ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እገዳ ኤርትራ ሎሚ ከልዕሎ ትጽቢት ይግበር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ዕርቂ ድሕሪ ምምጽኣን፡ ምስ ጅቡቲ ዝምድና ምምሕያሻን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንኣስታት ትሽዓተ ዓመታት ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ናይ ምልዓል ድምጺ፡ ሎሚ ምዓልቲ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበር።
መንነቶም ክግለጽ ዘይደለዩ ዲፕሎማት ንሮይተርስ ከምዝሓበርዎ፡ እተን 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ ነቲ ብብሪጣንያ ዝተነድፈ፡ ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ናይ ምልዓል እማመ፡ ብሰኑይ ከም ዝተሰማምዓሉ ሓቢሮም።
ሚኒስተር ዚና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል'ውን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሐ እገዳ ምልዓል ዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነ ብ14 ሕዳር ከሕልፍ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ እገዳ፡ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንዕጡቓት ጉጅለታት ሶማል ከም ትተሓጋገዝ ድሕሪ ምኽሳሶም ዝተነብረ ክኸውን ከሎ ኤርትራ ከም ዘይወዓለቶ ኢያ ትገልጽ።
ነቲ ጉዳይ ከጻሪ ብዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ መርማሪ ጉጅለ ሶማል ኤርትራ'ውን ዝኾነ ጭብጢ ኣብ ባይታ ከም ዘይረኸበ ገሊጹ።
ሓደ ውሳነ ክሓልፍ እንተኾይኑ፡ ትሽዓተ ናይ ኣባላት ጸጥታ ናይ ድጋፍ ድምጺ ዝደሊ ኮይኑ፡ ካብተን ናይ ቀውፊ ድምጺ ዘለወን ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ማለት ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሩስያን፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን ተቓውሞ ክህሉ የብሉን።
ብመሰረት እቲ ካብቶም ዲፕሎማት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ውሳነ ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞ ብምሉእ ድምጺ ክሓልፍ ኢዩ።
እቲ እማመ ንእገዳ ኣጽዋር፡ መገሻ ዝተወሰኑ ላዕለዎት ሓለፍትን ምድስካል ርእሰማልን፤ ምሉእ ብምሉእ ከልዕሎ ትጽቢት ከምዝገብር ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto
ብዘይካ'ዚ ኤርትራን ጅቡትን ነቲ ከባቢ ዓሰርተ ዓመታት ዝገበረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ሓቢረን ክሰርሓ ዝጽውዕ ኮይኑ፤ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ኣብ ለካቲት 15፡ ብድሕሪኡ'ውን ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብዚ ጉዳይ ጸብጻብ ከቕርብ ይሓትት።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎአን ዝጸንሐ ናይ ኲናት ሃዋህው ምኽታሙ ድሕሪ ምእዋጀን፡ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ንዕርቂ ክሰርሓ ተሰማሚዐን ኢየን።
ኣብ ሰነ 2008፡ ኤርትራ ሰራዊታ ዶባት ሰጊሮም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ጅቡቲ ድሕሪ ምኽሳሳ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ኲናት ምክያዱ ይዝከር።
ባይቶ ጸጥታ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ምዕባለታት ብሓጎስ እኳ እንተተቐበሎ፡ ንጉዳይ ምልዓል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሐ እገዳ፡ ከይደፍኣሉ ኢዩ ጸኒሑ። እቲ ምኽንያት ድማ ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ ከምኡውን ኣይቮሪኮስት ዘለወን ዕቃበታት ድሕሪ ምግላጸን ኢዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







