ስርዓተ ቀብሪ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ትማሊ ተፈፂሙ

ስርዓተ ቀብሪ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረኸቡሉ ትማሊ ተፈፂሙ።
ኣስከሬን ንምስናይ ኣብ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ኣብ ሞንጎ መናእሰይን ፖሊስን ጎንፂ ከምዝተወለዐ ተፈሊጡ።
ካብ ኣደባባይ ናብ ቤተ-ክርስትያን ክኸይድ ዝደለየ እኩብ ህዝቢ ክኸይድ ከምዘይክእል ምስተሓበረሉ እቲ ጎንፂ ከምዝተወለዐን ፖሊስ መንብዒ ጋዝ ከምዝተጠቐመን ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ገሊፁ።
መንገድታት ተዓፅዮም ህዝቢ ናብ ቤተ-ክረስትያን ከይኸይድ ዝተገበረሉ ምኽንያት፡ ፖሊስ እኹል ቦታ ከምዘየለ ስለዝሓበረ እዩ።
ሓደ ካብ ተሳታፊ ንሪፖርተርና ከምዝገለፀሉ ፖሊስ መንብዒ ጋዝ ናብቲ እኩብ ህዝቢ ተኲሱ።
ኣብ ከባቢ ኣደባባይ ኣራት ኪሎ'ውን ተቓውሞ ተላዒሉ ነይሩ።
ዳይሬክተር ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፡ ህዝባዊ ተሳትፎ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ፤ ወ/ሮ ሮማን ገብረስላሴ፡ ኢንጅነር ስመኘው ካብ መንጎ እቶም ቀንዲ ሓርበኛታት ልምዓት ኢትዮጵያ ሓደ እዮም ኢለን፡ ንቢቢሲ።
"ቀንዲ መግለፂ ኢንጂነር ስመኘው ህዝባውን ንዕብየት ሃገር ቆራፅ ኮይኑ ዝሰርሕን ኢለ እየ ዝገልፆ" ኢለን።
"ኣብ ሃገርና ብዙሓት ጀጋኑ ህይወቶም ሓሊፉ እናተተክኡ መፂኦም እዮም። ሐዚ'ውን እዚ ጅግና ዝጀመሮ ስራሕ ምዝዛም እዩ እቲ ዋና ቁም ነገር"።
ኢንጅነር ስመኘው ቅድም ክብል 'ውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ህንፀታት ፍልፍል ሓይሊ መብራህቲ ኤሌክትሪክ ዝተሰተፈ ምዃኑ ይዝረብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







