ኤርትራ: መበል 31 ዝኽሪ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ደበና ኲናት ብወግዒ ተጸንቢሉ ውዒሉ

እቲ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ወግዓዊ ሃገራዊ ጽንብል፡ ከምቲ ልሙድ ብወተሃደራዊ ሰልፊን ባህላዊ ምርኢታትን ዝተሰነየ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ "ሓይልታት ገብትን ዓብልልን" ንልምዓታዊ ምዕባለ ኤርትራ ክቖጽዩ ከምዝሃቀኑ ተዛሪቡ።

እቶም ሓይልታት መን ምዃኖም'ኳ እንተዘየነጸረ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ግዜ ምዕራባውያን ሃገራት ኣንጻር ኤርትራ ክሰርሑ ከምዝጸንሑ'ዩ ክኸስስ ጸኒሑ።

ኣመሪካ እትርከበን ምዕራባውያን ሃገራት ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ምግሃስ መሰላትን ተሳትፎ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይን እገዳታት ክገብራላ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ብዛዕባ'ቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ሃንቀው ዝብልዎ ዘለዉ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጽገናታት ግን እቲ 31 ዓመት ብዘይ ምርጫ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ካብ ትምኒት ዝሓልፍ ዝበሎ ንጹር ነገር የለን።

"ናይ ሃገራዊ ህንጸት ተልእኾታትና ኣብ ኩሉ ልምዓታዊ ግንባራት ብዝሓየለ ከነነጣጥፍ፡ ንብድሆታትና ብጽንዓትን ውሕልነትን መኪትና ናብ ዝበረኸ ጽፍሒ ዕብየት ክድይብ ከኣ ቀዳምነት ቀዳምነታትን እዋናዊ ሕርያን'ዩ" ክብል ዝርዝር ሓበሬታ ዘይብሉ መግለጺ ሂቡ።

"ሓበራዊ መኸተና ብዝሓየለን ብዝሰፍሐን ክንሰርሓሉ መድረኻዊ ግቡእ'ዩ" ብምባል ድማ ምስ ሃገራት ናይቲ ዞባ ክትሓባበር ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ጠንቂ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ምንቁልቋል ኤርትራ ኣተሓሕዛ ናይቲ ብዘይተሓታትነት ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝመርሖ ዘሎ መንግስቲ ምዃኑ'ዮም ዝምጉቱ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝተሰነየ ጽንብላት ከካይዱ ቀንዮም ነይሮም።

እቲ ኣብ ትሕቲ ደበና ዳግማይ ኲናት ዝብዓል ዘሎ መበል 31 ዓመት ናጽነት፡ ንዘሎ ፖለቲካዊ ምፍልላያት'ውን ዘንባረቐ'ዩ።

ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲ መንግስትን ነናቶም ጽንብላት ብምድላው'ዮም ዘኪሮሞ ውዒሎም።

ወግዓዊ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ነቲ ኣብ 1991 ርእሰከተማ ኣስመራ ኣብ ኢድ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝኣተወትሉ ዕለት ዝገልጽ'ዩ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ 1993 ብዝተኻየደ ሕቡራት ሃገራት ዝተዓዘቦ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም)፡ ህዝቢ 99.8 ሚእታዊት ናይቲ ድምጹ ዝሃበ ህዝቢ "እወ" ንናጽነት ብምድማጹ፡ ብ24 ግንቦት 1993 ናጽነታ ብወግዒ ኣዊጃ፡ ከም ሃገር ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ረኺባ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ግን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ 31 ዓመታት እታ ሃገር ካብ ኲናት ናብ ኲናት እናተሰጋገረት፡ ብቑጠባ ኣንቆልቊላ፡ ብዙሓት ብዘይ ሕግን ፍርድን ዝተኣሰሩላ ብምዃና፡ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነታ ሓዘን ከምዝስምዖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ኣለዉ።