Unit 1: How do I...
Select a unit
- 1How do I...
- 2Unit 2
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 16
Listen to find out how to talk about your childhood hobbies.
ጽን ኢልኩም ብምሰማዕ፡ ከመይ ጌርኩም ብዛዕባ ናይ ንእስነቱኩም ዝምባለ ምዝራብ ክትክእሉ ተኸታተሉ።
Activity 1
How do I talk about my childhood hobbies?
ካብዚኣቶም ኣየናይ እዩ ምሉእ ሓሳብ ብዛዕባ ዝንባለ ዚዛረብ?
I played football last week.
I was playing football yesterday afternoon.
I used to play football as a child.
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ መልስታትኩም ገምግሙ። ካብኡ ነቲ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ኣወዳዱርዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ How do I… ብድሓን መጻእኩም። ኣነ ተኽልማርያም በኪት ኢየ፡ ምሳና’ውን ሳም ኣላ።
Sam
Hello, everybody. Welcome!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ’ዚ ክፋል እዚ፤ ብዛዕባ… ክንዛረብ ኢና። እስከ ብዛዕባ ምንታይ ከም ዝኾነ ገምቱ። በሉ ብዕላል ናይ ገለ ሰባት ብዛዕባ ዝንባለኦም ዝዛረቡ ዘሎው ብምስማዕ ንጀምሮ።
ብዛዕባ ናይ ሕጂ ወይ ናይ እዋን ቁልዕነት ዝነበሮም ድልየት ከምዝዛረቡ ወስኑ።
A.I used to play football with my friends but now I don’t.
B.I used to watch a lot of films when I was a child.
C.I didn’t use to listen to music much when I was young.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ስለዚ፤ ብዛዕባ ናይ ሕጂ’ዶ ናይ ቀደም ድልየታቶም ወይ ተገዳስነቶም ተዛሪቦም?
እወ ሓቆም፡ ናይ ቆልዕነቶም ተዛሪቦም።
Sam
Absolutely! Now let’s have a look at the language they used.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ፤ ኣብዚ ኹሉ ሙሉእ ሓሳባት እምብኣር እዞም ሰባት፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ድልየታቶም ‘past habits’ ዝገበርዎ ወይ ዘይገበርዎ ነገራት’ዮም ተዛሪቦም። እስከ ነዚ ንምግላጽ ዝተጠቐሙሉ ሓረግ ደጊምና ንስማዓዮ።
I used to play football with my friends.
I used to watch a lot of films.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕሉፍ ድልየታቶም ወይ ተደጋገምቲ ተግባራት ንምግላጽ ዝተጠቐሙሎም ሓረጋት እምበኣር ‘used to’ ዝነበረ፤ እዩ ኔሩ።
Sam
Yes, and did you hear what we put after ‘used to’?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Let’s listen again! ሕጂ ብድሕሪ ‘used to’ እንታይ ከም እንጥቀም ንርኣ።
I used to play football with my friends.
I used to watch a lot of films.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
What did you hear? ነፍሲ ወከፍ ተዛራባይ ብድሕሪ ‘used to’ ከም ሰረት ግሲ ወይ ተግባር ተጠቒሙ። ‘play’ ‘ምጽዋት’ ከምኡ’ውን ‘watch’ ‘ምርኣይ’ ‘ዝብሉ ቃላት’ውን ሰሚዕና ኢና፤ ኣብ’ዚ ግን ዝኾነ ግሲ ምእታው ይከኣል። ከም መሰረታዊ ቕዲ እምበር ከም መባዝሒ ክንጠቀመሉ የብልናን። ምኽንያቱ ‘used to’ ብዛዕባ ሕሉፍ ንዛረብ ከም ዘሎና ስለ ዝገልጽ።
Sam
Now, let’s quickly practise the pronunciation together! The important thing to notice here is that we pronounce ‘used to’ together, not like it’s two separate words. Repeat after me:
used to…
I used to…
I used to play football.
I used to watch films.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Great! ሕጂ ሓደ ተዛራባይ ብዛዕባ ዘይገብሮ ዝነበረ ነገር ፍልይ ዝበለ ክዛረበ’ዩ፤ ብዛዕባ ዘይገብሮ ዝነበረ ነገር። ብኸመይ ከምዝገልጾ ንምፍላጥ ደጊምኩም ስምዕዎ።
I didn’t use to listen to music much.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰሚዕኩምዎ’ዶ? ቅድሚ ‘use to’ ‘didn’t’ ተጠቒሙ። ብድሐሪ ‘use to’ ድማ ግሲ ተጠቂሙ። Simple!
Sam
Yes, it is! Let’s practise the pronunciation together. Repeat after me:
didn’t use to…
I didn’t use to...
I didn’t use to listen to music much.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Thanks, Sam. ሕጂ ብዛዕባ ሕሉፍ ወልፍታት ብኸመይ ከም እትዛረቡ ተማሂርኩም ኣለኹም፡ ሕጂ ግዴኹም ፈትኑ።
ኣብ ግዜ ቁልዕነትኩም ብዙሕ ፊልም ኣይትርእዩን ኔርኩም ንበል፤ እቲ ዘድልየኩም ቃል ‘watch films’ ኮይኑ ኣሉታዊ ክኸውን ኣለዎ። ድሕሪ መልሲ ሳም ምስማዕኩም ኣነጻጽሩ።
Sam
I didn’t use to watch films.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ ናይ ጊዜ ቁልዕነትኩም ዝንባለ ሙዚቃ ምስማዕ እዩ ኔሩ ንበል፤ እንታይ ትብሉ? ‘Listen to music’ ዝብል ቃል ምጥቃም ኣይትረስዑ። ንሳም ሰሚዕኩም ድማ ኣነጻጽሩ።
Sam
I used to listen to music.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ መወዳእታ፤ ናይ ጊዜ ቁልዕነትኩም ወልፊ ኩዑሾ ምጽዋት እዩ ኔሩ ንበል፤ እንታይ ትብሉ? ‘Play football’ ዝብል ቃል ምጥቃም ኣይትረስዑ።
Sam
I used to play football.
Well done! Now you know how to talk about past habits, so find a friend and tell them about your childhood hobbies!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Good idea! Sam, what were your childhood hobbies?
Sam
Well, I used to play the piano…I used to read a lot… I didn’t use to watch much television…
Learn more!
1. ብዛዕባ ሕሉፍ ግዜ ክንዛረብ ‘used to’ ክንጥቀም ንኽእል’ዶ?
Yes! እወ፡ ኣብዚ ብዛዕባ ልዕሊ ሓደ ሕሉፍን ዝውቱርን ንጥፈታትን ዝደጋገም ንዛረብ ኣለና። ነዞም ነገራት ንህሉው ኩነታት ክንጥቀመሎም ንኽእል ኢና። እንተኾነ ግን 'used to' ብፍሉይ ንሕሉፍ ንጥቀመሉ።
2. መረጋገጺ፡
I used to play football. በዓል ቤት+ሕሉፍ ዝዉተራ+መሰረት ግሲ
I didn’t use to play football. በዓል ቤት+ኣፍራሲ ሕሉፍ ዝዉተራ+መሰረት ግሲ
Did you use to play football? ሕሉፍ ዝዉተራ+በዓል ቤት+መሰረት ግሲ
Careful! ኣስተውዕሉ፡ ኣብ ኣሉታን ኣብ ናይ ሕቶ ኣሰራርዓን፡ ኣብ መወዳእታ ናይ 'use' 'd' ኣይተጠቐምናን። ምኽንያቱ 'did' ተጠቒምና። እዚ ኣብ ኣደማምጻ’ውን ኣይቕይርን።
3. ‘Used to’ ምስ ‘I’ ጥራይ ዲና እንጥቐመላ?
No, ኣይፋልን፡ እቲ ብዓል ቤት ብዘየገድስ፡ ናይ ካልኣይቲ ሕቶ ሕጊ ብዘለዎ ኣይልወጥን።
I used to play football.
You used to play football.
He/She used to play football.
We used to play football.
They used to play football.
4. ‘Used to’ ካልእ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ ድዩ?
እወ፡ ምኽንያት ‘used to’ ኣብ ዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ካልእ ትርጉም ኩህሉዎ ስለ ዝኽእል ክንጥቀቅ ይግበኣና። ክትዝክርዎ ዘሎኩም፡ ብዛዕባ ሕሉፍን ዝውቱርን ክትዛረቡ ከሎኹም ብቐጻሊ ሓደ ዓይነት ኣሰራርዓ ተጠቐሙ።
ብዛዕባ ናይ ቆልዕነተይ ዝምባለ ኸመይ ገይረ ክዛረብ እኽእል?
4 Questions
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ቕኑዕ መስርዕ ኣትሕዘዎም
ሓገዝ
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ቕኑዕ መስርዕ ኣትሕዘዎም
ኣመት
‘Use to’ ከምኡ’ውን ‘used to’ ምስ ርግጽ ነገር ንጥቀመሉ’ዶ?Question 1 of 4
ሓገዝ
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ቕኑዕ መስርዕ ኣትሕዘዎም
ኣመት
‘Use to’ ከምኡ’ውን ‘used to’ ምስ ኣሉታዊ ሓሳባት ንጥቀመሎም’ዶ?Question 2 of 4
ሓገዝ
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ቕኑዕ መስርዕ ኣትሕዘዎም
ኣመት
ኣብ ምሉእ ሓሳብ ክልተ ‘to’ የድሊ። ሓደ ምስ ‘used’ እቲ ካልኣይ ድማ ምስ ‘listen’ ይኸይድ።Question 3 of 4
ሓገዝ
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ቕኑዕ መስርዕ ኣትሕዘዎም
ኣመት
‘Use to’ ወይ ‘used to’ምስ ሕቶታት ክንጥቀመሎም ንኽእል’ዶ?Question 4 of 4
Excellent!Great job!ሕማቕ ዕድል!ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Tell us what your childhood hobbies used to be on our Facebook group!
ብዛዕባ ናይ ቆልዕነትኩም ዝምባለታት እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ኣብ ፈይስቡክና ኣካፍሉና!
Join us for our next episode of How do I…, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል ክፋል How do I…, ኣገደስቲ ናይ ኢንግሊዝኛ ዝርርብን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እተመሐይሹሉ መደብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ሞ ብሰላም የራኽበና።
Session Vocabulary
play football
ኩዕሶ እግሪ እጻወትwatch films
ፊልም እርኢlisten to music
ሙዚቃ እሰምዕa lot of
ብዝሕ ዝበለnot… much
ብዙሕ ኣይኮነን