ክልል ኦሮምያ፡ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ክልል ኦሮምያ ምብራቕ ወለጋ፡ ወሊጋልተ ኣብ ዝበሃል ገጠር ክልተ ተወለድቲ ትግራይ "ብኣሰቃቒ መገዲ" ከምዝተቐተሉ ኣብቲ ከባቢ 18 ዓመት ዝተቐመጡ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ንቢቢሲ ብስልኪ ሓቢሮም።

እቶም መወትቲ፡ ኣብ ዕድመ ንእስነቶም፡ ብ1977 ዓ/ም ናብ ወለጋ ብመደብ ሰፈራ ተወሲዶም፡ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ምስ ሙሉእ ቤሰቦም ኣብኡ ዝዓበዩን ሓሪሶም ዝናበሩ ዝነበሩን ፍፁም መሓርን ሃፍቱ ሓገዞምን እዮም።

እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማታት መኾንን መቐለን ገዛ ዓዲጎምስ፡ ኣይተ ፍፁም ንብረቱ ፅዒኑ ንዓዱ እንተምርሕ፡ ኣብ ናዕቢ ዝነበሩ መናእሰይ ካብ መኪና ጎቲቶም ኣውሪዶም ከምዝቐተልዎም ተሓቢሩ።

ሬሳ እቶም መውትቲ ናብ ፖሊስ ጣብያ ኣምጺኦም ከምዘረከብዎም፡ እንትኾነ ግን፡ እቲ ሬሳ ሒዞም ናብ ትግራይ እንትመፁ፡ ኣብ መንገዲ ፀኒሖም 'ኣብዚ ዘይትቐብርዎም እንተኾይንኩም ክነቃፅሎምም' ኢና ኢሎም ስለዝኸልእዎም ተመሊሶም ናብ ሓለፍቲ እቲ ወረዳ ኣመልኪቶም ምላሽ ይፅበዩ ምህላዎም ገሊፆም።

ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ሲሬ ኮማንደር ጫላ ኦቦሶ፡ ትማሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ እቶም ክልተ ሰባት ብደናጉላ ተቐጥቂጦም ከምዝተቐተሉ ኣረጋጊፆም።

ጠንቂ ሞት እቶም ሰባት ነፃርዮ ኣለና ዝበሉ እቶም ኣዛዚ፡ ዝተታሕዙን ዘምለጡን ጥርጡራት ኣለዉ ኢሎም።

ይኹን'ምበር፡ ስድራ ቤት፡ ሬሰኦም ናብ ዝደልይዎ ወሲዶም ንኪቐብሩዎም ከምዝተኸልከሉ መረዳእታ ብለይን ዝብሉ ኮማንደር ጫላ፡ እቲ ሬሳ ካብ ምርመራ ምስ ተመለሰ ኣብቲ ወሊገልቴ ዝተብሃለ ቀበሌ ሓመድ ድበ ከምዝተፈፀመ ተዛሪቦም።

እቶም ግዳያት ኣብ ዘመነ ደርጊ ብሰፈራ ፕሮግራም ተገገፊፎም ካብ ዝውሰዱ እቶም ኮማንደር ወሲኾም ሓቢሮም።