እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ-ኣንስትዮ ላይቤርያ ወታሃደራት ንምዃን "ብቑዓት ኣይኮንክንን" ይበሃላ
ኣባላት ምክልኻል ላይቤርያ ንምዃን ካብ ዘመልከታ ደቂ እንስትዮ፡ እተን ዝበዝሓ፡ ብምኽንያት ኣካላዊ ብቕዓት ክሓልፋ ከምዘይከኣላ ወታሃደራዊ ሰብመዚ ገሊጾም።
ካብተን ኣመልከትቲ እተን 80 ምኢታዊት በቶም መልመልቲ ተቐባልነት ኣይረኸባን።
ካብቶም መመዘኒታት፡ "ዝተወሰነ ዓይነታት ሰፖርት፡ ከም 'ፑሽ-ኣፕ'፣ 'ሲት-ኣፕ'ን ናይ ክልተ ማይል ጉያን ክፍጽማ" ትጽቢት ከምዝግበረለን ሓላፊ ምክልኻል እታ ሃገር ሜጀር ጀነራል ፕሪንስ ጆንሰን ተዛሪቡ።
ካብ ገጠር ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ብኣካላዊ ብቕዓት ዘሐሸ ውጽኢት እኳ እንተረኸባ፡ ኣብ ናይ ብልሒ ኣእምሮ (aptitude) ፈተና ግን ማዕረ'ተን ደቂ ከተማ ኣይኮናን ይብል።
ኣብቲ ድሕሪ ሕድሕድ ኩናት ዝተጣየሰ ሰራዊት ላይቤርያ፡ ናብቲ ሰራዊት ንምእታው እንተወሓደ ካልኣይ ደረጃ ክትውድእ ትግደድ።
ቅድሚ ምልመላ ስልጠና ክህቡ ከምዝወሰኑ ዝገለጸ እቲ ጀነራል፡ ኣባላት እቲ ሰራዊት ክኾኑ ንዝደልዩ ናይ ኣርባዕተ ሰሙን ቅድመ ስልጠና ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ።