"ንህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ይቕሬታ ዘይትሓቱ?" ተሳተፍቲ ፖለቲካዊ ዘተ ኢዜማ

ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ዝፀወዖ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ኣብ መቐለ ኣደራሽ 'ማዘጋጃ ቤት' ኣካይዱ።
እቲ ውድብ፡ ካብ ዝምስረት ሰለስተ ኣዋርሕ ዘቑፀረ እንትኾን፡ ቅድም ክብል 'ኣርበኞች ግንቦት 7' እናተባህለ ዝፍለጥ ዝነበረ ፖለቲካዊ ውድብን ካልኦት ሽድሽተ ውድባትን፡ ንርእሶም ብምፍራስ ዝመስረትዎ ፖለቲካዊ ውድብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብይቕሬታ ዝተፈትሑ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ፡ ኣይተ ኣንዱኣለም ኣራጌ ኣብ መእተዊ ዘረበኦም፡ ገለ ሰባት "ንትግራይ ከይድካ ህዝባዊ ኣኼባ ምክያድ ዳርጋ ናብ ሰሜን ኮርያ ከይድካ ሰላማዊ ሰልፊ ምፅዋዕ እዩ ዝቑፀር" ከምዝበሉዎም ዘኪሮም፡ "ትግራይ ግን ዓደይ እዩ፤ ጭውነት ህዝቢ፡ ሎሚ እውን ተዓቂቡ ረኺብናዮ" ኢሎም።
ብሰንኪ ውድብ ጉንበት 7 ከንፀባርቖም ዝፀንሖ ቅዋማትን፡ ምስኡ ሓቢሩ ክስርሕ ዝፀንሐ ኢሳት ዝበሃል መደብር ቴሌቭዥንን ዘሕለፎም ፀብፃባት፡ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ቅሬታ ክፈጥር ፀኒሑ እዩ።
ብፍላይ እቲ ትካል ሚድያ፡ ብገበን ክኽሰስ'ውን ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ነይሩ።
እቲ ህዝባዊ መድረኽ፡ ንተሳተፍቲ ክፉት ምስኮነ፡ ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን ቐሪቦም። ካብቶም ዝቐረቡ፡
ብፍላይ፡ "ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝሰብኩ ዝነበሩ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ሒዝኩም፡ ቅድሚ ዕላማኹም ምዝርዛር፡ ንህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ይቕሬታ ንምንታይ ዘይትሓቱ?" ዝብል ብስፍሓት ይንፀባረቕ ነይሩ።
ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ኣመራርሓ ኢዜማ፡ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ ምላሽ እንትህቡ፡ "ብዛዕባ ይቕሬታ፡ 'በል' ተባሂሉ ተይኮነስ እቲ ዝበደለ ባዕሉ ተሰሚዕዎ እዩ ይቕሬታ ክሓትት ዘለዎ። ስለዚ እቶም ዝበደሉ ንህዝቢ ይቕሬታ ይሕተቱ። ንሕና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢና ነይርና። ክትዛረቡ እንተለኹም ካብ ልበይ እዩ ተሰሚዑኒ፡ ማዕረ ክንደይ ከምዝተሰመዐኩም ምርዳእ ክኢለ እየ" ኢሎም።
"ዝግበአና ብግልፂ ነጊርኩምና ኣለኹም፡ ኣይሓደግኩምልናን እዚ ድማ ግቡእ እዩ" ድማ ኢሎም።
"ብ 1997 ዓ.ም 'ትግሬ ወደ መቀሌ ንብረቱ ወደ ቀበሌ' እንትበሃል ኣበይ ነይርካ ንዝበልኩምኒ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እየ ነይረ: መን? ኣበይ? ከምዝበሎ ኣይሰማዕኹን። ኮይኑ ግን ብህዝቢ ትግራይ ይኹን ብኻልእ ህዝቢ ዝመፅአኒ ሓይሊ ፀላእየይ እዩ" እንትብሉ መሊሶም።
"95 [ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ] ን [5 ሚልዮን ተጋሩ] ዝብል ኣብ ኢሳት ዝተዘርበ ዝበልኩምዎ፡ ሻቡ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እየ ነይረ። ግን፡ ዝበለ ይበሎ፡ ህዝቢ ንህዝቢ ዘጋጭው መደረ ኣይቅበልን፤ ኣምሪረ እኹንን" ኢሎም ኣይተ ኣንዱኣለም።

እቶም ዝቐረቡ ገለ ሕቶታት ብፍላይ ንመራሒ እቲ ውድብ፡ ንፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ዝምልከቱ እንትኾኑ፡
"መራሒ ግንቦት 7 ፕሮፌሰር ብርሃኑ ኣብ ኢዜማ ምህላዉ ንዓና ኢድና ሒዙ ክጠውየና ኣይኽእልን" ዝበሉ ኣይተ ኣንዱኣለም፡ "ፕሮፌሰር ብርሃኑ ፀላኢ እዩ" ዝብል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝዝረብ "ጌጋ እዩ" ዝብል ምላሽ ሂቦም።
ኢዜማ ኣብ መረፃ 2012 ዓ/ም ዘለዎ መርገፂ እንታይ ከምዝኾነ ዝእምት ሕቶ'ውን ቐሪቡ።
ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣይተ የሺዋስ ኣሰፋ ብዛዕባ'ዚ እንትምልሱ "ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝመረፅናዮ ክንመሓደር ኣለና ኢሉ ብፅንዓት ስለዝኣምን ሎሚ ዓመት መረፃ ክካየድ ኣለዎ። ነገር ግን ርትዓዊ መረፃ ክኸውን ኣለዎ። ቅድሚኡ ክማልኡ ዝግበኦም ቅድመ ኩነት ሓቲትና ኣለና። እዚ ቅድሚ እቲ መረፃ ይውገንዶ ዝብል ግን ኣብ ሕቶ ዝወድቕ እዩ፤ ስለዚ ኣብ ግዜኡ'ዶ የርክብ ዝብል ስግኣት ኣለና ኢና ዝበልና" ኢሎም።
"ዜግነታዊ ፖለቲካ እንታይ ማለት እዩ? ብስሩ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ፍልስፍና ኢኹም ትኽተሉ?" ዝብል ሕቶ እውን መምህር ኣለምሰገድ ኣረጋይ ዝተብሃሉ ተሳታፋይ ኣቕሪቦም።
ኢዜማ ኣብ ዓርሰ-ምሕዳራ ዝኣምን ኣብ ኩሎም ክልላት ኣባላት ዘካተተ ኮይኑ፡ ግን ኣብ ዓሌትን ዘርእን ዘየድህብ ፖለቲካዊ ውድብ ምዃኑ'ውን፡ ኣይተ ኣንዱኣለም ኣብሪሆም።
ዜግነታዊ ፖለቲካ እንታይ ማለት እዩ ንዝብል ሕቶ፡ "ውድብና መሰል ሓደ ሰብ እንተተጋሂሱ መሰል ህዝቢ ይርገፅ ኢሉ ይኣምን" ድማ ኢሎም።
ከምኡ'ውን ኣቶ ኣማረ ተወልደ ዝተብሃሉ ተሳታፊ፡ "ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኢህወዴግ ኣብ ዝፈጠሮ ጌጋታት ብኸመይ መንገዲ እዩ ህወሓት በይኑ ዝሕተተሉ?" ክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም።
ኣባል ውድብ ዴሞክራስያዊ ትሕብብር ትግራይ፡ ሃይለማርያም ሕሉፍ (ታይሰን) ብወገኑ "ቀይሕ ባሕሪ ኣሕሊፉ ዝሃበ ውድብ ህወሓት፡ ሎሚ እውን ኣብ ትግራይ ይቕጥቅጠና'ሎ ኣናግፉና" ኢና።
ኣይተ የሺዋስ ኣሰፋ፡ ኣብ መብርሂኦም "ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ እዩ ኢለ ኣይኣምንን" ምስበሉ፡ ካብ ህዝቢ ሓያል ተቓውሞ ተሰሚዑ። ኣይተ የሽዋስ "እምነቱኩም እሰምዕ ኣለኹ፡ ኣነ ኣይኣምነሉን እየ ዝብለኩም ዘለኹ" ብምባል ከህድኡ ፈቲኖም።
ኣይተ ኣንዱኣለም ኣራጌ ብወገኖም "ትግራይ ናይ በይንና እያ እትብልዎ ዘረባ ግን ደው ኣብሉ" ኢሎም።
ሕገ መንግስቲ ትቕበልዎ'ዶ ንዝብል ሕቶ፡ ንኣምነሉን ንቕበሎን ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ''ይሰረዝ ኣይበልናን ዝመሓየሽ ግን ኣለዎ ኢልና ንኣምን፡ እዚ ድማ ብውሳነ ህዝቢ ዝፍፀም እዩ ዝኸውን" ክብሉ መሊሶም። ብተወሳኺ፡ እቲ ውድብ ፌደራላዊ ስርዓት እምበር ኣሃዳዊ መንግስቲ ንምህናፅ ዝቃለስ ውድብ ከምዘይኮነ ኣገንዚቡ።
ሞት ኢንጅነር ስመኘው ኮነ፡ ሞት ጀነራላትን መራሕቲ ክልልን ብዝምልከት፡ መብርሂ ክህብ እንከለዉ ድማ፡ ዝፈልጥዎ ከምዘይብሎም ኣመልኪቶም።
"ብስሩ'ውን ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኢና ተመስሪትና። በቲ ተግባር ግን ሓፊርና ኢና" ኢሎም።

"ታሪኽ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ ሽሕ እዩ ኣይትበሉና: ታሪኽ ኣኽሱም ልዕሊኡ እዩ" ዝብል ርእይቶ ዝቕረቡ ተሳታፊ፡ "ኣብ ኮምሽን ወሰንን መንነትን ዘለኩም ቅዋም ንገሩና" ክብሉ ሓቲቶም። መልሲ ግን ኣይተውሃበሉን።
ኣይተ ኣንዱኣለም ኣብ መዛዘሚ "ኢዜማ ናይ ዶ/ር ኣብዪ እዩ ዝብል ተቐባልነት ዘይብሉ ወረ እዩ። ነዚ ውድብ ንምምስራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተለና (ገና ዶ/ር ኣብዪ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኡ) ኢና ሓሲብናዮ" ኢሎም።
"ምምሕዳርን ሓይልታት ፀጥታ ከተማ መቐለ ንዝገበሩልና ምትሕግጋዝ ክብሪ ይሃበልና!" እንትብሉ ተሲኦም ኣመስጊኖም።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ገለ ነጠፍቲ፡ "እቲ ውድብ ንመቐለ ክኣቱ ንምንታይ ተፈቐደሉ?" ኢሎም ጎስጓስ ከካይዱ ፀኒሖም እዮም።
ገሊኦም ድማ "መሰሎም እዩ። ሕቶ ግን ክነቕርበሎም ይግባእ" ብዝብል ተኻቲዖም።
ኣብቲ ዘተ ዝወዓለ ሪፖርተርና ግርማይ ገብሩ፡ ብርቱዓት ሕቶታት ካብ ምቕራብ ወፃኢ፡ ኣብቲ መድረኽ ዘጓነፈ ዝኾነ ፀገም ክምዘይነበረ ሓቢሩልና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







