ህቡብ ስነጥበባዊ ወዲ ትኹል፡ ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, TEKLE KIFLEMARIAM
ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣትን፡ ነቲ መንፈስ ሃገራዊ ቓልሲ ብስነጥበብ ደርፊ ንምዕዛዝ ዓቢይ ተራ ከም ዝተጻወተ ዝንገረሉ ተኽለ ክፍለማርያም ወዲ ትኹል፡ ኣብዚ እዋን ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ሚላኖ ዓዲ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምና ከም ዘሎ፡ መጋድልቱን ናይ ስነጥበብ ብጻዩን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ - ሊንጎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ሃይለሚካኤል ሊንጐ ኣብ መግለጺኡ፡ ወዲ ትኹል ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ሕክምና ሚላኖ ክሕከም ከም ዝጸንሕ ጠቒሱ፣ ሕማሙ ኣብ ፈለማ ደሓን ይመስል'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ጽንዕ ስለዝበለ፡ ዕቱብን ዝሓሸን ሕክምናዊ ረዲኤት ናብ ዝድልየሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ።
ብዛዕባ ሕማሙ እንከረድእ ሊንጐ፡ ፈለማ ምስ ምቝጻር መዓንጣ ዝተኣሳሰር ቅልል ዝበለ እዩ ዝመስል ነይሩ፤ ጸኒሑ ግን ምስ ካንሰር ዝተኣሳሰር ናብ ክሎን ዓቢይ መዓንጣ ገጹ ከም ዝማዕበለ፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ምትንኻፍ ካልኦት ክፍሊ ኣካላቱን፣ ንሱ ዘስዕቦ ከቢድ ቃንዛን ከም ዘሎን ገሊጹ።
በዚ መሰረት፡ ብጾቱን ቤተሰቡን ተሓባቢሮም፡ ነቲ ልዕሊ ዓቕሚ ኰይኑ ዘሎ ሕክምናዊ ወጻኢታት ንምሽፋን 'ጐ-ፋንድሚ' [ብመገዲ ኢንተርነት ሓገዝ ገንዘብ ዝዋጽኣሉ ኣገባብ] ከፊቶም ይንቀሳቐሱ ከም ዘለው ገሊጹ።
ካብ ነሓሰ 1979 ኣትሒዙ ንወዲ ትኹል ከም ዝፈልጦ ዝዘከረ ሊንጐ፡ "ወዲ ትኹል፡ ምቕሉል ህዱእን ዓቃልን ጥዑም ሰብ እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብዙሕ ገንዘብ ወጻኢታት ከም ዝገበረን፡ ንዅሉ ኵነታቱ ዝተገንዘቡ ብጾቱን ቤተሰቡን ድማ፡ "ዝሓሸን ዝበለጸን ሕክምና ረኺቡ፡ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ፡ ጥዕናኡ ናብ ንቡር ምእንቲ ክምለስ፡" ባዕላቶም ነዚ ተበግሶ ጐ-ፋንድሚ ከም ዘወሃሃዱን ዘበገሱን ገሊጹ።
በቲ ሊንጐ ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ሕሳብ መጠራቐሚ ገንዘብ፡ ብሓንቲ ካብ ቤተሰቡ ዝዀነት ራሄል በያን ዝተኸፍተ ኰይኑ፡ ኣወሃሃድቲ እዚ መስርሕ ምውጻእ ገንዘብ፡ ሃይለሚካኤል ሊንጐ፡ ፍጹም ወልደሚኪኤል -ወዲዛግር፡ ሙልጌታ በይን- ወዲ ዛግር፡ ፍስሃየ ጸጋይን፡ ካብ ቤተሰቡ ድማ ራሄልን ምሕረትን እየን ኢሉ።
ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ንወዲ ትኹል ንምሕጋዝ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ምርኩስ ዝገበረ ሓደ ሓደ ቤላቤላዋትን ዘየድሊ ክብርን ግምትን ክወሃቦ ዘይግባእ ዘረባታትን ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ እንተዀነ፡ "እቲ መጋድልትናን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሙቕን ተዘካርን ኣሰራት ዘንበረ፡ ሓያል ብጥበቡ ተጋዲሉ ዘጋደለ ወዲ ትኹል፡ ብርግጽ ሓሚሙ ከም ዘሎን፡ እቲ ንዕኡ ንምሕጋዝ ዝተኸፍተ ሕሳብ ድማ ቅኑዕን ሕጋውን እዩ፣ እቲ ብቕንዕና ክሕግዝ ዝደሊ ሰብ ድማ ናብኡ ጥራይ ከድህብ ይግባእ፡" ክብል ኣስሚሩሉ።
ሃይለሚካኤል ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ 'ኣብ ጀጋኑኡን ታሪኹን ዘለዎ ክብሪ፡' ጠቒሱ፡ ሕጂ'ውን ነቲ ሓደ ካብ ኣርካናት ሰውራዊ ስነጥበብ ኤርትራ ዝዀነ ወዲ ትኹል፡ በብዓቕሙ ሞራላውን ገንዘባውን ደገፍ ክገብር ጸዊዑ።
ተኽለ ክፍለማርያም ወዲ ትኹል መን እዩ?
ተኽለ ክፍለማርያም ወዲ ትኹል፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ደቀምሓረ ኣብ እትርከብ ትኹል እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ፣ ኣብ 1977 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ውሩይ ስነ-ጥበባዊ እዩ።
ካብ 1977 ክሳብ 1983 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1983 ናብ ማእከላይ ባህሊ ውድብ ተመዲቡ።
ወዲ ትኹል፡ ኣብ እዋን ገድልን ድሕሪ ናጽነትን፡ ዳርጋ ኵሉ ምስ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተሓሓዝ፣ ከም ይክኣሎ፡ ለሚን-ለሚነይ፡ ጎምበል፡ እምባ ደንደን፡ ሳሊና፡ ፈጨው፡ ባጽዕ-ስየን ካልኦትን ብዙሓት ኣብ ልቢ ሰማዒ ዝሓደራ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 150 ደርፍታት ዘፍረየ ስሙይ ስነጥበባዊ እዩ።
ወዲ ትኹል፡ ብ 24 ግንቦት 2020 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ንዕዙዝ ተራ ስነጥበብ ኣብ ምዕዋት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ገሊጹ ነይሩ።
ወዲ ትኹል ኣብ መግለጺኡ፡ ባህልን ልምድን ሕብረተሰብ ኤርትራ መሰረት ብምግባር፡ ንዕላማ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ብትሽዓተኡ ቋንቋታት ስነ ጥበባዊ መልከዕ ኣትሒዝና ናብ ህዝቢ ከነብጽሖ ክኢልና ኢና፡ ኢሉ ነይሩ።
በዚ ሓይሊ ስነጥበባት ድማ ህዝቢ፡ ዕላማ እቲ ሰውራ ብግቡእ ክረኣዮ ከም ዝኸኣለ የረድእ።
ወዲ ትኹል ካብ ዝስለፍ ክሳብ 1983 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ከምዝነበረን፡ ኣብ 1983 ከኣ ናብ ባህሊ ተሳሒቡ ባህላዊ ምርኢታት ከካይድ ተመዲቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







