እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ንዘይርአ ኵናት ንምምካት ዝቖመ ማእከል
ምስጢራዊ ምፍንጃር ኣብ ትሕቲ ማይ፡ ብዘይተፈለጡ ሰባት ዝግበር ሳይበራዊ መጥቓዕትን ነቲ ናይ ምዕራባውያን ዲሞክራሲ ንምንእኣስ ዝግበር ዘሎ ወፍሪን 'ዝተዳቐለ ስግኣታት ["hybrid threats"] ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ ዘሎ።
ቢቢሲ ነቲ ንኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ንሕብረት ኣውሮጳን ስግኣት ኮይንወን ዘሎ ብተዛማዲ ሓዲሽ ክብሃል ዝከኣል መጥቃዕትታት ንምምካት ዝቖመ ማእከል ክበጽሕ ክኢሉ።
ታይጃ ቲልካነን ነቲ 'ሃይብሪድ ዋልፌር' ዝብል ንኸተብርሆ ኣብ ዝተሓተተትሉ "ሕጽር ብዝበለ ምውቓዕ ሓበሬታታትን ምጥቓዕ ኣገደስቲ ትሕተ ቕርጽን'ዩ" ትብል።
ንሳ፡ ነቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ፊንላንድ ንዝመንጨወ ስግኣታት ንምምካት ዝቖመ 'ማእከል ጸረ ዝተዳቐለ መጥቓዕትታት ኣውሮጳ' [European Centre of Excellence for Countering Hybrid Threat] ዳይረክተር እያ።
ታይጃ ቲልካነን፡ እዚ ዝተዳቐለ መጥቓዕትታት ተባሂሉ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት መጥቓዕትታት፡ ኣዝዩ ረቂቕ ከብ ምዃኑ ዝተላዓለ ሃገራት ካብ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕትታት ንገዛእ ርእሰን ክከላኸላ ኣዝዩ ከምዝኸብደን'ያ ትዛረብ።
እንተኾነ እቲ ረቒቕ መጥቃዕቲ ሓቕን ንኹሉ ዝጸሉን ከምዝኾነ እታ ክኢላ ትገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ባልቲክ ዓቢ ነቱጒ ተሰሚዑ፡ እቲ ነትጒ ኸኣ ነቲ ካብ ሩስያ ናብ ሰሜን ጀርመን ዝዝርጋ መስመር ጋዝ 'ኖርዲ ስትሪም' ኣብ ሓያለ ቦታታት በሳሲዕዎ።
ሩስያ እቲ መጥቃዕቲ ብኣአ ከምዘይተፈጸመ ቀልጢፋ'ያ ግብረ መልሲ ሂባ።
ምዕራባውያን ሃገራት ግን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት 2022 መጥቓዕቲ ምስ ፈጸመት፡ ንዩክረይን ብምድጋፈን ብሕጽረት ጋዝ ብክሳደን ንኽትሕዘን ሩስያ'ያ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺማቶ ዝብል መደምደምታ'የን ዝህባ።
ብዘይካ'ዚ ሩስያ ኣብቲ ኣብ 2016 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ፡ ሩስያ ንዶናልድ ትራምፕ ብምድጋፍ ኣብቲ ምርጫ ብስዉር ኢዳ ከምዝሓወሰት ዝገልጹ'ውን ኣለዉ፡ ሩስያ ግን ነዚ ክሲ እዚ'ውን ብትሪ'ያ ነጺጋቶ።
ሩስያ ኣብቲ ምርጫ ብሰብ ዝሰርሖ ብልሒ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ] ተሓጊዛ ካብቲ ኣብ ሰይንት ፔተርስበርግ ዝርከብ ማእከላ ኮይና ብብዝሒ ንዶናልድ ትራምፕ ዝድግፍ መወዓውዒታት ትገብር ከምዝነረት'ያ ትኽሰስ።
እቲ ካልእ ኣገባብ ስኑዕ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኮይኑ፡ ነቲ ፕሮፖጋንዳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ስኑዕ ሓበሬታ ስም ፍሉጣትን ተቐባልነትን ዘለዎም ሰባት እናሮቋሓካ 'ኩስቶ እዚ ኢሉ፡ ኩስቶ እዚ ገይራ' እናበልካ ዝንዛሕ ወረታት'ዩ።
እዚ ኣገባበ እዚ ብፍላይ ሩስያ ንዩክረይን ምስ ወረረታተ ኣዝዩ'ዩ ተወዓዊዑ፡ ሚልዮናት ኣብ ሩስያን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራትን ዝርከቡ ሰባት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ምፍናዋ ቅኑዕን ሩስያ ነፍሳ ምክልኻል ንምግባር ዝኣተወቶ ከምዝኾነ ክገልጹ ጀሚሮም።
ምዕራባውያን ሃገራትን ነዚ ከምዚ ዓይነት ስዉር መጥቓዕትታት ንኸለልየኦን ንኽከላኸለኦን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ኣውሮጳዊ ሕብረትን 'ማእከል ጸረ ዝተዳቐለ መጥቓዕትታት' ዝሰመየኦ ማእከል ኣብ ፊንላንድ ኣቊመን።
እቲ ማእከል ኣብታ ሃገር ክምስረት ዝተመረጸሉ ምኽንያት እታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዘይሻራዊት ኮይና ክትጉዓዝ ስለዝጸንሐት'ዩ።
ፊንላንድ ኣብ 1940 ንሓጺር ወቕቲ ኣንጻር ሩስያ ኣብ ኵናት ተጸሚዳ ምስ ተሰዓረት ብድሕሪኡ ንነዊሕ ዓመታት ጸግዒ ናይ ዝኾነ ደምበ ከይሓዘት'ያ ክትጉዓዝ ጸኒሓ።
እንተኾነ፡ እታ ምስ ሩስያ 1300 ኩሎሜተር ምድራዊ ዶብ ዘለዋ ፊንላንድ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ጽግዕግዕ ክትብል ተራእያ እያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ንክትጽንበር ዘቕረበቶ ወግዓዊ ሕቶ'ውን ተቐባልነት ንኽረክብ ኣብ ጫፍ'ዩ በጺሑ ዘሎ።
ኣብ ሓደ ቖራርን በረድ ዝነበሮን ረፍዲ ናብቲ ጥቃ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ መክልኻል ፊንላድን፡ ጥቃ ኢምባሲ ሩስያ ኣብ ፊንላድን ዝርከብ 'ማእከል ጸረ ዝተዳቐለ መጥቓዕትታት' ምብጻሕ ኣካይደ።
ታይጃ ቲልካነን ኣብቲ ማእከል ዝርከቡ 40 ክኢላታት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ብፍሉይ ካብ ብሪጣንያ ዝመጽኡ ክኢላታት'ያ ትመርሕ።
ንሳ እቲ ማእከል ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ብፍሉይ ነቲ ተደጋጋሚ ስዉር መጥቓዕትታት ክፍጸሞ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ዝስጋእ ከባቢ ኣርክቲክ ኣቶኲሮም ይከታተሉ ከምዘለዉ ትገልጽ።
"ሓደሽቲ ምንጪ ጸዓታት ይመጽኡ ኣለዉ፡ ስለዚ ዓበይቲ ሃገራት ረብሐአን ንምውሓስ ንሓድሕደን ብስዉር ክጠቓቐዓ ይኽእላ'የን፡ ብዘይካ እዚ ኣዝዩ ዝላኻዕ ዘይቕኑዕ ሓበሬታት'ውን ኣሎ" ትብል።
ብምስዓብ "እቲ ብሩስያ ዝትረኽ፡ ኣርክቲክ ኣዝዩ ፍሉይ ቦታ ኮይኑ ግርጭት ዘይርኣዩ ዞባ ምዃኑ'ዩ፡ እዚ እናኾነ ግን ሩስያ ኣብቲ ቦታ ወተሃደራዊ መዓስከር ትሃንጽ ኣላ" ትብል።
እዚ 'ዝተዳቐለ ስግኣታት' ዝብሃል ሓዲሽ ኣገባብ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል መጥቓዕትታት ከም ብረታት ዝኣመሰሉ ምልውዋጥ ቶኵሲ ዘይርኣየሉ ግን ከኣ ዘኸትሎ ዕንወት ማዕረ ወይ ልዕሊ እቲ ብብረት ዝፍጸም መጥቃዕትታት ከምዝኾነ'ያ እታ ክኢላ ትገልጽ።
እቲ ዝኸፈአ ኸኣ ኣቲ ፈጻምን ኣበጋስን መጥቓዕቲ ከተለልዮ ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኾነ ብምግላጽ ነቲ ኣብ 2007 ኣብ ልዕሊ ኢስቶንያ ዝተፈጸመ ሳይበርያዊ መጥቓዕትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መስመር ጋዝ ባልቲክ ዝተፈጸመ መጥቓዕትን ከም ኣብነት ይግለጽ።
እቶም ፈጸምቲ መጥቓዕትታት ዝኾነ ኣሰር ስለዘይገድፉ እንተገደፉ ኸኣ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ ንምልላዮም ዝግበር ፈተን ከንቱ ድኻም'ዩ።
ኣብዚ እዋን ሓንቲ ሃገር ንኻልእ ሃገር ብዘይ ምትእትታው ወተሃደራዊ ሓይሊ ከተዕንዋ ከምእትኽእል'ያ ታይጃ ቲልካነን ትገልጽ።
እዚ ብስዉር ኣገባብ መስመራት እታ ሃገራት ብምቁጽጻርን ንማያዊ ኣካል እታ ሃገር ካልኦት ሃገራት ብሰንኪ ስግኣት ከምዘይኣትወኦ ብምግባርን ዝርከኦ ሓያለ ሜላታት ከምዘሎ ታይጃ ቲልካነን ትሕብር።
ሓደ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝክኣል ከኣ ሩስያ ቅድሚ ንዩክረይን ምውራራ ነቲ ምስ ጸሊም ባሕሪ ብጸቢብ መትረብ ከርች ዝራኸብ ባሕሪ ኣዞቭ ኣብ ምሉእ ስግኣት ብምእታው ዓብላልነታ ከተርኢ ተራእያ።
ሩስያ ካብ ጥቅምቲ 2018 ጀሚራ ነተን ካብ ወደባት ፓርኦፖልን በርድያስክን ናይ ዩክረይን ተበጊሰን ካብን ናብን ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ መራኽብ ዩክረይን ንመትረብ ከርች ንክሓልፋ ግድን ብኣካላት ጸጥታ ሩስያ ከምዝፍተሻ ትገብር ነይራ።
መስርሕ ተፍትሽ ናይ ሓንቲ መርከብ ደይ መደይ ኢልካ ክሳብ ክልተ ሳምንታት ከምዝወስድ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ቑጠባ ዩክረይን ሰፍ ዘይብል ክሳራ ከምዝወርድ ይግበር ከምዝመነበረ ሓደ ካብቶም ኣብ 'ማእከል ጸረ ዝተዳቐለ መጥቓዕትታት ኣውሮጳ' ዝሰርሑ ጁካ ሳቮለይን ይሕብር።
እቶም ነዚ ማእከል ዝመርሑ ዘለዉ ሰብ ሞያ ግን ኣብቲ ዝተሰነዐ ሓበሬታት ኣማእኪሉ ዝንዛሕ ወረ ኣዝዩ ዘገርም ውጽኢት ከምዝረኸቡ'ዮም ዝሕብሩ።
ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ብምእካብ ኣጻርዮም ብዝበጽሕዎ መደምደምታ፡ ሩስያ ንሃገራት ሰሜን ኪዳን ኣትላንቲክ ብምብላጽ ኣብ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ምእካብን ጸብለል ኢላ ከምዝወጸአት ይገልጹ።
ንኣብነት ኣብ ጀርመን፡ ዝበዝሑ ሰባት ነቲ ብሩስያ ዝትረኽ፡ እቲ ኵናት ሩስያ ንነበሰ ምክልኻል ኢላ ከምዝኣተወቶ ዝገለጽ ሓበሬታ ቅኑዕ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ኣብ ስሎቫክያ'ውን ልዕሊ 30 ሚኢታዎት ካብቶም ርእይቶኦም ዝሃቡ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ዩክረይንን ሩስያን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብሃገራት ምዕራብ ዝተሳወረን ዝነሃሃርን ከምዝኾነ እምነቶም ገሊጾም።
ኣብ ሃንጋሪ'ውን ብተመሳሳሊ 18 ሚኢታዊት ጠንቂ እቲ ኵናት 'ዩክረይን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ጭቖና ስለተካይድ'ያ" ኢሎም ከምዝኣምኑ ገሊጾም።
ተወላዲ ቸክ ሪፓብሊክ ላዕለዋይ ተመራማሪ ጃኩብ ካለንስኪ፡ ንዝንቡዕን ስኑዑን ወረታት ሩስያ ንምቁጽጻር ንማይ ከም ኣብነት ብምምጻእ'ዩ ክገልጾ ዝፍትን።
"ንናይ ሩስያ ስኑዕ ሓበሬታት ንበይኑ ፈሊኻ ምግምጋሙ ኣገዳስነት የብሉን፡ ብሓፈሻ እቲ ዛዕባ፡ ብዛዕባ መሰጥቲ መልእኽትታትን ኣይኮነን፤ ከመይ ገይሮም ብውሱናት ቁጽሪ ገይሮም ዓወታት የመዝግቡ ኣለዉ'ዩ ክርአ ዘለዎ፡ እዞም ከምዚኦም ሰባት ማዕጾ ማሕበራዊ ሚድያ ክርገጦም ኣለዎ፡ ኩሉ ሰብ ጽሩይ ማይ የድልዮ'ዩ እቶም ነቲ ጽሩይ ማይ ዝስሙሙ ግን ክንፈቕደሎም የብልናን" ይብል።