ኣምባሳደራት 6 ሃገራት ምስ ዶክተር ደብረጽዮን ክዝትዩ'ዮም

ኣምባሳደራት ሽዱሽተ ሃገራት: ኣብ ትግራይ ዑደት ልምዓት ንምክያድ ሎሚ ረፋድ ናብ መቐለ እንትኣትው፡ ጽባሕ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ክዝትዩ እዮም።
እቶም ናብ ትግራይ ዝመጽኡ ኣምባሳደራት ሃገራት ቱርኪ፣ ካዛኪስታን፣ ስሪላንካ፣ ኢንዶኖዢያ፣ ፓኪስታንን ባንግላዲሽን ኮይኖም፡ ኣብቲ ክልል ዝፍፀሙ ስራሕቲ ልምዓት ንኽልተ መዓልቲ ክዕዘቡ'ዮም።
ኣምባሳደር ኢንዶኖዥያ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣምባሳደር ፓኪስታን ድማ ፅባሕ ንጉሆ ክስዕቡ ምዃኖም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፡ እቶም ኣምባሳደራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ኢንዳስትሪያል ፓርክ፣ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግን ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦን ዑደት ከካይዱ ምኻኖም ገሊጹ።
እቶም ኣጋይሽ፡ ፅባሕ ንጉሆ ኣብ ውቕሮ ናብ ዝርከብ መስጊድ ኣል ነጃሺ ከም ዝኸዱን፡ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ከም ዝዝትዩን ተሓቢሩ።
እቶም ኣምባሳደራት ምስ ዶክተር ደብረጽዮን ዝዝትይሉ ርእሰ ጉዳይ እንታይ ምኻኑ ግን ዛጊድ ኣይተፈልጠን።
እቶም መቐለ ዝኣተዉ ኣጋይሽ፡ ሓለፍቲ መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ኣቀባብላ ገይሮምሎም እዮም።
ኣምባሳዳራት ሃገራት ቻይና፣ ኣውስትራልያ፣ ኢንዶኒዥያ፣ ህንድ፣ ኢራን፣ ጃፓንን ደቡብ ኮርያንን ካልኦትን ድማ ኣካል እቲ ዑደት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







