እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩናይትድ ምስ ሲቲ... መን ትስዕር ትኸውን?
ማንችስተር ሲቲ እዚ ናይ ሕጂ ውድድር ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ስዕረት ኣጋጢሙዋ። ኣብ ፀዋታ ፕሪምየርሊግ ምስ ዩናይትድ ኣብ ዝህልዋ ግጥም ኸ ትሰዓር'ዶ ትኸውን?
ተንታኒ ቢቢሲ ስፖርት ማርክ ላውረንስ፡ " ኣብ ኦልትራፎርድ ዝህሉ ዋዒ ፀዋታ ሓያል እዩ ዝኸውን" ይብል። ላውሪ ነዚ ፀዋታ ሓዊሱ፡ ናይ ካልኦት ፀዋታት ግምት እውን ኣቐሚጡ ኣሎ።
ቀዳም
ዌስትሃም ምስ ቼልሲ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሲቲ ዝተፃወተት ዌስትሃም፡ ማዕረ ትኾነሉ ዕድል ኣምኪና እያ። ዌስትሃም ኣብቲ ፀዋታ ዝነበራ ብቕዓት ፅቡቕ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ፡ ንዴቪድ ሞየስ ብጣዕሚ ወሳኒ ውፅኢት እዩ ነይሩ።
ኣሰልጣኒ ቼልሲ ኣንቶኒዮ ኮንቴ፡ ዋላ እኳ ምስ ኣርሴናል፣ ሲቲ፣ ሊቨርፑልን ዩናይትድን ልዑል ፀዋታ እንተዘይተፃወቱ፡ ምድርራብ እቲ ፀዋታ ንጋንታይ ይሃስያ ኣሎ ይብሉ።
ዌስትሃም ንቼልሲ ፈታኒት ከምእትኸውን ትሓስብ።
ናይ ላውሮ ግምት፡ 1 - 1
በርንሌይ ምስ ዋትፎርድ
በርንለይ ብሌይስተር 1-0 ኣብ ዝተሳዕረትሉ ፀዋታ እንተወሓደ ሓደ ነጥቢ ክትረክብ ምተገብኣ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ልዕሊ እቲ ነጥቢ እቲ ሕማቅ ኣጋጣሚ፡ ኣዝዩ ንፉዕ ተፃዋቲኣ ሮቢ ብራዲ ብማህረምቲ ምስኣና እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ10 ሰባት ጥራሕ ንዝተፃወተት ቶተንሃም ክትስዕር ዘይኸኣለት ዋትፎርድ ኣብዚ ፀዋታ ክቀንዓ እዩ ኢለ ኣይኣምንን።
ናይ ላውሮ ግምት፡ 2 - 0
ክሪስታል ፓላስ ምስ ቦርንማውዝ
ሮይ ሆጅሰን ወንበር ኣሰልጣንነት ካብ ዝሕዙ ንደሓር፡ ፓላስ ቀስ ብቀስ ፅቡቕ ውፅኢት እናምፅአት እያ።
ቀፃሊ ዝኾን ድማ ኣብ ምውራድ ካብ ዘለዋ ጋንታታት ምውፃእ እዩ። ኣብዚ ሰሙን ዋላ እኳ እንተዘይኾነ፡ ኣብ ቀፀልቲ ሰሙናት ከምዝከውን ግን እኣምን።
ኣብ ቦርንማውዝ ዘተሓስስበኒ ነገር ድማ፡ ሓደ ዓይነት ብቕዓት ክተርእይ ዘይምኽኣላ እዩ።
ይኹን እምበር ክትወርድ እያ ኢለ ኣይሓስብን።
ናይ ላውሮ ግምት፡ 2 - 1
ሃደርስፊልድ ምስ ብራይተን
ሃደርስፊልድ ብተኸታታሊ ኣብ ኣርባዕተ ፀዋታት ተሳዒራ። ድሕሪ ውድድር ሓደ ሲዝን፡ ናብ ታሕተዋይ ሊግ መሊሳ ክትወርድ እያ ዝብል ሕቶታት እናተልዓሉ እዮም።
ብራይተን እውን ብተመሳሳሊ ካብ ዝነበረቶ ደረጃ ምውራድ ጀሚራ ኣላ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝሓስቦ እንተሃለወ፡ ኣብ ኣሰልጠንቲ ክህሉ ዝክእል ፅዕንቶ እዩ።
ክልቲአን ጋንታት ሰለስተ ነጥቢ ንምርካብ ኢለን፡ ኣብ ፀወታ ጠላዕ ከምዘይኣትዋ እምነተይ እዩ።
ናይ ላውሮ ግምት፡ 1 - 1
ስዋንሲ ምስ ዌስትብሮም
ዌስትብሮም ኣብ ዝሓለፉ 14 ፀዋታት ክትስዕር ኣይከኣለትን። ይኹን እምበር ኣብ ዝሃለፉ ሰለስተ ፀወታታት ስእረት ኣየተኣናገደትን።
ስዋንዚ ብወገና፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ፀዋታት፡ ሓደ ነጥቢ ጥራሕ እያ ክትረክብ ክኢላ፤ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰደቓ ክትስራዕ ድማ ግድን ኮይኑ።
ናይ ላውሮ ግምት፡ 1 - 1
ቶተንሃም ምስ ስቶክ
ስቶክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየደቶ ፀወታ 1-0 ካብ ምምራሕ ተላዒላ፡ ሰለስተ ነጥቢ ክትረክብ ክኢላ ኣላ፤ ብንእሽተይ እውን እንተኾነ ካብ ደረጅኣ ካብ ምውራድ ድሒና።
ቶተንሃም ዋላ እኳ ኣብዚ ሰሙን ነጥቢ እናደርበየት እንተኾነት፡ ማልሳይ ናብ ዝነበረቶ ከም ትምለስ ግና ጥርጥር የብሉን።
ናይ ላውሮ ግምት፡ 2 - 0
ኒውካትስል ምስ ሌይስተር
ኒውካስትል ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ፀዋታት ሓደ ነጥቢ ጥራሕ እያ ክትረክብ ክኢላ።
ሌስተር ብኣንፃሩ፡ ንበርንለይ ብምስዓር፡ ኣብ ዘመን ክላውድ ፑየል፡ ፅቡቕ ለውጢ ክተምፅእ ክኢላ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሌስተር፡ ኣብ ታሽዓይ ደረጃ እንትትርከብ፡ ኣብ ዝምጥና ቦታ ከምዘላ እሓስብ። ይኹን እምበር ኒውካስትል፡ ኣብዚ ፀዋታ እዚ ከምትዕወት ግምተይ እዩ።
ናይ ላውሮ ግምት፡ 2 - 1
ሳውዝሃምፕተን ምስ አርሴናል
ምስ በርንማውዝ ፀዋታ ዝነበራ ሳውዝኣምፕተን፡ ካብ ድሕሪት ብምብጋስ ብማዕረ ክትፈላለ ክኢላ። ሕዚ እውን ምስ ኣርሴናል ዝህልዋ ፀዋታ ብማዕረ ከምትፈላለ እግምት።
ዩናይትድ ሓፁር ልዳት ኣርሴናል ከምዝፈተንቶ ኩሉ፡ ሳውዝኣመፕተን እውን ክትፍተን እያ ዋላ እኳ እንተዘይበልኩ፡ ጎል ንክቁፀራ ክትገብር እያ ዝብል እምነት የብለይን።
ናይ ላውሮ ግምት፡ 1 - 1
ሊቨርፑል ምስ ኤቨርተን
ኤቨርተን ሓድሽ ኣሰልጣኒ ቆፂራ ኣላ፤ ንሳም ኣላርዳይስን። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ፀዋታት ድማ ተዓዊታ።
እዚ ፀዋታ ከቢድ ውድድር ከስዕብ ከምዝኽእል ዋላ እኳ እንተሓሰብኩ፡ ሊቨርፑል ብዝተኻእለ መጠን ልዳታ ከም ትሕሉ እዩ ዝስመዓኒ።
ናይ ላውሮ ግምት፡ 2 - 0
ዩናይትድ ምስ ሲቲ
ፖል ፖግባ ኣብዚ ወሳኒ ፀዋታ ኣይሳተፍን፤ ዴቪድ ሲሊቫ እውን ከምዘይስለፍ እኳ ተገሊፁ እንተነበረ፡ ካብ ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ከምዝደሓነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። ንዩናይትድ ፅቡቕ ዜን ዝኸውን ድማ፡ ናይ ተኸላኻሊ ሲቲ ቪንሴት ኮምፓኒ ዘይምስላፉ እዩ።
ኣብዚ ፀዋታ እቲ ወሳኒ ነገር ድማ፡ ጆሴ ሞረንዮ ሒዞሞ ዝኣትዉ ታክቲክ እዩ። ቅድሚ ብዙሓት ፀዋታት ከምዝትልምሉ ድማ ኣይጠራጠርን። ንዚ እዩ ግምተይ ናብ ዩናይትድ ዘዘምብል።
ናይ ላውሮ ግምት፡ 2 - 1