ሙላቱ ኣስታጥቄ፡ ፈረንሳ ንፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ሙዚቀኛ ሸሊማ

ሙላቱ ኣስታትጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ 'ቫይብራፎ'ን 'ኮንጋ ድራምስ'ን (ከበሮ) ብምጽዋት ዝፍለጥ ሙላቱ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ምርኢታት ከቕርብ ኪኢሉ'ዩ።

ፈረንሳ፡ ንፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ናይ 'ጃዝ' ሙዚቀኛ፡ ሙላቱ ኣስታጥቄ ናይ ክብሪ ሽልማት ሂባ።

እቲ "ኣቦ ጃዝ ሙዚቃ ኢትዮጵያ" ተባሂሉ ዝስመ ሙላቱ ኣስታጥቄ፡ ባዕሉ ሙዚቃ ብምውህሃድ (ኮምፖሰር) ዝጻወት፡ ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ዘጥረየ ስነ ጥበባዊ'ዩ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት፡ ሚኒስተር ባህሊ ፈረንሳ፡ ፍራንክ ሊስተር፡ ነቲ ብ"ኒሻን ስነጥበብን ጽሑፍን" ዝፍለጥ ናይታ ሃገር ሽልማት ንኣቶ ሙላቱ ሂቡ።

"ኣብ ሃገራዊ ባህሊ መሰረት ዝገበረ ቅዲ ሙዚቃ ኣብ ዓይኒ ዓለም ከምዝኣቱ ዝገብሩ ስነጥበባውያን ውሑዳት'ዮም። ሙላቱ ኣስታጥቄ ድማ ሓደ ካብኦም'ዩ" ክብል ሚኒስተር ሪስተር ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

እቲ ሚኒስትር፡ ሙላቱ ምስ ተጻዋታይ ቫዮሊን ዝኾነ ቲዮ ሰካልዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተጻወተ ዘርኢ ቪድዮ'ውን ኣብ ትዊተር ለጢፉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ጂማ ኣብ 1943 ዝተወልደ ሙላቱ፡ ኣብ ከተማ ለንደን፡ ኒው ዮርክን ቦስተንን ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ ከም ዝወሰደ ይፍለጥ። ኣብኡ ድማ'ዩ፡ ንጃዝ ናይ ላቲን ዜማታትን ምስ ባህላዊ ናይ ኢትዮጵያ ሙዚቃ ኣወሃሂዱ ክጻወት ዝጀመረ።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሙዚቃ 'ስኬል' ክልተ ኖታታት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ምዕራባዊ ሙዚቃ ግን 12 ኣለዎ- ሙላቱ ድማ ንክልቲኡ ብምውህሃድ 'ኢትዮጵያዊ-ጃዝ' ፈጢሩ።

እቲ 'ቫይብራፎ'ን 'ኮንጋ ድራምስ'ን (ከበሮ) ብምጽዋት ዝፍለጥ ሙላቱ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ምርኢታት ከቕርብ ኪኢሉ'ዩ።

ወዲ 75 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ሙላቱ፡ ምስ ከም በዓል 'ዋልያስ ባንድ'ን፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበሩ 'ብላክ ጂሰስ ኤክስፒሬንስ' ዝተባህሉ ኢትዮጵያዊ-ጃዝ ዝጻወቱ ጉጅለታት ሙዚቃ ብምዃን ሰሪሑ።

ምስ ብእንግሊዝኛ ዝጻወቱ፡ ብ'ዘ ሀሊዮሰንትሪክስ' ዝፍለጥ ጉጅለ'ውን ከም ዝሰርሐ ይንገረሉ።

ሽልማት 'ኦርደር ኦፍ ኣርትስ ኤንድ ለተርስ'፡ ፈረንሳ ንልዑል ስነጥበባዊ ኣበርክቶ ዝገበሩ ስነጥበባውያን ንምሽላም ኣብ 1957 ዝተመስረተ'ዩ።