እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጣና በለስ ንተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ዒላማ ዝገበረ ጥቕዓት እዩ ተፈፂሙ፡ መንግስቲ ትግራይ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ፡ ከተማ ፈንደቃ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ፕሮጅክት ሽኮር ጣና በለስ ሰለስተ ተጋሩ ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝግበር ዘሎ ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝፍፀም ዘሎ ጥቕዓት ምዃኑ፡ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።
ሬሳ እቶም ግዳያት ሎሚ መዓልቲ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዩ'ሎ። ወዲ 24 ዓመት ሃፍቶም ሃይሉ፡ ኣስከሬን ሓዉ ክቕበል ካብ ኣላማጣ ጀሚሩ ክሳብ መቐለ ተጓዒዙ።
"ሓወይ ኣብ ጣና በለስ እዩ ተቐቲሉ። ሕዚ ሬሳ ሓወይ ሒዘ ናብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ መስሑል ኢና ንኸይድ ዘለና" ኢሉና።
"ተግባር እዞም ሰባት ብጣዕሚ ዘስካሕክሕ እዩ፡ ብቓላት ምግላፅ ኣይከኣልን" ዝብል ሃፍቶም፡ "ሰብ ሰሪሑ ክበልዕ እንከሎ፡ ከምዚ ዓይነት ዘስካሕኽሕ ተግባር ምፍፃሞም ዘሕዝን እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ጠጠው ክብል ይግባእ" ይብል።
ኣደታት ትግራይ እውን ኣብ ከቢድ ሓዘን ኣለዋ። ሰብ፡ ንስራሕ ወፊሩ ትግራዋይ ጥራሕ ብምዃኑ ክሳብ መዓዝ'ዩ ክጥቃዕ ይብላ።
ኣስከሬን መወትቲ ክቕበላ ዝረኸብናየን ሓንቲ ወላዲት፡ ካብ ሞንጎ እቶም ሰለስተ ዝተቐተሉ ሰባት ንመዋቲ ሮቤል ያቆብ ይፈልጥኦ እየን።
"ሮቤል ያቆብ፡ ኣብ ኣስመራ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ናብዚ ካብ ዝመፅእ ድማ ሽድሽተ ዓመት እዩ ገይሩ" ክብላ መንነት መዋቲ ገሊፀናልና።
"ኣብዚ ናይ ሽኮር ፋብሪካ ክሬን ሒዙ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። እዚ ወሪዱና ዘሎ ኩነታት ከቢድ እዩ፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ የቕልሎ። እዚ ትግራዋይ ናፈለኻ ምቕታል ንምንታይ? መንግስቲ ሓደ ነገር ንክገብር ኢና ንፅበ። ኣብኡ ዘለዉ ደቅና እንታይ ዕድል ከምዘጋጥሞም ኣይፍለጠን። ዝሓዝናሎም ነገር የብልናን፡ ምኽንያቱ ደቅና ኣብ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን ዝነብሩ" ክብላ ንመፃኢ ዘለወን ስግኣት ይገልፃ።
ካብቶም ዝተቐተሉ ሰለስተ ሰባት ብተወሳኺ፡ ሓደ ናብ ሕክምና ከምዝተወሰደ፡ ምስክር ዓይኒ ትማሊ ንቢቢሲ ገሊጹ።
በቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ብሄር ተኮር ጥቕዓት ይበጽሕ ከምዘሎ ዝገለጸ እንትኾን፡ ዝምልከቶም ኣካላት ምትሕብባር ክገብሩልና ይግባእ ክብል ሓቲቱ።
ሽሙ ክገልፅ ዘይደለየ ዘዘራብናዮ ውልቀ ሰብ፡ እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ብዝነብር ሰብ፡ ብሽም ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ይገልፅ።
"እዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከተማ ብዝነበር ሰብ ብድንገት እዩ ተላዒሉ። ተጋሩ እዮም ዝተብሃሉ ሰባት እንትርከቡ ሰባት ሱቕ ኢልካ ምጭፍላቕ እዩ" ይብል።
"ሕዚ ሰብ ተቐቲሉና ኣሎ። ንገብሮ ጨኒቑና እዩ ዘሎ። ዛጊድ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም፡ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ሆስፒታል እዩ ዝርከብ" ኢሉና።
ኣብቲ እዋን፡ " ኣካላት ፀጥታ ዋላ እኳ እንተነበሩ፡ ዝገበርዎ ነገር ኣይነበረን፡ ሬሳ ወዲቑ እውን ዘልዕሎ ሰብ እዩ ተስኢኑ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
" ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሕና እውን ኣካል እቲ ጥቕዓት ስለዝኾንና፡ ካብዚ ቦታዚ ዘውፅኣና ኣካል ጥራሕ ኢና ንደሊ ዘለና" ክብል እቲ ዝርከብሉ ኩነታት ሓቢሩልና።
ሓላፊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ወረዳ ጃዊ ኣቶ ብርሃኑ ንብረት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምኽንያት እቲ ዝተልዓለ ጎንፂ ምጥፋእ መብራህቲ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡
ምኽንያት ምቁርራጽ መብራህቲ ንስኻትኩም ኢኹም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰባት ጥቕዓት ከምዝተፈጸ'ኳ እንተገለጸ፡ ፖሊስ ኮሚሽን ቲ ክልል የጻርዮ'ዩ ዘሎ ኢሉ። እቶም ዝሞቱ ሰባት ካበይ ከባቢ ከምዝኾኑ ይጻረ'ዩ ዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የብልናን ድማ ኢሉ።
ብሄራዊ ክልልዊ መንግስቲ ትግራይ ግና፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ህንፀት ፋብሪካ ሽኮር ጣና በለስ ሰለስተ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ።
ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝኾነን፡ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ኣምሓራን፡ ነዚ ተግባር ንዝፈፀሙ ሰባት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ስጉምቲ ክውሰደሎምን ኣተሓሳሲቡ።
መንግስቲ ትግራይ ነዚ ኩነታት ዘፃርይ ኮሚቴ ኣጣይሹ ናብቲ ከባቢ ከምዝልእኽ ድማ፡ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።