እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ንምቕታል ዝተሓስበ ስርሒት ከም ዘፍሸለ፡ ኤፍቢኣይ ገሊጹ
ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ክቐትል፡ ሓደ ደጋፊ እስላማዊ መንግስቲ [IS] መደብ ከምዝነበሮ፡ እንተዀነ እቲ ውዲት ብኤፍ.ቢ.ኣይ ከምዝፈሸለ ሰብመዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።
እቲ ነባሪ ክፍለ ሃገር ኦሃዮ ዝዀነ ጥርጡር፡ ነቲ ስርሒት ዝፍጽሙ ዒራቓውያ ብሜክሲኮ ኣቢሉ ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ይደሊ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።
እቲ ጥርጡር ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ኰይኑ፡ ብሰሉስ ኣብ ኦሃዮ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ፈደራል ቀሪቡ።
ኤፍ.ቢ.ኣይ ነቲ መደቡ ንምፍሻል ሓበሬታ ዝህቡን ኤሌክትሮኒካዊ ምክትታልን ከም ዝተጠቕመ ተፈሊጡ'ሎ።
ብመሰረት ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ እቲ 52 ዓመት ዝዕድመኡ ሺሃብ ኣሕመድ ሺሃብ ዝተባህለ ጥርጡር ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብ ኣሜሪካ ዝጸንሐን፣ ኣብ ምጽባይ ዝርከብ ሕቶ ዑቕባን ዘለዎ ዒራቓዊ እዩ።
ሺሃብ ንሓደ ኣስጋሪ ሰባት ምዃኑ ዝግመት፡ ምስጢራዊ ምንጪ ከም ዝነገሮ፡ ኣባል ናይቲ ኣብ ቀጠር ዝመደበሩ ኣል-ራእድ - ብዓረብኛ ነጐዳ - ዝፍለጥ ጕጅለ ምዃኑ ከምዝገለጸ ኤፍ.ቢ.ኣይ ሓቢሩ።
ሺሃብ ምስቲ ምንጪ ሓበሬታ ኤፍቢኣይ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ፕረዚደንት ነበር ቡሽ "ብዙሓት ዒራቓውያን ቀቲሉ" ን ዒራቕ'ውን "በታቲኑ"ን እዩ ኢሉ ክቐትሎ ከም ዝነቐለ ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ፡ ኣብቲ ከምኡ ዝኣመሰለ ንቡሽ ንምእታል ኣብ ዝግበር ስርሒት ብውልቁ ክሳተፍ ከም ዝደሊ፡ "እንተሞተ'ውን ከም ዘይግድሶን፣ ምስታፉ ጥራይ ሓበን ከም ዝፈጥረሉ፡" ገሊጹ።
ሺሃብ ነቲ ስርሒት ዝዀኖ ናይ ሓሶት ናይ ፖሊስ ባጅ ይደሊ ከምዝነበረን፣ ነቲ ስርሒት ከካይዱ ዝኽእሉ ዕጡቓት ዶብ ሜክሲኮ ሰጊሮም ንኣሜሪካ ክኣትውን ብኡ ኣቢሎም ከኣ ተመሊሶም ክሃድሙ ዘኽእሎም መስመራት የጣይቕ ምንባሩ ዝገልጽ ጥርጣረታት ቀሪቡ'ሎ።
ናብ ኣሜሪካ ክሰልኩ ተስፋ ዝገበረሎም ክልተ ሰባት፡ ኣብ ስርሒታት ቅትለት ተመኵሮ ዘለዎም ወኪላት ስለያ ዒራቕ ነበር ምዃኖም'ውን ተገሊጾም።
ሺሃብ ምስ ሓደ ኣሰጋጋሪ መሲሉ ዝቐረቦ ካልኣይ ምንጪ ኤፍ.ቢ.ኣይ እውን ርክብ ከምዝነበሮ ይግለጽ። ክልቲኦም ሓበሬታ ዝሃቡ ሰባት፡ ነቲ ምስኡ ዝገበርዎ ዝርርባት ቀዲሖምዎ እዮም።
ንሱ፡ ኣባል ናይቲ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ተባሂሉ'ኳ እንተዘይተኸሰሰ፡ 'ነቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ፡' ኣባላት ኣይ ኤስ ናብ ኣሜሪካ ከእቱ ከም ዝደለየ ነቶም ምንጭታት ከምዝነገሮም ይግለጽ።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሺሃብ ምስ ሓደ ካብቶም ወሃብቲ ሓበሬታ ኤፍቢኣይ፡ ብመኪና ናብ ዳላስ ቴክሳስ ብምኻድ፡ ንመንበሪ ገዛ ቡሽን ትካል ጆርጅ ዳብሊው ቡሽን ብቪድዮ ቀዲሖምዎ ነይሮም።
ኣብ መጋቢት 2022፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ሆቴል ኮሎምበስ ኦሃዮ፡ ኣጽዋርን ናይ ሓሶት ዩኒፎርም ኣኽበርቲ ሕጊን ዝረኽበሉ መገዲ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ'ውን ተባሂሉ'ሎ።
ሺሃብ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣሜሪካ ሰባት ንምእታው ብምፍታኑ 10 ዓመታት ማእሰርቲ፣ ንፈተነ ቅትለት ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ነበር ምድጋፍን ብምፍታንን ካልእ 20 ዓመት ማእሰርቲ ይጽበዮ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ሚስተር ቡሽ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ "ኣብ ዓለም ዘሎ ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ኣሜሪካን ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ስለያን ማሕበረሰባትናን ይተኣማመን እዩ" ኢሉ።