ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ኢትዮጵያዊ ኤልያስ መልካ ዓሪፉ

ኤልያስ መልካ

ምንጪ ስእሊ, FBC

ሙዚቀኛ ኤልያስ መልካ ብሕማም ሽኮርያን ኩላሊትን ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ ናብ ሎሚ ዘጽብሕ ለይቲ ዓሪፉ።

ኣወሃሃዲ ሙዚቃ፣ ተጻዋቲ ጊታር፣ ገጣምን ደራሲ ዜማን ኤልያስ መልካ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ጉሉህ እጃም ዝነበሮ ስነ ጥበባዊ እዩ ነይሩ።

ኤልያስ ምስ ዓበይቲ ደረፍቲ ዝሰረሐ ኾይኑ፡ 'ፍቕርና' ብዝብል ዝፍለጥ ናይ ማህሌት ገብረጅወርግስ ደርፊ ትግርኛ ፡ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ምሩጻት ደርፍታ ዘወሃሃደ እዩ።

ክሳብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ መደብ ውድድር ተውህበቦ ሙዚቃ 'ፋና ላምሮት'፡ ዳኛ ኾይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣባበ፡ ኣዲስ ከተማ ፍሉይ ስሙ ኣብነት ሰፈር፡ ዝተወልደ ኤልያስ መልካ፡ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ጎበዝ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ከምዝነበረ ይዝረብ።

ኤልያስ፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ መንበሪ ገዝኡ እዩ ህይወቱ ሓሊፋ።

ንእሽቶ ብዛዕባ ኤልያስ መልካ

ገጣሚ ዳዊት ጸጋዬ፡ ኣብ ኣመንቲ ወንገላውያን ቤተክርስትያን ናይ ሰንበት ቤት ትምህርቲ ሓቢሩዎ ዝተምሃረ እዩ።

ኣብ ገዘኦም መጺኡ፡ ፒያኖን ጊታርን ይጻወት ከምዝነበረ ይዝክር። የዋህ፣ ቅኑዕን ተዋዛይን ነይሩ ድማ ይብሎ።

ዕድሚኡ ኣብ መፈለምታ ኣርባዓታት ዝነበረ ኤልያስ፡ ካልኣይ ብርኪ [ደረጃ] ትምህርቱ ኣብ 'ከፍተኛ 7' እዩ ወዲኡ።

ካብኡ ድማ ብ1987 ዓ.ም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ያሬድ ኣትዩ፤ ቼሎ ዝተብሃለ መሳርሒ ሙዚቃ መሊኹ ወጺኡ።

ደሓር ሙዚቃ ምውህሃድ ዝጀመረ 'በገና ስቱዲዩ' ምስ ኣጣየሸ እንትኸውን፡ ብስርሑ ንፉዕን ምስጉንን ከመዝነበረ መሳርሕቱ ይምስክሩ።

ብቐንዱ ሊድ ጊታር ብምጽዋት ዝፍለጠ ኤልያስ፡ ደራሲ ዜማን ጸሓፊ ግጥምን ከምዝነበረ ድማ ይዝረብ።

ምስ መዲና፣ ዜማ ላስታስ ከምኡ'ውን ምስ ኣፍሮ ሳውንድ ዝተብሃሉ ክለባት ተጻዊቱ እዩ።

ናይ ቴዲ ኣፍሮ 'ኣቦጊዳ'፣ ናይ ሚካኤል በላይነህ 'አንተ ጎዳና'፣ ከምኡ'ውን ናይ ዘሪቱ ከበደ 'የሙዚቃ ሳንድቆች' ኤልያስ ዘወሃሃዶም ገለ ስራሕቲ ሙዚቃ እዮም።

ሚኪያ በኃይሉ ዘዜመቶ 'ሸማመተው'፣ እዮብ መኮንን ዘዜሞ 'እንደ ቃል'፣ ከምኡ'ውን ናይ ጎሳዬ ተስፋዬ፣ አረጋኽኝ ወራሽ፣ ኩኩ ሰብስቤ፣ ማህሌት ገብረ ጅወርግስን ካልኦት ገለ ብሉጻት ደርፍታቶም ንሱ ዘወሃሃዶም እዮም።

ኤልያስ መልካ ሓዳር ዘይመስረተ እንትኸውን ብኩለ መዳይ ሙዚቃዊ ስራሕቱ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ተበርኪትሉ እዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ሲዛርያ