ኤርትራ፡ ምስ መንሽሮ ን10 ዓመት ዝተጋጠመት ተጋዳሊት ዮርዳኖስ ሃይለ

    • Author, ሳሙኤል ገብረሂወት
    • Role, ኤዲተር ቢቢሲ ትግርኛ

ዮርዳኖስ ሃይለ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ ክቡር ንእስነታ ዝወፈየት፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ብስደት ዓዲ ተርሕቕ ኣብ ሃገራ ብተወፋይነት ዘገልገለት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብኒሕን ሞራልን ንዝሓደራ ከቢድ ሕማም ብትብዓት ዝገጠመት ዘይትሕለል፡ ፈቃር፡ ለዋህ፡ ለጋስ፡ ኩሉ ዓይነት እወታዊ ቅጽላት ክገልጻ ዘይበቅዕ ፍትውቲ ሓፍትን መሓዛን እምንቲ ብጸይትን እያ።

እቶም ኣብ ቑልዕነታ ዝፈልጡዋ መተዓብይታን መማህርታን፡ እቶም ኣብ ንእስነታ ኣብ ቃልሲ ዝፈልጡዋ ብጾታ፡ እቶም ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ስደታ ብቐረባ ዝፈልጡዋ ሰባት ብኮኾብ እዮም ዝምስሉዋ - ብኹለንትናኣ ኮኾብ ስለዝኾነት።

እቶም ከም ዮርዳ ንሽግርን መከራን ብፍቕርን ሕውነትን፡ ንጭንቅን ጸበባን ብትብዓትን ጽንዓትን ዝገጥሙዎ ላህመት ሕብረተሰብ ልክዕ ከምቶም ካብ ርሑቕ ኣርያም ንጸልማት ገሊሆም ንምድሪ ዘብርሁን ዘድምቑን ከዋኽብቲ ክምሰሉ ዘይግባእ ኣይኮነን።

እቶም ብሽግር ዘይጸዓዱ ብመከራ ዘይርዕዱ ጽኑዓት፡ ብልግስን ፍቕርን ብሓልዮትን ክብርን ዝልለዩ ከም ዮርዳ ዝኣመሰሉ ሰሪሖም ሰሪሕና፡ ገይሮም ገይርና ዘይብሉ ትሑታት፡ ንዝተጸገመ ዝሕግዙን ዘተባብዑን፡ ንዝወደቐ ዘተንስኡን ዘቕንዑን፡ ንዝሓዘነ ዘጸናንዑን ዘበርትዑን ፈቃራት እንከለውን ምስ ሓለፉን ከምዛ ንምድርና ብብርሃን እተድምቓ ብሙቐታ እተሙቓ ኮኾብና ክምሰሉ ግቡእ እዩ።

ዮርዳኖስ ሓንቲ ሰብ ኣይነበረትን - ብሰሓቓን ፍሽኽታኣን እተማሙቕ ጋንታ እያ። ምስ ዮርዳኖስ እንተሊኻ ጽምዋ ዝበሃል ነገር የሎን - ማሙቕ እያ። ምስ ዮርዳኖስ ኩራን ቂምታን የሎን - 'ገባር ክፉእ ንዕኡ ይኸፍኦ' በሃሊት ዮርዳ፡ ወትሩ ኣዎንታ ጥራሕ እያ ትሓስብ።

ብሓጺሩ ዮርዳ እትረፍ እቲ ኣጸቢቑ ዝፈልጣን ዝቀርባን ሓንሳብ ዝረኣያን ዝተላለያን እንተኾነ እውን ዘይርስዓ። እዛ ብጸበባ ቃልሲ ዝተፈተነት ተጋዳሊት፡ ከም ሓፍቲ ፈቃር፡ ከም ብጸይቲ ጸዋር፡ ከም ሰብ ከኣ ደንጋጽ፡ እምንትን ጽንዕትን'ያ ነይራ።

ንዮርዳኖስ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ኣብ ክፍለ ሰራዊት 61 ኣብ ግንባር ናቕፋ እየ ዝፈልጣ። ኣብ ሓደ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚ ብሰላምታ ዝጀመረ ሌላና ኣብቲ ዳሕራይ እዋን ዓሚቚን ደልዲሉን ነይሩ።

ኣብ ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ ከኣ ዕላልና ብዝኽሪ ብጾትናን ፍጻሜታትን ይደምቕ ነይሩ። እታ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ዮርዳ ምስ ኩሉ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ዝተሰለፈ ወዲ ኸተማን ገጠርን ጓሳን ሓረስታይን እትሳነ ሕውስቲ ብኹሉ እትፍቶ ቅብልቲ እያ ነይራ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ካብቶም ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለስና ተጋደልቲ ብጾት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሃገር ተሰዲድና ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ስለዝተዘራእና ዮርዳ እውን ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣቢሉ ኣቐዲሞም ምስ ዝተሰዱ አሕዋታ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ እያ አሕሊፋቶ።

ኣብ ኣመሪካ ዓቕማ ኣማዕቢላ ኣብ ሕክምና እናሰርሐት ንብዙሓት ብርሑቕን ቀረባን እትፈልጦም ብጾታ ብንዋትን ሞራልን ብዝከኣላ ሓጊዛን ኣተባቢዓን እያ። ከም ዮርዳ ኣጆኻ - ኣጆኺ ዝብል ዘሎ ኣይመስለንን።

ኩለንትናኣ ሞራል እዩ። ክንዲ እምባ ዝምግዛፉ ጸገምን ሽግርን ኣብ ቅድሚ ዮርዳ ቀሊል እዩ። ስለዝኾነት ከኣ እያ ብጸበባ ጸገምን ዘይትጭነቕ።

"ኩሉ ከከም ኣመጻጽኣኡ ክሓልፍ እዩ!" በሃሊት ዮርዳ ኣብ ሓደ እዋን ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢሙዋ። ግን ነቲ ከቢድ ፈተነ ኣቕልል ኣቢላ ሒዛ "ጸገም የሎን ኩሉ ክስገር እዩ።

ደሓር ከኣ ብጾትና እኳ ዘለውዎ፡ ዕሸላት ቖልዑ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራን ባሕርን እናጠፍኡስ ንሕና ግዳ ብዓቕምና ጸበባ ገድሊ ዝረኣና ካብ ብሱል ጥረ ዝወጻእና እንተሞትና እንታይ ጸገም ኣለዎ" ብምባል ነብሳን ብጾታን እተጸናንዕ ፍልይቲ እያ ነይራ ዮርዳ። ኩሉ እቲ እትብሎ ናይ ልቢ እምበር ናይ ቃልዓለም ኣይነበረን።

ኣብ መፋርቕ 90ታት ምስተፈላለና ኣብ 2009 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ብኣካል ተራኺብና፡ ኣብቲ ዝነበረና ግዜ ብሓደ ቐኒና ሕሉፍና እናዘከርና ዛንታ ቐደም አዕሊልና-ስሒቕና ተጻዊትና።

ብቴሌፎን ግን ንኤውሮጳ ካብ ዝኣቱ ኣትሒዝና ብቐጻሊ ኢና ንራኸብ ነይርና። ምኽራን ሞራላን ብቐጻሊ ዝጽበዮ መድሃኒት ህይወት ስለዝነበረ ኩሉ ሳዕ እየ ዝናፍቖ። ንዝሓመመ፡ ብተስፋ ንዝተፈተነ፡ ብናብራ ንዝተጸገመ ዮርዳ ፍልይቲ መድሃኒት እያ።

"ኣንታ ነብሲ እንታይ ኬንካ ደኣ ነብስኻ ተውድቕ፡ ክንደይ ነገራት እንድዩ ዘጋጥም፡ በዚ ቐሊል ነገር ክትጭነቕ፡ ናዓ ደኣ ብድድ በል፡ ንጸገም ገጽ ኣይትሃቦ" ኩሉ ምኽራ ኣዎንታዊ እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ምስተራኸብና ዮርዳ፡ ንእሽቶ ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዘጋጠመ ሕሹኽ ኢላትኒ። "እዞም ሓካይም ሓደ ባህ ዘየብል ነገር ነጊሮሙኒ ይቃለሶ ኣለኹ። ክስዕሮ ኸኣ እየ" ናይ ፍረታትን ኣሕምልትን ጽማቚ እናዳለወት ከኣ፡ " ርኢኻ ከምዚ ዓይነት ጽማቚ ጽቡቕ እዩ። ኣይትርጎድ ከኣ፡ ኣይትእረግ፡ ነብስኻ ሓሉ፡ እዛ ኸብዲ ከኣ ኣጥፍኣያ!" ክትብል ናይ ዓባይ ሓፍቲ ምኽሪ ለጊሳትለይ።

እቲ ሕማም፡ መንሽሮ (ካንሰር) ምዃኑ ኣይጠፍኣንን። እቲ ሞራላን ጽንዓታን ስለዘሐጎሰኒ ከኣ "ኣጆኺ ዮርዲና፡ ከምቲ ትብልዮ፡ ልዕሊ ኩሉ ሕማምካ ምፍላጥን ንሕማምካ ተቐቢልካ እንታይ ከምእትገብር ምፍላጥን እዩ ኣገዳሲ" ኢለያ ነቲ ኣብ ሕክምና ዝነበርከሉ ግዜ ንሳን መሓዙታን እናደወላ ዝህባኒ ዝነበራ ቀጻሊ ሞራልን ምትብባዕን ነዚ ዛንታ እዚ ክምስክር ሓይሊ ኮይኑኒ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሕማም ኮሮና ኣብ ዝተወዓወዓሉ እዋን ኣብ ኣሜሪካ እየ ነይረ። እቲ ቐንዲ መገሻይ ንነዊሕ እዋን ዘይረኣኹዎም ስድራ-ቤት ክርኢ እኳ እንተነበረ ዝፈትዎም ብጾተይን አዕሩኽተይን ክረክብ እውን መደብ ነይሩኒ።

ሓንቲ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዐያ ዝነበርኩ ሰብ ከኣ ዮርዳ ሃይለ እያ ነይራ። ምኽንያቱ ኣብቲ ብስራሕ ዝነብረሉ ሃገረ ኬንያ ንዮርዳ ብቐረባ እትፈልጣን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ዝረኸበታ መቓልስታ ብጸይታ ተጋዳሊት ኣበባ ወልደ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ ዮርዳ ብዙሕ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ነገራት ስለዘዕለለትኒ፡ እቲ ዝሰማዕኩዎ ዛንታ ንታሪኽ ክስነድ ስለዝደለኹዎ፡ ንዮርዳ ብኣካል ረኺበ፡ ምስኣ ገለ መዓልታት ኣሕሊፈ፡ ብንእስነታን ዝሓለፈቶ ጉዕዞን ተሞኩሮን ምስቲ ኣበባ ዘዕለለትኒ ዛንታ ከካትቶ ልዑል ባህጊ ነይሩኒ።

ኣመሪካ ምስ ኣተኹ ቴሌፎን ደዊለላ - ዮርዳ ኣልዒላትኒ። ድምጻ ድኽም ኢሉ'ኳ እንተነበረ ሞራላ ግን ልዑል ነይሩ።

" ሳሚ እንቋዕ ደሓን መጻእካ"

" እንቋዕ ደሓን ጸናሕኪ ዮርዲና"

ደሃይ ሓድሕድ ምስተለዋወጥና፡ ክርእያ ዝኽእል እንተኾይነ ሓቲተያ።

" ናይ ግድን እምበር፡ ኣብዚ መጺእካ እሞ ከይረኣኻኒ ኣይትምለስን ኢኻ። ዋላ ማስክ ጌርካ ትመጽእ" ምስበለትኒ፡ ንቐዳመ ሰንበት ተቛጺርና።

ምስቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ድኹም ድምጻ ከምቲ ዝደልዮ ከዕልላ ከምዘይክእል ይርድኣኒ እኳ እንተነበረ፡ ነዛ ንዓይነይ ክርእያን ናፍቖተይ ክገልጸላን ዕድል ምርካበይ ተሓጒሰ ቀዳመ ሰናብቲ ክመጽኣለይ ክጽበ ጸኒሐ።

እንተኾነ ዕለተ ቖጸራና ኣኺሉ ክብገስ እናሓሰብኩ፡ ቴሌፎን ተደዊሉ፡ ዮርዳ እያ ነይራ። "ሳሚ ሓወይ ምስዚ ዘሎ ኹነታት ምርኻብ ንኹላትና ኣይጥዑምን እዩ እሞ ደሓን ብቴሌፎን ንራኸብ። ገጽ ንገጽ እንራኸበሉ መዓልቲ ክመጽእ እዩ። ሽዑ ኣስፊሕና ከነዕልል ኢና" ኢላትኒ ብልዑል ሞራልን ተስፋን።

ዋላ'ኳ ድምጻ ድኽም ኢሉ እንተነበረ፡ "ኣይትሕመቑ ሳሚ፡ በርትዑ ኢኹም እዚ ናተይ ናይ ጥዕና ጸገም ግዝያዊ'ዩ ክስገር እዩ። ጽባሕ ክንተሓቛቖፍ ኢና። እዚ ግዝያዊ ሕማም ኮሮና ምስ ከደ ንራኸበሌ ግዜን መዓልትን ብዙሕ እዩ - ኣጆኹም!" ኢላትኒ ብፍቕሪ።

ድምጻ ይደኽመኒ ስለዝነበረ እናተሰከፍኩ ደሓን አዕርፊ ዮርዳ ክንራኸብ ኢና ኣጆኺ፡ ኣብ ካልኣይ እግረይ ብሰፊሑ ከነዕልል ኢና ኢለ ተፋንየያ።

ንሳውን ንኹላቶም ብሓባር እንፈልጦም ብጾት ሰላም ክብለላ ብምልባው፡ ኩለን ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ብጾታ ካብ ዝተፈላለያ እስተይት እናመጽኣ ምስኣ ከምዝቕንያን ከምዘተባብዓኣን ደረት ብዘይብሉ ብጻያዊ ምስጋና ገሊጻትለይ።

እቲ ብኣካል ረኺበ ክህባ ዝሓሰብኩ ካብ ኬንያ ተማሊአላ ዝመጻእኩ ንእሽቶ ህያብ (ፒጃማ)፡ እቲ ኩነታት ምስ ተረጋግአ ሓደ መዓልቲ ደዊሎም ከብጽሑላ ገዲፈሎም። ጽቡቓ ክሰምዕ እናተጸበኹ ከኣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ ዳዊት ፍሰሃየ (ወዲ መምህር) ዮርዳ ካብዝዓለም ምስንባታ ኣርዲኡኒ።

ዮርዳ፡ ደጋጊማ "ክሓዊ እየ'ሞ ዳግማይ ተራኺብና ከነዕልል ኢና" ትብል ስለዝነበረት በቲ ጽኑዕ እምነታስ፡ ሓደ መዓልቲ ተራኺብና ነዕልል ግዲ ንኸውን ዝብል ተስፋ ነይሩኒ።

ግን ኣብ መወዳእታስ እቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝተቓለሰቶ ሕማም ኣሸኒፉዋ፡ ካብዚ ዓለምሓሊፋ ኣላ። መስዋእታ ዝሰምዐ ሓው ከኣ " ፍቱዋት ከዋኽብትና እምበር በብሓደ ይወድቁ ኣለዉ!" ክብል ሓዘኑ ገሊጹለይ።

ምስ ዳዊት ፍስሃየ ብዛዕባ ዮርዳ ዘዝስመዓና አዕሊልና፡ ምስቶም ሕልፈታ ዝተረድኡ ብቐረባ ዝፈልጡዋ ብጾት፡ በላይነሽ ኣርኣያ፡ ጋይም ክብረኣብ፡ ኣለም ሃብተጽየን፡ ምሕረት ሃይለ እውን፡ ዮርዳ ማዕረ ክንደይ ተፈታዊት ምንባራን ኣብዚ ዝሓመመ ሰብካ ክትበጽሕን ዝሞተ ክትቀብርን ዕድል ዘይህብ እዋን ኮሮና ምሕላፋ ብጓሂ ተዛሪብና።

ኣብ ንቡር እዋን እንተዝኸውንሲ ቀብሪ ዮርዳስ ቀብሪ እታ ተፈታዊት ብጸይትስ እንታይ ኮን ምመሰለ ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒልና።

እምበኣር ዮርዳ፡ እታ ድምቕቲ ኮኾብ ከምቶም ኣብ ስደቶም ዝሓልፉ ዘለው ፍቱዋት ኤርትራውያን ትማሊ 09 መጋቢት 2020 ሓሊፋ ኣላ።

ወላ እውን ኣብ ስደትን ኣብ ሕማቕ ናይ ኮሮና ኣጋጣምን ትሕለፍ ኩሉ'ቲ ንዮርዳ ዝፈልጥን ዘኽብርን ኣኣብ ቤቱን ሕልንኡን ብኽብርን ብሕቋፍ ዕምበባ ሕልናን ክዝክራን ከፋንዋን እዩ።

ዮርዳ እታ ድምቕቲ ኮኾብ ምስቶም ድሙቓት ብጾታ ወትሩ ኣብ ሕልናን ሓንጎልን ብጾታን ፈተውታን ኣላ። ኩሎም ፈለጥታን ፈተውታን ከኣ መቃብርኪ ጽሩይ ማይ ይፈልፍል እዝግሄር ኣብ ገነቱ ይቀበልኪ ብምባል ይፋነውዋ ኣለው።