዛሕትኡ ተምሃራይ ዝደፍኦ ሓበራዊ ኣጀንዳ'ዩ ነይሩ። ሕዚ ብኣውርኡ ብወገን ብሄረሰባት ዝለዓል ሕቶ ርኢኻ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ሓድነት መንፈስ ተቐይሩ፡ ኩሉ ንናይ ባዕሉ ብሄር ረብሓ ዝቃለሰሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡ እቲ ሓበራዊ ኣጀንዳ ዝበሃል እናጠፍአ መጺኡ" ይብሉ።
"ኢህወዴግ ፖለቲካ ናብ ንግዲ ቀይሩዎ'ዩ" ዝብሉ ፕሮፌሰር መረራ፡ እዚ ኣፈላላይ ዝፈጠሮ ጽልዋ፡ መልክዕ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ክቕየር ምግባሩ ይዛረቡ።
ዜግነትን ብሄራውነትን
ኣብ 2015፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ ዝተልዓለ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ቀስ ብቀስ ናብ ብዙሓት ከባቢታት ኦሮሚያን ኣምሓራን ልሒኹ'ዩ።
ሕቶ ህዝቢ ሒዙ ዝተበገሰ እዚ ምንቅስቓስ መናእሰይ ግና፡ መልክዑ ቀይሩ ኣባይትን ንብረትን ናብ ምቅጻልን ዜጋታት ናብ ዘመዛብሉ ጎንጽታትን ዓብዪ።
ብዙሓት ግዳያት ብሄር ተኮር ጥቕዓት ክኾኑ እንከለዉ፤ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ናብ ዝመጽእሉ ከባቢ ተመሊሶም ከይዶም እዮም።
እዞም ምሁራት፡ ነዚ ኩነታት ብምጥቃስ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘሎ ኣጠቓቕማን ዝንባለን ክቕየር ከም ዘለዎ የገንዝቡ።
"ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ ናይ ብሄር፣ ሃይማኖት ኮነ ካልእ ፍልልይ ዘሕድሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን" ዝበሉ ፕሮፌሰር ገብሩ፡ ምጉዳል ፍትሒ፣ ድኽመት ምምሕዳር፣ ድኽነትን ዝኣመሰሉ ኩነታት ነቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣኽቢዱዎ'ዩ፤ ነዚ ድማ ተምሃሮ ክንቀፉ ኣይግባእን ይብሉ።
እዚ'ውን ኮይኑ ግና፡ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሕቶ ምኽንያታዊ ኾይንካ ክቐርብ ከም ዘለዎ ዶክተር የራስወርቅ ይሕብሩ።
"ዘለዎም ሕቶ ኾነ ቑጠዐ ምግላጾም ዝንቀፍ ኣይኮነን። እቲ ኣቀራርባን ዒላማ ዝገብሩዎን ግን ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ክኸውን የብሉን። ንመን እዮም ዒላማ ዝገብሩ ዘለው ብግቡእ ክግንዘቡ ኣለዎም" ይብሉ።
ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከይተሃንጸ፡ ሓበራዊ ኣጀንዳ ክፍጠር ኣይከኣልን ዝብሉ እዞም ምሁራት፡ በዚ እንተቐጺሉ ሓደግኡ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብሩ።
"ኩሎም ኣብ ዙርያ ዜግነት ዝንቀሳቐስሉ ሕርቃኖም ዘቕርብሉ መገዲ ካብ ክልል ንላዕሊ ሃገራዊ ክኸውን ኣለዎ። እዚ እንተዘይገይሮም ናይቶም ዝኸፋፍሉዎም ሓይልታት መጻወቲ'ዮም ዝኾኑ። እዚ ድማ ነቲ ዘዕብዮም፡ ነቲ ዘምህሮም ማሕበረሰብ ዝብድል እዩ ዝኸውን" ርኢይቶ ፕሮፌሰር ገበሩ'ዩ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ 1960ታት ዝነበረ ቁጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ናብ ልዕሊ 40 ምዕባይ ተኻኢሉ'ዩ። በብዓመቱ ድማ ሓደ ሚሊዮን ዝጽጋዕ ተምሃራይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝኣቱ ይግለጽ።
ብምኽንያት እቶም ዝለዓሉ ዝነበሩ ጎንጺታት ግን፡ ቁጽረን ዘይንዓቕ ትካላት ትምህርቲ፡ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ደው ኣቢለን'የን።