እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ብጌጋ ብዝተኮሶ ሚሳይል 19 ባሕረኛታት ተቐቲሎም
ክልተ መራኽብ ውግእ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን የካይድኦ ኣብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ልምምድ ተኹሲ 19 ባሕረ ኛታት ቀቲለን።
ሓይሊ ባሕሪ ኢራን፡ ካልኦት 15 ሰባት'ውን በቲ ሓደጋ ከም ዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።
መንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ኢራን ከም ዝጸብጸብኦ፡ እዚ ሓድሽ ጸረ-መርከብ ሚሳይል ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ኦማን ጃማራን ካብ ዝተብሃለት መርከብ ባሕሪ ኣብ ዝፍተነሉ እዋን እዩ እዚ ሓደጋ ኣጓኒፉ ዘሎ።
እቲ ትማሊ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብፍላይ ኮናራክ ዝተብሃለት ተዋጋኢት መርከብ ባሕሪ እታ ሃገር ዝተወቕዓት ኮይና፡ ሰብኣዊን ንዋታውን ሓደጋ ድማ በጺሑ።
እታ ሓንቲ መርከብ፡ ዒላማ ክትወቅዕ ክትፍትን እንከላ፡ ኣብ መንጎ እቲ ዒላማን መርከብን እኹል ርሕቐት ብዘይምንባሩ ዝተልዓለ እዩ ተባሂሉ።
ከም ልሙድ፡ ሓይልታት ባሕሪ ኢራን ኩሉ ግዜ ስሩዕ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይድ እዩ።
እቲ ሓደጋ ካብ ከተማ ቴህራን 1270 ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ወሽመጥ ባሕሪ ኦማን እዩ ኣጓኒፉ ዘሎ።
ጃማራንን ኮናርክን ዝተብሃላ ተዋጋእቲ መርከባት፡ ዋንነነተን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን እየን።