እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቱርኪ፡ S-400 ዝዓይነቱ ምዕቡል መከላኸሊ ሚሳይላት ካብ ሩስያ ዓዲጋ
ቱርኪ፡ ንናይ ኣመሪካ ጸቕጢ ዕሽሽ ብምባል S-400 ዝዓይነቱ ምዕቡል መከላኸሊ ሚሳይላት ካብ ሩስያ ዓዲጋ።
ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ጸረ-ሚሳይላት ዝኾነ ኣጽዋር ሎሚ ኣብ ሓደ ወታሃደራዊ መዓስከር ቱርኪ ከም ዝኣተወ ተፈሊጡ።
ኣመሪካ፡ እቲ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ ስርዓተ ምክልኻል፡ ምስተን ቱርኪ ካብ ኣመሪካ ዝዓደገተን፡ F-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእን፡ ስርዓተ ምክልኻል ወታሃደራዊ ኪዳን ኔቶን ከም ዘይሰማማዕ ኣጠንቂቓ'ያ።
ቱርኪን ኣመሪካን፡ ኣባላት ናይቲ ወታሃደራዊ ኪዳን ምዕራባውያን ሃገራት ዝኾነ ኔቶ እየን። ወታሃደራዊ እዚ ኔቶ ብኣመሪካ ዝምራሕ ክኸውን እንከሎ፡ መሪሕነት ናይቲ ውድብ ግን ካልኦት ኣባላት ሃገራት ክሕዝኦ ዘፍቅድ'ዩ።
መንግስቲ ቱርኪ፡ 100 ዝበጽሓ F-35 ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ንምግዛእ ጠለብ ኣቕሪቡ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣስታት 973 ክፋላት ናይታ ዓይነት ነፋሪት ብኩባንያታት ቱርኪ'ዩ ዝስራሕ።
ይኹን'በር፡ ቱርኪ ምስ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳን ዘለዋ ርክብ እናሓርፈፈ ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና እናሓየለ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ነቲ ሚሳይላት ንምግዛእ 2.5 ቢልዮን ዶላር ንሩስያ ከም ዝኸፈለታን፡ ኣባላት ሰራዊታ'ውን ኣብ ሩስያ ክስልጥኑ ከም ዝለኣኸትን'ዩ ዝንገር።
ሰበስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ፡ ፔንታጎን፡ ከም ዝብልዎ፡ እታ ስርሓት ኣመሪካ ዝኾነት F-35 ኣብ ጥቓ እቲ ናይ ሩስያ ሚሳይላት ክትቀርብ የብላን፡ ምኽንያቱ፡ ሩስያውያን ኪኢላታት ንስርሓት ናይታ ነፋሪት ክምዝምዝዎ ስለዝኽእሉ።
ቱርኪ ነቲ ሚሳይላት እንተ ዓዲጋቶ፡ ነተን ኣዚዛተን ዘላ ነፈርቲ'ውን ክስርዝዎ ከም ዝኽእሉ ከጠንቅቑ ጸኒሐም'ዮም። ቱርኪ ብወገና፡ ክልቲኡ ስርዓታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከም ዝትከል'ያ ክታካታዕ ጸኒሓ።
ኣገዳስነት ቱርኪ ኣብ ኔቶ ክሳብ ክንደይ'ዩ?
ብብዝሒ ሰራዊት፡ካብተን 29 ኣባላት፡ ቱርኪ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።
ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ኮይና፡ ኣብ ስትራተጂካዊ ቦታ እትርከብ ሃገር ድማ'ያ። ምስ ሶርያ፡ ዒራቕን ኢራንን ድማ ትዳወብ።
ኣብ ኲናት ሶርያ፡ ንተቓወምቲ ኣጽዋርን ሰራዊት ብምብርካት ኣገዳሲ ተራ ተጻዊታ'ያ።
ምስ ገለ ኣባላት ኔቶ ዝኾና ናይ ኣውሮጳ ሃገራት ዝነበራ ዝምድና ግን እናሓርፈፈ መጺኡ'ዩ። እተን ሃገራት፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ታይብ ኤርዶጋን፡ ካብቲ ኣብ 2016 ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ጀሚሩ፡ ናብ ምልኪ ገጹ የምርሕ ኣሎ ክብላ ይኸሳ።
S-400 ሚሳይላት ሩስያ ብኸመይ ይሰርሕ?
- ፈለማ ኣብ ርሑቕ ዝርከብ መቆጻጸሪ ራዳር፡ ነቲ ዒላማ ረኺቡ፡ ነቲ ሓበሬታ ናብታ መእዘዚት ተሽከርካሪት ይሰዶ
- እቲ ዒላማ ምስ ተለለየ ድማ፡ እታ መእዘዚት ተሽከርካሪት እቲ ሚሳይል ክትኮስ ትእዝዝ
- እቲ ትእዛዝ፡ ናብቲ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ዘላ ሚሳይል ዝጸዓነት ድርዕቲ ተሽከርካሪት ይለኣኽ፡ ሽዑ ድማ እቲ ሚሳይል ይውንጨፍ
- ምስቲ ሚሳይል ርክብ ዘለዎ መቆጻጸሪ ራዳር ድማ፡ ነቲ ሚሳይል ናብ ዒላማኡ ይመርሖ