እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቐመጢ ዓይነ ምድሪ ዝመሃዘ ሰራሒ ሰዓት
ሓደ ኣብ ለንደን ዝርከብ ሰራሒ ሰዓት እዩ ነዚ ዘመናዊ ዓይነ-ምድሪ ዝመሃዘ፥ ክምስገን ድማ ይግባእ።
ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ዝመሃዞ ጥውይውይ ዝበለ ቱቦ፥ እታ ሽቓቕ ምስተጠቐምና ማይ ንምደፋእ እንጥቀመሉ ሜላ ከኣ መሰረቱ ንሱ እዩ። ቅድሚኡ እዚኣ ጎዲላ እቲ ፈጠራ ማይ ንማይ ተሪፉ ነይሩ።
ሎሚ ከምዚ እንሪኦ ናይ ህዝቢ ዓይነ-ምድሪ ንክፍጠር ዓብይ ግደ ኣለዎ።
እንተኾነ ግን ድሕሪ ክልተን ፈረቓን ክፍለ ዘመናት፥ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ዝግመቱ ደቂ ሰባት እዚ ንንፅህና መሰረታዊ ዝኾነ ዘመናዊ ዓይነ-ምድሪ የብሎምን።
እቲ መሃዛይ ነቲ ቴክኖሎጂ ይፍጠር 'ምበር፥ ሐዚ'ውን ፀገም ቀረብ ኣሎ።
ከመይ ተጀመረ
ኣሌክሳንደር ካሚንግ ኢንጂነር ቴክኖሎጂ ዓይነ-ምድሪ ጥራሕ ኣይነበረን። ካልኦት ፅፈት ዘለዎም ምህዞታት 'ውን ኣለዉዎ።
ንጉስ እንግሊዝ ጆርጅ ሳልሳይ፥ ኣሌከሳንደር ፀቕጢ ኣየር ክዕቅን ዝኽእል መለክዒ መሳርሒ ንኽምህዝ ኣዚዙዎ ሰሪሑ።
ማይክሮቶም ዝበሃል ጭዳድ ዕንፀይቲ ኣድቂቑ ዝጥሕን (ዝበታትኽ) መሳርሒ እውን ምሂዙ።
ኮይኑ ግና፥ ካሚነግ እዞም ኩሎም ምህዞታቱ ክንድዚ ኣብ ዓይነ-ምድሪ ዘምፀኦ ዓለማዊ ስግግር ኣይኸውንን።
ቱቦ ዓይነት ኮይኑ ኣብ ውሸጡ ለዋይ ቅርፂ ዘለዋ (ከርቭ) ገይሩሉ።
ኣብ 1777 ዓ/ፈ እዚ ኤስ-ቤንድ ዝተብሃለ መሳረሒ ፈጠርኡ ከምዝኾነ ብስሙ ኣመዝጊቡ። ቅድሚኡ ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓለት ዓይነ-ምድሪ እዚኣ እያ ጎዲላታ ነይራ።
እዚ ምስተግበሮ ግን ሎሚ እንፈልጦ ናይ ህዝቢ ዓይነ-ምድሪ ምፍጣር ተኻኢሉ።
ቀሊል ሜላ
ቅድሚ ሓዚ ማይ ዝስደደሉ ሜላ ሕማቕ ጨና የስዕብ ነይሩ። ጥብቕ ዝበለ መዐፈኒ እንተድኣ ዘይተገይርሉ፡ ማይ ምስተሰደደ ዋላ'ኳ ሽንትን ፍታንን ናብቲ ጉድጓድ እንተኣለየ፡ ጨና እቲ ጉድጓድ ግና ናብ ላዕሊ ይወፅእ።
ናይ ኣሌክሳንደር መፍትሒ ድማ፡ ብጣዕሚ ዝቐለለ ነይሩ፤ ማይ ቡንቧ ምፍጣር። እቲ ማይ ኣብቲ ዝተዓፀፈ ቦታ ስለ ዝእከብ፡ ናብ ላዕሊ ንዝምለስ ጨና፡ ይዓግቶ ነይሩ። ማይ ብዝተሰደደሉ ቁፅሪ ድማ ይሕደስ።
ሕዚ ዘሎ ቅርፂ ቡንቧ፡ ከም ቅደም ሰዓብ ፊደላት ኢንግሊዘኛ ቅርፁ ካብ 'S' ናብ 'U' ዋላ እኳ እንተተዘዋወረ፡ ኣብ ዓይነ-ምድሪ ማይ ዝኸደሉ መገዲ ግና ኣይተቐየረን።
እዚ ምህዞ ዋላ'ውን ዝነበረ ይኹን ኣብ ጥቅሚ ንምውዓል ግና ነዊሕ ግዜ እዩ ወሲዱ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውⶂጳውያን፡ ምስ ዓለም-ለኸ መዳርግቲ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ዓብይ ምርኢት ንግዲ (ኢግዚብሽን) ንህዝቢ ቀሪቡ።
ናብ ዓይነ-ምድሪ ማይ ምስዳድ (ምፍሳስ)፡ ኣብ ለንደን ሓድሽ ስለ ዝነበረ፡ ንህዝቢ ዓብይ ሓጎስ ፈጢሩ።
ብኸምዚ ዓይነት ኣብ ዝተሰርሑ ዓይነ-ምድርታት ንምጥቃም፡ ኣብ ኢንግሊዝ ሓደ ሳንቲም ምኽፋል ግድን ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ብዘመናዊ ስራሕቲ ቡንቧ ብዝተረኸበ ሓድሽ ምህዞ፡ ንምድማምን ንምጥቃምን ክብሉ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ከተማ ለንደን ተሰሊፎም ነይሮም።
ካብ ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ብዝተረኸበ ሓበሬታ መሰረት፡ ብ1980 ኣፃፅራ ኣውሮጳውያን ፡ ርብዒ ህዝቢ ዓለም ተጠቃሚ ዓይነ-ምድሪ ዝነበረ እንትኸውን፡ ድሕሪ 170 ዓመታት ክልተ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ዓይነ-ምድሪ ክጥቀም ክኢሉ እዩ።
ኣብ ምጣነ-ሃፍቲ ዘስዕቦ ወፃእታት
እዚ ማለት፡ ልዕሊ ክልተ ቢልየን ዝኸውን ህዝቢ ግልጋሎት ዘመናዊ ዓይነ-ምድሪ የብሎምን።
እዚ ሜላ ስሩዕ ብዝኾነ መልክዑ፡ "ርስሓት ወዲሰብ ካብ ሰብ የርሕቕ እምበር"፡ ናይቲ ቡንቧን ቱቦን ፀገም ኣይኣልን።
ከምዚ ዓይነት ርስሓት መወገዲ ኣገልግሎት ዝረኽቡ ሰባት፡ ፍርቂ በዝሒ ህዝቢ ዓለም እኳ ኣይመልኡን።