እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕማም ሽሮኽ 40 ኮንጋውያን ስደተኛታት ቀቲሉ
ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ካብ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ብምህዳም ናብ መዕቖቢ ስደተኛታት ካምፓላ ኡጋንዳ ዝተመዛበሉ 40 ኮንጋውያን ብሕማም ሽሮኽ (ኮሌራ) ከምዝሞቱ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ሆስፒታላት ኡጋንዳ ኣብ ግዝኣት ኢቱሪ ብዝካየድ ዘሎ ኩናት ሕድሕድ ብዝወሓዙ ስደተኛታት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ከምዝመልኣ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።
እዚ ኩነታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክያንግዋሊን ክያካ ሕማም ሽሮኽ (ኮሌራ) ንክላባዕ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ እዩ።
ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 2 ሽሕ ጉዳያት ሕማም ሸሮኽ ከምዝተቖፃፀረ እቲ ትካል ሓቢሩ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣስታት 70 ሽሕ ኮንጋውያን ናብ ኡጋንዳ ከምዝተሰደዱ ትካል ቀይሕ መስቀል ይገልፅ።