ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብ ዝቕበራላ መዓልቲ ዘሎ መደባት

ሬሳ ናይተን ብ 8 መስከረም ዝዓረፋ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ሎሚ 19 መስከረም ሓመድ ኣዳም ክለብስ'ዩ።

እቲ ኣስከሬን ኣብ ደብሪ ዌስትሚኒሰተር ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ሰባት ጸሎተ ፍትሓት ምስተገበረሉ፡ ናብቲ መወዳእታ ዘዕርፈሉ ቦታ ክጓዓዝ'ዩ።

እዚ ሎሚ ዝህሉ ስምዒት ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ እዋን ቀብሪ ዊኒሰተን ቸርችል ዝተራእየ ናይ መጀመርታ ሃገራዊ ቀብሪ እዩ።

ኣስከሬን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብቲ ኣብ ሕምብርቲ ለንደን ዝርከብ ኣዳራሽ ዌስትሚኒስተር ክኣቱ'ዩ። ካብ ብንግሆኡ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ኣስከሬን እተን ንግስቲ ንምርኣይ ሪጋ ሒዞም ይርከቡ።

ሃይማኖታዊ መደባት ቅድሚ ምጅማሩ፡ መዓጹ ገዳም ዌስትሚኒስተር ንኣጋይሽ ክኽፈት'ዩ።

ሓያለ መራሕቲ ሃገራት፡ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ፡ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ብሪጣንያን ቀዳሞት ሚኒስተራት ዓባይ ብሪጣንያ ነበርን ኣብቲ ቦታ ክርከቡ'ዮም።

ንጉስ ቤልጂም ፍሊፕን ንግስቲ ማቲልደን፡ ንጉስ ስጳኛ ፍሊኦን ንግስቲ ለቲዛን'ውን ኣብቲ ስነስርዓት ክርከቡ'ዮም።

ኣስከሬን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ካብቲ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ የዕሪፍሉ ዝጸንሐ ቦታ ተላዒሉ፡ ናብ ገዳም ዌስትሚኒስተር ክውሰድ'ዩ።

እቲ ኣስከሬን ብ142 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ተሰንዩ ኣብ ሰረገላ ተሰቒሉ ክውሰድ'ዩ።

እታ ሰረገላ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 1979 ኣብ እዋን ቀብሪ ልኡል ፍሊፕ'ያ ተራእያ ነይራ።

ኣብ 1952 ንጉስ ጆርጅ ሻዱሻይ ምስ ሞቱ'ውን ኣስከሬኖም በዛ ሰረገላ'ዩ ተጸይሩ ነይሩ።

ንጉስን ደቁን ዝርከቦም ላዕለዎት ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ፡ ደድሕሪ እታ ሰረገላ ክስዕቡ'ዮም።

እቲ 2000 ኣጋይሽ ክሳተፍዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ስነስርዓት ጸሎት፡ ኣብ ገዳም ዌስትሚኒሰተር ክጅምር'ዩ።

እዚ ሃገራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኰይኑ፡ ብፍሉይ ንንጉስን ንንግስትን ዝግበረሎም፡ ነብሱ ዝኸኣለ ናቱ መስርሓት ዝኽተል'ዩ።

ደብሪ ዌስትሚኒሰተረ ነገስታት ዝቅብእሉ ታሪኻዊ ገዳም እዩ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት'ውን ኣብቲ ደብሪ'የን ኣብ 1953 ንግስነት ተቐቢለን።

ብዘይካ'ዚ ኣብ 1947'ውን ኣብዚ ደብሪ'የን ቃልኪዳን ኣሲረን።

ኣዲኤን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ደግማዊት ኣብ 2002 እኳ ኣብዚ ደብሪ እንተተቐበራ፡ ካብ 18 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ኣብዚ ደብሪ ንጉሳውያን ስነስርዓት ቀብሪ ኣይተኻየደን።

ናይ ክልተ ደቂቕ ናይ ሕልና ዝኽሪ ክግበር'ዩ።

ድሕሪ'ዚ ሃገራዊ መዝሙር ክዝመር እዩ፤ በዚ ኸኣ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ዘሎ ስነስርዓት ክዛዘም'ዩ።

ኣስከሬን ንግስቲ ካብ ደብሪ ናብ ዊሊንግተን ክኸይድ እዩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ከኣ ኣብ መናፈሻ ሃይደ ከቢድ ብረት ክትኮስ'ዩ።

ሰብ ኣብ ወሰናስን እቲ ኣስከሬን ዝሓልፈሉ ጽርግያ ኰይኑ ነቲ ስነስርዓት ክዕዘቦ'ዩ።

ኣስከሬን ንግስቲ፡ ንጉስን ካልኦት ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ዓጂቦምዎ ሰዓት ሓደ ናብ ዊንድሶር ከምርሕ'ዩ።

ዊንድሶር ኣብ ዝሓለፈ 1000 ዓመታት ልዕሊ 40 ነጋውስን ንግስታትን ዝነበሩሉ እዩ።

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብዚ ቤተ መንግስቲ ብቐዋምነት ይነብራ ነይረን።

እዚ 5 ኪሎሜተር ርሕቀት ዘለዎ ቤተ መንግስቲ ወሰን ወሰን ጽርግያ ብዕጡቓት ክኽበብ'ዩ።

ኣስከሬን ንግስቲ ናብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ክኣቱ'ዩ።

ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ዝምርዓውሉ፡ ዝጥመቑሉን ጸሎት ፍትሓት ዝገብርሉን እዩ።

ልኡል ሃሪን ሜጋንን'ውን ኣብ 2018 ኣብዚ ቤተ ክርስትያን'ዮም ቃል ኪዳን ኣሲሮም።

ኣብቲ ቤተ ክርስትያን 800 ዕዱማት ክርከቡ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብዚ ቦታ'ዚ ኸአ ንመወዳእታ ግዜ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ካብቲ ሳንዱቕ ኣኽሊለን ክልዓል'ዩ።

ድሕሪ ስነስርዓት ቀብሪ፡ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራቤት ካብቲ ቦታ ቤት ክርስትያን ክወጽኡ'ዮም።

ኣብ ስዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣባላት ስድራቤት ጥራይ ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ጎኒ ብዓል ቤተንን ንጉስ ጀርጅ ሻድሻይን ሓመድ ኣዳም ክለብሳ'የን።

ኣብ ልዕሊ መቓብረን ከአ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ካብ 1926-2022 ዝብል ጽሑፍ ክጽሓፈለን'ዩ።